ድለ

2018.08.07 Papa Francesco, lettera ai vescovi cileniመልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንብፁዓን ጳጳሳት ቺለ፡ ጭቡጥን ክውንነታውን ውሳኔ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ 2018.08.07 Papa Francesco, lettera ai vescovi cileniመልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንብፁዓን ጳጳሳት ቺለ፡ ጭቡጥን ክውንነታውን ውሳኔ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ 

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንብፁዓን ጳጳሳት ቺለ፡ ጭቡጥን ክውንነታውን ውሳኔ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሃገር ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ምኽንያት ከቢድ ስቓይ ዝዀነ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምውጋእ ዝወሰድዎ ቁርጺ ውሳኔ ዝድግፍ ጭቡጥን ክውንነታዊ ሓሳብ ዝተነብሮን እቲ ብፁዓን ጳጳሳት ዝወሰድዎ ጽኑዕ ውሳኔ ንናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሓድነት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ንቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሒር ስሉጥ ኣብነት እውን ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ ዝተነብሮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሃገር ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ምኽንያት ከቢድ ስቓይ ዝዀነ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምውጋእ ዝወሰድዎ ቁርጺ ውሳኔ ዝድግፍ ጭቡጥን ክውንነታዊ ሓሳብ ዝተነብሮን እቲ ብፁዓን ጳጳሳት ዝወሰድዎ ጽኑዕ ውሳኔ ንናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሓድነት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ንቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሒር ስሉጥ ኣብነት እውን ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ ዝተነብሮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ነሓሴ 2018 ዓ.ም. ብይብጻሕ ናብ ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሳንቲያጎ ሲልቫ ረታማለስ ንመላእ ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ምሉእ ብምሉእ ሓቲሙ ንንባብ ከምዘቅዖ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነቲ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽን ውሉደ ክህነት ቺለን ዘማእከለ ዝዘተየን ዕለት 3 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ፍልዩ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘውጸኦ ናይ ውሳኔ ሰነድ ብጥልቂ ዝገምገመ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ጭቡጥ ውሳኔታት

ቅዱስነቶም እቲ ዝተለኣኸሎም ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ውሳኔ ሰነድ ብዓብይ ግዳሴ ከዘንበብዎን ከምዘስተንተንዎን ሓቢሮም፡ ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ ዝገበርዎ ኣስተንትኖን ዝፈጸምዎ ዕዮ ብሓቂ ዝነኣድን ግብረ ልልያ ዘጣመረን ክውንነታውን ጭቡጥን ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣብ ምውጋእ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኵለ መደያዊ ከይዲ ኣዚዩ ዝድግፍ ምዃኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ምልእኽቲ ገሊጾም።

ሓድነት ማሕበረሰብ ብፁዓን ጳጳሳት

እቲ ኣዚዩ ዝተንከፈኒ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ኣብቲ ሰነድ ዝስትውዓል ኣብነታዊ ሓድነት ማሕበረሰብ ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገግሎት ንቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዘረጋግጽ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ነቲ ዘቃላሕክምዎ ሓናጺ ኣብነት አመስግነኩም፡ ስለምንታይ ቤተ ክርስቲያን ዝሓንጽ እዩ ኢሎም።

ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሳንቲያጐ ሲልቫ ኣብቲ ወግዓዊ ናይቲ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት መርበብ ሓበሬታ፥ ኣብ ቺለ እትክረብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅዱስ ኣቦና ምጽንናዕ ከምተዓደለትን ኣብቲ ነገራት ንምትኽኻልን ጌጋታትን ንምእራምን ኣብ ቃልሲ ጸረ ወሲብ ዓመጽን ዘተባዕ እዩ፡ ስለዚህ ኵለንተናውነት ዘሕዊ  ጸጋ ምስታ ቤተ ክርስቲያን ሕዝበ እግዚኣብሔር ጠመተና ኣብ ጐይታ ኣጽኒዕና ዳግም ንምርኻብ ዝሓንጽን ዝመርሕን መልእኽቲ እዩ ከዝበሉ ተመልኪቱ ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ዘመላኽትዎ ከይዲ፡ መላእ 32 ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ፡ ብወግዒ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ይቕረታ ክሓቱ ዝብል ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘቕረቡ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ሓዋርያዊ ጉስነቶም ብቑዓት ኰይኖም ከምዘይተረኸቡን ብግልጺ ድኽመቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣካይዶምዎ ኣብ ዝነበረ ርክብ ተኣሚኖም ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ኣብ ኢድ ቅዱስነቶምን ንውሳኔ ቅዱስነቶም ከምዘረከቡ ዝዝከር ኰይኑ፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ጠሪሹ ከይፍጸም ዝድግፍን ዘተሓሳስብን ዝመርሕን ውሉደ ክህነት ጥራሕ ዘይኰነ ንዓለማውያን ምእመናንን ገዳማውያንን ኣባላት መንፈሳዊ ማሕበራትን ስርዓት ዘትሕዝ ውሳኔ ከምዘጽደቑ ተገሊጹ።

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንብፁዓን ጳጳሳት ቺለ፡ ጭቡጥን ክውንነታውን ውሳኔ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ
08 August 2018, 17:05