ድለ

ሰብዓ ሺሕ ኣናጐስጢስን ወመዘምራንን ምስ ቅዱስ ኣቦና

Coetus Internationalis Ministrantium- ዓለም ሓቆፍ ኣናጐስጢስን ወመዘምራንን ማሕበር መዝሙረ ዳዊት ምዕራ 34 ፍቕዲ 14 ንሰላም ድለያ ሰዓባውን ብዝብል መርሕ ቃል ዘዳለዎ መበል 12 መፈሳዊ ንግደት ኣብ ሮማን መደብ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 31 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ተዛዚሙ።

Coetus Internationalis Ministrantium- ዓለም ሓቆፍ  ኣናጐስጢስን ወመዘምራንን ማሕበር መዝሙረ ዳዊት ምዕራ 34 ፍቕዲ 14 ንሰላም ድለያ ሰዓባውን ብዝብል መርሕ ቃል ዘዳለዎ መበል 12 መፈሳዊ ንግደት ኣብ ሮማን መደብ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 31 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ተዛዚሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንሰላም ድለያ ሰዓባውን ብዝብል ቃል ተመሪሑ ዝተኻየ መበል 12 ዓለም ሓቆፍ ኣናጐስቲስን ወመዘምራንን ወይ ከኣ ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት መፈሳዊ ንግደት ኣብ ሮማ፡ ካብ ዕለት 23 ሓምለ ክሳብ ዕለት 4 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ካብ 19 ሃገራት ዝተዋጽኡ ካብ 13 ክሳብ 23 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን ብጠቕላላ 70 ሺሕ መንእሰያት ኣገልግልቲ መንበረ ታቦት ሮማን ጐደናታታን ኣብ ቅዱሳት ስፍራ ኩሉ መፈሳዊ ንግደት ኣካይዶምን ዕለት 31 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናይ ኣጋምሸት ሰዓት ሽድሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦምን ቃለ ምዕዳን ከምእተዓደሉን ክፍለጥ እንከሎ፡

ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት፡ ልኡካን ሰላም

እቲ ኣብ 1960 ዓ.ም. ዝተመስረት ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት መንእሰያት ዝሓቁፍ Coetus Internationalis Ministrantium- ዓለም ሓቆፍ  ኣናጐስጢስን ወመዘምራንን (ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት) ማሕበር ዕላማ ምስረታኡ ከኣ ካብ ዶባትካ ስግር ሰላም ምስፋሕን ሰላማዊ ዓለም ምሕናጽን ዝብል እዩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንእሰያት ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት፡ ናይቲ ኣገልጋሊ መንበረ ታቦት ዝብል ቃልን ተግባርን መንፈሳዊ ትርጉሙ ብዕምቆት ፈሊጦም ሱታፌ ንኸበርትዑ ዝድግፍ ማሕበር እውን ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴን ካልኦት ሊጡርጊያዊ ኣገልግሎታትን ስርዓት ሊጡርጊያ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ኣብ መንበረ ታቦት ዘገልግሉ፡ ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ተባሂሉም ዝጽውዑ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን፥ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ዓለም ለኻውነት ማዕቅኑ ንኸለልዩ ዝድግፍ ምዃኑ ካብ ጀርመን ዝተዋጽኡ ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት መሪሖም ሮማ ዝተኣተዉ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዛዕባ መንእሰያት ኣገግልቲ መንበረ ታቦት ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ፓሳው ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሽተፋን ኦስተር ምስ ቫቲካን ነውስ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ሰብዓ ሺሕ ኣናጐስጢስን ወመዘምራንን ምስ ቅዱስ ኣቦና
02 August 2018, 09:40