ድለ

ድምጻዊ ቦኖ ቮክስ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ድጋፍ ዓለም ሓቆፍ መርበታዊ ርክባት ኣቢያተ ትምህርቲ

ድምጻዊ ቦኖ ቮክስ ኣየርላንዳዊ ናይቲ ዩ2 ተባሂሉ ናይ ዝጽዋዕ ጉጅለ ሙዚቃ ኣባል ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ገና ናይ ቦንስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ዝመስረትዎ ዓለም ሓቆፍ መርበታዊ ርክባት ኣቢያተ ትምህርቲ ማሕበር ሎሚ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ኰይኑ ዝንቀሳቐስ እቲ ናይ ሕጻናትን መንእሰያትን ሕንጸትን ኵለንተናዊ ምዕባለን ግዳሴን ምንቅቓሕን ዝብል ዕላማኡ መሰረት ንዘካይዶ መደባት ድጋፍ ንምቕራብ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ዘነቓቕሑ እዮም።

“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንእነብረሉ ዘሎና እዋን ብሓቂ ፍልዩን ዝድነቑን እዮም” እንክብሉ ዝገለጹ ህቡብ ድምጻዊ ፖውል ዳቪድ ሀውሶን ስነ ጥበባዊ መጸውዕ ስሞም ቦኖ ቮክስ፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 መስከረም 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ድምጻዊ ቦኖ ቮክስ ኣየርላንዳዊ ናይቲ ዩ2 ተባሂሉ ናይ ዝጽዋዕ ጉጅለ ሙዚቃ ኣባል ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ገና ናይ ቦንስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ዝመስረትዎ ዓለም ሓቆፍ መርበታዊ ርክባት ኣቢያተ ትምህርቲ ማሕበር ሎሚ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ኰይኑ ዝንቀሳቐስ እቲ ናይ ሕጻናትን መንእሰያትን ሕንጸትን ኵለንተናዊ ምዕባለን ግዳሴን ምንቅቓሕን ዝብል ዕላማኡ መሰረት ንዘካይዶ መደባት ድጋፍ ንምቕራብ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ዘነቓቕሑ እዮም።

ድምጻዊ ቦኖ ቮክስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ድሕሪ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡

ስቓይ ቅዱስ ኣቦና

ኣብ ወጅሂ ቅዱስ ኣቦና ምልክታ ናይ ከቢድ ሓዘንን ስቓይን ከምዝረኣዩን፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ኣየርላንድ ብገለ ገለ ኣባልት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘስዓበሎም ኰይኑ፡ ከምዚ ዓይነት ገበን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይዅን ኣብ ሕብረተሰብ እውን ከይፍጸም ናይ ኩሉ ምትሕብባር ከምዘድልን ብፍላይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ዓይነት ገበን ከይፍጸም ዝህብዎ ዘለዎ መርሕነትን ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምትን ዝነኣድ እዩ ምስ በሉ፡ ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ንቕዱስ ኣቦና ብዛዕባ ናይ ሙዚቀይናን ደራፍን ታሪኽ ሕይወቶምን እውን ከምዘዘተውሎም ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስኦም ሓቢሮም ዝተረኽቡ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክባት ኣቢያተ ትምህርቲ ዋና ኣመሓዳሪ ኾሰ ማሪያ ደል ኮራል እውን ብወገኖም ቦኖ ቮክስ ኣብ ድጋፍ እዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ዘበርክቱ  ምዃኖም ገሊጾም ብስም እቲ ማሕበር ከኣ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።

ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ዓበይቲ ዕሴታት ምርኻብ እዩ

ፖውል ዳቪድ ሀውሶን እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ እንክገልጹ፡ ኣእምሮን ልብን ዝትንክፍ ብሓጺሩ ኩለንተናኻ ዝምስጥ እሞ፡ ከም ሓደ ዓቢይ መራሕን መንፈሳዊ መራሕን ዘይኰነስ ኣብ ደረጃኻ ኰይኖም ባህርያዊ ዘተን ምይይጥን ዘካይዱን ነቲ ኣብ እዋንና ዝረአይ ዘሎ ኩነትን ዓበይቲ ጸገማትን ተስፋታትን ኩሉ ሕንጸትን ሕንጸት ንመንእሰያትን ብፍላይ ነተን ኣብዝ ተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ንዝተቓልዐ ንደቀንስትዮን ዝተነጸሉን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን ጉዳያት ኣማእኪሎም ከምእተመያየጡ ሓቢሮም።

ፍልዩን ዘደንቑን ር.ሊ.ጳጳሳት

ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ነቲ ብኣኦም ዝተመስረተ ኣብ ሕንጸት መንእሰያት ዝዓዪ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክባት ኣባይቲ ትምህርቲ ማሕበር ኣብቲ ንመንእሰያት ሓቂኑ ዘካይዶ ሶውራዊ መደብ ሕንጸትን መንእሰይ ወለዶ ኣብ ሓቀይና ናይ ሕይወት ትርጉም ክሕነጽ ዘቕርቦ መደብ  ምሉእ ድጋፎም ከቕርቡ ምዃኖም ንቕዱስ ኣቦና ከምዘረጋገጹሎምን ሓቢሮም፡ ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ብዙሕ ከምእተመያየጡን እዚ ኸኣ ኣብቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ናይ ሓባር ቤትና ኣብ ምክንኻን ዝሓንጽ ዓውዲ መልእኽቶም ዘማእከለ ምንባሩ ገሊጾም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይን ዘደንቑን ር.ሊ.ጳጳሳት እዮም እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።

ድምጻዊ ቦኖ ቮክስ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ድጋፍ ዓለም ሓቆፍ መርበታዊ ርክባት ኣቢያተ ትምህርቲ
20 September 2018, 15:36