ድለ

ዘተ ምስ ቻይና፡ ምሉእ ብምሉእ ካቶሊካውያን ሓቀይና ቻይናውያን ዘተ ምስ ቻይና፡ ምሉእ ብምሉእ ካቶሊካውያን ሓቀይና ቻይናውያን 

ዘተ ምስ ቻይና፡ ምሉእ ብምሉእ ካቶሊካውያን ሓቀይና ቻይናውያን

ኣብ ቻይና ዘይ-ሕገ ቀኖናዊ ጳጳሳትን ካልኦት እናይ ቻይና በርገሳዊ ቅባለ ዘይረኸቡ ጳጳሳት ኣለዉ፡ እዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ናይ ክልተ ምሕብረ ክርስቲያን ናይ ሓባር ትእምሪ እዩ። ስለዚህ መንፈስ ናይ ሓባር ዘተ ክነቓቓሕ እንከሎ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ጭቡጥ ግድል ንምፍታሕን ናይ ሓባር ረቛሒ ንምርካብን እወታዊ ሕዳሴ ንምብጋስን ዝብል እዩ።

ኣብ ቻይና ዘይ-ሕገ ቀኖናዊ ጳጳሳትን ካልኦት እናይ ቻይና በርገሳዊ ቅባለ ዘይረኸቡ ጳጳሳት ኣለዉ፡ እዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ናይ ክልተ ምሕብረ ክርስቲያን ናይ ሓባር ትእምሪ እዩ። ስለዚህ መንፈስ ናይ ሓባር ዘተ ክነቓቓሕ እንከሎ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ጭቡጥ ግድል ንምፍታሕን ናይ ሓባር ረቛሒ ንምርካብን እወታዊ ሕዳሴ ንምብጋስን ዝብል እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ከምቲ ዓለም ሓቆፍ ክይዲ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ሃገራት ኣብ ምትእምማን ዝቖመ ኰይኑ ዝፍጸም፡ ስዒቡ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ዘዕትሮ ስምምዕ ብወግዒ ይሕበር፡ ምእንቲ’ዚ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ቻይናን ዝካየድ ክሌኣዊ ክርብ ነቲ ኣብ ክሌኣዊ ርክብ ሃገራት ዘሎ ሜላ ዝኽተል እዩ። ኣብ ፍጻሜ እቶም ዝካየዱ ዘለዉ ርክባት ውጽኢት ምስ ዝህሉ (ተስፋ ከም እንገብሮ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ቻይና ዝረአይ ዘሎ ስሩዕን ዘይስሩዕን ዝብል ፍልልይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ውሁድ ክኸውን ዝብልን ብዘይ ጳጳስ ዝተረፋ ሰበኻታት ብቤተ ክርስቲያንን ብመንግስቲ ቻይናን ተቐባልነት ዘለዎ ጳጳስ ክረኽባን ዝብል ዘጠቓልል) ብወግዒ ዝግለጽ ይኸውን።

ከምቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ እቲ ናይ ሓባር ዘተ እቲ ናይ ብዙሓት ምእመናንን መጋብያንን ከይዲ ስቓይን መስዋዕትነትን ዝሓክኽ ወቕዒ ሰፍነግ ወይ ከኣ ምትሃታዊ ዘይኰነስ፡ በንጻሩ ነቲ ኹሉ ብሓገዝ እግዚኣብሔ ብሉጽ መጻኢን ምርግጋእን ሕውነትን ንምኽዋን ኣሚቱ ዝተኸፍለ መፈሳውን ሰብኣውን መስዋዕትነት ዝፈሰሉ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ማለት ኰይኑ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዓይኒ መርፍእ ንኽትሓልፍ ዝብል ዝተጸወዓትሉ ጉዕዞ ዘንጽሕን ጥጣዔ ናይ ሓባር ረብሓ ዘመላኽት ከይድን ተዓዋትን ተሳዓርን ዘይብሉ ንናይ ኩሉ ግደ ዋጋ ዝህብ ከይዲ ዘተ እዩ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዘሎ ህብረ ስምዒት ኣብ ግምት ብዘእትው ከይዲ ነታ ኣብ ቻይና ዘሎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ሕውነትን ሓድነት ትጽውዕ፡ ናይ ምእመናን ቅዱሳት ምስጢራዊን መንፈሳውን ሓድነት በቢ ዕለቱ ንዝበለጸ ካቶሊካውነትን ብተመሳሳሊ ደረጃ እውን እውነተይና ቻይናውነት ዝቃልሓሉ ክኸውን ይብል፡ ብኻልእ መዳይ እውን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ንጥፈታት ሓድሽ ሓይሊ ዘፈንጽግን ንዝበለጸ ስኒት ኣብ ሕብረተሰብ ቻይና ክኽወን የተባብዕ፡ እዚ ኹሉ ግና ናይ ኩሉ ብርቱዕ ጻዕርን ጽቡቕ ድላይን ይሓትት። ህላዌ ካቶሊክ ኣብ ቻይና ምስቲ ኣሃዛዊ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ክነጻጸር እንከሎ ውሑድ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ወትሩ ህይወታዊ እዩ። ብዙሕ ውሱንነት ምቁጽጻርን እውን ይሃሉ ብዘየገድስ ዝተሓደሰ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ኣስፍሆተ ወንጌል ፍርያም ከምዘኸን ዝተረጋገጸ እዩ።

