ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ብስእነት ስራሕ ንዝተጠቕዑ መንእሰያት ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ብስእነት ስራሕ ንዝተጠቕዑ መንእሰያት 

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ብስእነት ስራሕ ንዝተጠቕዑ መንእሰያት

ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ብዛዕባ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ፍሉይ ኣተኩሮ ዝገብረሉ ብዛዕባ ስራሕ ኣማእኪሎም ምስ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ቃለ መሕትት ኣካይዶም።

ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ብዛዕባ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ፍሉይ ኣተኩሮ ዝገብረሉ ብዛዕባ ስራሕ ኣማእኪሎም ምስ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ቃለ መሕትት ኣካይዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ምስቲ ኣብ ኢጣሊያ ጥንታውን ክሳብ ሕጂ ሕትመቱ ዘየቋረጸ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ክልተ ሰሙናዊ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር መጽሔት ኣብ ናይ መወዳእታ ሕትመቱ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት ንንባብ ከምዘብቅዔ ክፍለጥ እንከሎ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ስራሕ እዋን ዝኽበር እንተድኣ ኰይኑ፡ ብርግጽ ብዛዕባ ክቡርነትን ሰብኣውነትን ስራሕ ምዝራብ ይከኣል፡ ዝዀነ ኰይኑ ኩሉ ስራሕ ክቡር እዩ ማለት ግን ኣይኰነን፡ ክብሪ ሰብ ዘሕስር ንኣብነት ውግእ ዝምግቡ ናይ ኣጻዋር ውግእ ኢንዳስትሪታትን፡ ክብሪ ሰብ ዝሓክኩ ንመጋበርያ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝልወጡን ዝሽየጡን ዜጋታት መነባብሮን፡ ምዝመዛ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ዝኣመሰሉ ምጥቃስ ይከኣል፡ ዘይሕጋዊ ስራሕን ደቂንስትዮ ዝምዝምዝን ኣካለ ስንኵላን ዝንጽል፡  ስለዚህ ኩሉ ስራሕ ሰብኣዊ ክብሪ ዘኽብር እዩ ማለት ኣይኰነን ኢሎም።

ስራሕ ዝድግፍ ብቑዕ ፖለቲካ

እቲ ዝተኸስተ ኤኮኖሚይውን ቁጠባውን ቅልውላው ንናይ ስራሕ ዓለም ብዝለዓለ ደረጃ ሃስዩ እዩ። ብዙሓት ንስእነት ስራሕ ዳሪጉን፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብዝሒ ብስእነት ስራሕ ዝሳቐዩ ብፍላይ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሜኦም ክብ ክብል ከምዝገበረን፡ ብዙሓት በቲ ዝተኸስተ ቅልውላዊ ቁጠባን ኤኮኖምን ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱ ዕድሜኦም ልዕሊ 50 ዓመት ዝዀኑ ንሓድሽ ናይ ስራሕ ዕዳጋ መጻእተይና ኰይኖም ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም በኒኑ ይርከብ፡ ስለዚህ እዚ ኹሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ብስእነት ስራሕ ዝጥቃዕ ዘሎ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክብ ከምዝበለን፡ ነዚ ስዒቡ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ውጥረት የተኣታተው ኣሎ። ናይ ኢንዳስትሪ ፖለቲካ ምምሕያሽን ምሕዳስን ስራሕ ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከል ክኸውንን፡ መንግስቲ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ዝፈጥር ጨንፈር ሃብቲ ገንዘብ ምፋሳስን ጭቡጥ ኤኮኖሚ ምትብባዕን የድሊ ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያንን ክቡር ስራሕን

ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከለ ክቡር ስራሕ ኣብ ምንቕቓሕ ትርከብ፡ ሰብ ይብሉ ብፁዕነቶም፥ ብዘይ ስራሕ ክነብር ኣይተፈጥረን፡ ስለምታይ ብምልኣት ሰብኣዊ ክብሪ ገዛእ ርእሱ ክኽውን ስለ ዘብቅዖ፡ ስለዚህ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርቲ ማሕበረሰብኣዊ ስራሕ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ክፍሊ ምዃኑ የረጋግጽ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዘየማእከለ ስራሕ ኣብ ምንቃፍን ምቅላዕን ቤተ ክርስቲያን ትጽመድ፡ ክቡር ስራሕ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ እውን እዩ ዝተባባዕ፡ ንኣብነት ኣብ ኣውስትራሊያ ድሕሪ መንግስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እያ ልዑል ናይ ስራሕ ዕድል እተፈጥርን ብዙሓት ሰራሕተይና ዘለዉዋን ኢሎም።

ስራሕን ፍትሕን

ኣብ መንጐ ስራሕን ፍትሕን ዘሎ ምትእስሳር እንክገልጹ፡ ክፍሊት ስራሕ ነቲ ስራሕተይና ዕለታዊ ናብራኡ ክመርሕ ጥራሕ ዘይኰነ ንኵለንተናዊ ምዕባሌኡ እውን ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ፡ ስለዚህ ብቑዕ ክፍሊት ማለት ፍትሓዊ ክኸውን ከምዘለዎን ብዘፊሕ ኣብሪሆም።