ናይ ሓደ ጳጳስ ስልጣን በረገሳዊ ኣፍልጦ ምሃብ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት እውን እንተዀነ፡ ሕጋውነት ምልባስ ግና ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖናዎ ስልጣን እዩ፡ እዚ ንምርዳእ ክዋኔን ቅዋሜን ቤተ ክርስቲያን ምፋልጥ የድሊ …  ቅዱስ ሄሮኒሞስ (ኣብ ካልኣይ ዘመን) ከምዝብሎ፥ ቤተ ክርስቲያን እተበስርን ናይ ሓዋርያት ባህሊ ብጳጳሳት ኣቢላ ብዘይምቁራጽ እትገልጽን እተመሓላልፍን መንፈሳዊ ሱታፌ እያ፡ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ውሕስነት፡ ብጳጳሳት ዝንበር ሓዋርያዊ ተኸታልነት ንገዛእ ርእሱ ቅዋሜ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ እውን፡ ቅዋሜ ቤተ ክርስቲያን ብናጻ ሕጋውነት ብዝለበሰ ቅጥዒ ዝሕረዩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ (ር.ሊ.ጳጳሳት)ዋሕስ ተኸትሎ ሓዋርያውነትን ሓቅነት ኤጲስ ቆጶሳትን እዩ።

ሓደ ጳጳስ ቅብኣተ ጵጵስናኡ ሱርዕ እውን እተዀነ ሓዋርያዊ ስልጣኑ ብዘይ ሱታፌ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምኽዋን ዘይክእል እዩ፡ … ናይ ሮማ ጳጳስ ካልአ ክርስቶስ ኣብ ምድርን ኵላዊ ጓሳ ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ እዚ ኣብ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሎ ብቕዓት ነቲ ናይ ምሕራይ ስልጣን ናቶም መሰል እዩ ይብል፡ እቶም ብዘይ ናይ ልኡክነት ሓላፍነት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ማዕርገ ጵጵስና ዝተቐበሉን ዝቕበሉን እቲ ቅብኣተ ጵጵስናኦም ዘይፍቑድ እውን እንተዀነ፡ ኣብ ገለ ገለ ፍሉይነት እንተዘይኰነ ብቑዕ እዩ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣብ ቻይና ምስቲ ዝረአይ ዘሕዝን ኩነትን ዘይስሩዕነት ብዘየገድስ ወትሩ ሓንቲ እያ፡ ካብ ሮማ ዝተነጸለት ኰይና ኣይትፈልጥን፡ ምኽንያቱ ከኣ ካብ ቤተ ክርስቲያን ንጽልቲ ዘብላ ምንም ዓይነት ጠመቓዊ ትምህርቲ ኣየቕረበትን ኣይተግበረትን።

እቶም ብዘይ ስሩዕ መገዲ ማዕርገ ጵጵስና ዝተቀበሉ ቻይናውያን ሱታፌ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ወትሩ ዝነብርዎ ህያው ድላይ እውን ንገዛእ ርእሱ ዋላ’ኳ ጵጵስናኦም ዘይስሩዕ ኩነት ዘለዎ ይኹን ንዘይምክፍፋል ከም ተወሳኺ ጭብጢ ክጥቀስ ይከኣል፡ ሱታፌ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ክልተ ዓመታት ዝረአይ ሓቂ እዩ፡ ገሊኣቶም ዘርኣይዎ ዘይብቑዕ ተግባር ቅቡል ብዘይምባል ብዙሓት ዘይስሩዓት ጳጳሳት ዘርኣይዎ ጣዕሳ እውነተይና ጣዕሳ እዩ ዝብሉን ዘይቅኑዕ ቢሎም እውን ዝፈርዱ ብፁዕ ካርዲንል ፓሮሊን ከምዝብልዎ፥ ማንም ብቐጻሊ ንሓዉ ኣብ ምኹናን ዝቐልጠፈ ክኸውን ኣይግብኦን፡ እቲ ዘድልይ ኩሉ ዘሎ ሰብኣዊ ውስንነት ብዘየገድስ ንናይ መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ብእማነ ምጥማት እዩ”  እንክብሉ ከምዝገልጽዎ እዩ።

ዘተ ምስ ቻይና፡ ምሉእ ብምሉእ ካቶሊካውያን ሓቀይና ቻይናውያን
13 July 2018, 17:23