ብቕዓትን ክእለትን ግምት ዘእትው ስራሕ

ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ንምውጋእ ኣብ ዝዀነ ይኹን ስራሕ ብቕዓትን ክእለትን ምቕዳም የድሊ፡ እዚ ከኣ ንመጠን ስራሕ ስራሕ ዘይኰነ ንጽሬታ ስራሕ እውን ዓቢይ ኣስተዋጻኦ ኣለዎ፡ ማዕርነት ደቀ ንስትዮ ምርግጋጽ፡ ኣብ ክፍሊት ኮነ ኣብ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር ኵሉ፡ ንኣብነት ኣብ ጃፓን ብቕዓትን ክእለትን ኣብ ስራሕ ወሳኒ እዩ፡ ስለዚህ እዚ እቲ ሓደ መምዘኒ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ብቕዓትን ክእለትን ጥራሕ ክማእከል እንከሎ ሕጂ እውን ከምቲ ኣብ ጃፓን ስርአይ ብዙሓት ናይ ርእሰ ቅተልት ከብጽሕ ዝኽእል እዩ፡ ስለኢዝህ ስብኣዊ ክብሪ ልዕሉ ግምት ከወሃቦ ኣለዎ፡ ብቕዓትን ክእለትን ብኣሉታዊ መልክዕ ክስበኽ ጌጋ እዩ … ።

ስራሕን ለውጥን

ኣብዚ ናይ ስራሕ ብዙሕ ለውጢ ዘረአየሉ ዘሎ እዋን ኵለ መዳያዊ ስርዓትን መምርሕን ከምዘድሊ ነስተውዕል፡ ናይ ሃብቲ ንይ ገንዘብ ክፍፍል መምርሕን ሃብትን ሓደስቲ ዓይነት ሃብትታት እውን ብቑዕን ግብኡን ክፍሊት ቀረጽ ክኸፍልን ብብሔራዊ ድዩ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ምትብባዕን ምርግጋጽን፡ ሓድሽ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቀ ምዕባለ ብብቕዓት ከመሓድሮ ዝኽእል መምርሕን፡ ነቲ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ከይዲ ዓለም ዝተኻኸሎ ባህልን ግብረ ገብን ብምቕራብ፡ ሓድሽ ናይ ስራህ ዕድል ምፍጣር፡ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምዕባለ ተካኢ ሰብ ክኸውን የብሉን፡ ስለዚህ ሰብ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቀ ምዕባለ ንምትካእ ዝኣመተ ከይዲ ኤኮኖሚ ከስዕቦ ዝኽእል ጸገም ቀሊል ከምዘይከውን ብእዋኑ ምስትውዓል ዝከኣል እዩ።

ስደትን ስራሕን

ስደተይና ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይብሉ ብትሑት ክፍሊት ክሰርሕ ናይ ምግባር ምርጫ ናይ ስራሕ ዋጋ ክወርድ ይገብር ከምዘሎ ዝርኣይ ዘሎ ዓቢይ ጸገም እዩ፡ እዚ ቅድሚ እቲ ሕጂ ዝርአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ቅድሚ ምፍጣሩ ዝነበረ እዩ፡ ኣማራጺ ስለ ዘይብሉ ስደተይና ብትሑት ክፍሊት ስራሕ ምሃብ፡ ማሕበራዊ ውጥረት እዩ ዘስዕብ፡ ናይዚ ኵሉ መፍትሒ ከኣ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኩነት ክመሓየሽ ምግባር፡ ናይቶም ትሑት ክፍሊት ዘለዎም ሰራሕተይናታት ምድጋፍን ኣብ ጐዳና ምዕባለ ኣብ ዝርከባ ሃገራት እውን ከምኡ፡ ብቑዕን ግቡእን ክፍሊት ምቕራብ፡ ክፍሊትን መነባብሮም ምምዕርራይን፡ ክፍሊትን ዕዳጋን ምምጥጣንን ይግባእ ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ፥

ጻውዒት ነቶም ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ መንእሰያት

ብዙሓት ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ መንእሰያት ስራሕ መሊሶም ናይ ምርካብ ተስፋ ስለ ዘይብሎም፡ ተስፋ ቆሪጾም ኣብ ናይ ስራሕ ፖለቲካ ዝነበሮም እማኖ ኣጥፊኦም ስራሕ ካብ ምድላይ ተነጺሎም ንዝርከቡ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ቅርበቶም ገሊጾም፡ እዞም መንእሰያት ተስፋ ከይቆርጹን ንቀቢጸ ተስፋነት ብምልምማድ ከይነብሩን ምዒዶም፡ ስራሕ ኣብ ምድላይ ብርቱዓትን ጽኑዓትን ኩኑ እምበር ንቀቢጸ ተስፋነት ምሩኻት ኣይኹኑ እብክብሉ ብዘቕረብዎ ጻውዒት ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ብስእነት ስራሕ ንዝተጠቕዑ መንእሰያት

 

03 August 2018, 15:58