ቅድስቲ መንበር፡ ሰብኣዊ ክብሪ ስደተይናታት ክዕቀብ፡ ቅድስቲ መንበር፡ ሰብኣዊ ክብሪ ስደተይናታት ክዕቀብ፡  

ቅድስቲ መንበር፡ ሰብኣዊ ክብሪ ስደተይናታት ክዕቀብ

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ኣብ ንው ዮርክ ኣብ ናይቲ ውድብ ዋና መቐመጢ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ሰብኣዊ ሓልዮ ዘይግሃስ መትከል እዩ ዝብል ሓሳብ ዘስመረ ዘረባ ኣስሚዖም፡ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታትን ኤውሮጳን ኣማእኪሎም ናይ ጐዞ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ግረክ ኣውን ብወገኖም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ ሰረታ ረኻቢት ክትከውን ጻውዒት የቕርቡ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ኣብ ንው ዮርክ ኣብ ናይቲ ውድብ ዋና መቐመጢ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ሰብኣዊ ሓልዮ ዘይግሃስ መትከል እዩ ዝብል ሓሳብ ዘስመረ ዘረባ ኣስሚዖም፡ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታትን ኤውሮጳን ኣማእኪሎም ናይ ጐዞ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ግረክ ኣውን ብወገኖም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ ሰረታ ረኻቢት ክትከውን ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣራኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ዓለም ሓቆፍ ጥምረት ንውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ፍልሰት ዝብል ውዕሊ ምሉእ ብምሉእ ንፍጻሜ ንምብቃዕ ዝካየዱ ዘለዉ ጻዕርታት ቅድስቲ መንበር ዝነኣድ ምዃኑ ሓቢራ፡ ይኹን ደኣ እምበር መንግስታት ጸኣት ስደተይናታት ንስሉጥ ምሕደራ ዝድግፍ ስሉጥ ምዕሩይ ፖለቲካዊ መጋበርያ ኣገዳሲ ምዃኑን ቢላ፡ ብምትሕሓዝ፡ ንስደተይናታት ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዓለም ሓቆፍ ግቡእ መብጽዓታት ምኽባርን ግቡእ ሓለዋ ምርግጋጽ ግድን ምዃኑ ተመላኽት፡ ነዚ ዝበሉ ኣብ ንው ዮርክ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ፡ እቲ ውድብ ዓለም ሓቆፍ ጥምረት ንውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ፍልሰት ናይ ውዕሊ ሰነድ ናብ ፍጻሜ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምኽክር ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እንከተሓሳስቡ፡ እቲ ናይ ውዕሊ ሰነድ ኣብ 2018 ዓ.ም. ምሉእ ብምሉእ ተጠናቒቝ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተፍፈጻምነት ክረክብ እውን ምዃኑ ይንገር።

ፍልሰት ስደተይናታት ብግቡእ ንምምሕዳር ዝተዋደደ ተግባር

እቲ ምይይጥ ዝተገብረሉ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ንውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ስደት ናይ ውሳኔ ንድፊ  ኣብ መንጐ መግስታት ንምሕደራ ፍልሰት ስደተይናታት ናይ ሓባር ውጥንን ስኑይ ተግባር ዘነቓቕሕ ክኸውን ከምዘለዎ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፡ እዚ ነቲ ኣብ ምሕደራ ፍልሰት ስደተይናታት ዝረአይ ጸገም ንምፍታሕ ዘኽእል እዩ፡ ስለዚህ እቲ ናይ ውሳኔ ንድፊ፡ ኣባይቲ ስድራ ስደተይናታት ክራኸቡን ኣብ ሓደ ከነብሩ ምድጋፍን ዝብል ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ንኢዶም፡ ኣባይቲ ስድራ ስደተይናታት ምፍልላይ ንመግስቲ ኰነ ነቶም ንሕጻናት ስደተይናታት ዝህልዎ ምንም ዓይነት ረብሓ የሎን።

ኵሉ ዝካፈሎን ዝሰማምዓሉን ሰነድ ምኽዋን

ቅድስቲ መንበር ነቲ ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ንኸይትቕበሎ ዝድርኽዋ ማለት ካብ መግስታት ምሉእ ተቐባልነት ዘይረኸባ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ኣሰራርሓ ዘመሓድር ዝብል እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ዘንበሮ ሓሳብን ካልእ ተምሳልን ኣካታዕን ከገራጭው ዝኽእል ሓሳብ ክውገድ ሓደራ ይብሉ።

ንዅሎም ስደተይናታት ሰብኣዊ ኣገልግሎት ምውሓስ

ስደተይና ዝኣትወለን ሃገራት እንገዳን ክንክን ጥዕናን ሕንጸት ሕጋዊ ሓለዋን ክረኽቡ ግዲ ዝብል ኣብቲ ናይ ውሳኔ ንድፊ ሰፊሩ ዝነበረ ሓሳብ ምስራዝ ቅድስቲ መንበር ኣዚዩ ዘተሓሳብ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ገሊጾም፡ እቲ መባእታዊ ኣገልግሎት ብዘይ ኣድልዎ ምቕራብ ናይ ኵሎም መንግስታት ውሳኔ ክኸውን ኣለዎ፡ ማንም ሉኣላዊ ሃገር ሉኣላዊ ሕጊ መሰረት ዝኽተሎ ፖለቲካ ዛዕባ ጸኣት ስደተይናታትን ዘይሕጋዊ ፍልሰትን ሰብኣዊ ኣገልግሎን ዘመላኽት ሕግታተን ቅድስቲ መንበር ኣፍልጦ ዘይትነጽጐ መሰል ሉኣላውነተን እውን እንተዀነ ምስቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውሳኔ መሰልን ክብርን ዘይጋራጨው ክኸውን ኣለዎ ትብል፡

ሰብኣዊ ሓልዮ ዘይግሃስ መትከል እዩ

ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ሓለዋ ዝብልን ከምኡ እውን ዘይምንጻግ ዝብሉ ቃላት ካብቲ ናይ ውሳኔ ንድፊ ንኽስረዝ ዝተወስደ ውሳኔ ከምዘተሓሳሰቦን፡ ሰብኣዊ ሓለዋን ዘይምንጻግ ዝብል መትከል ብዓለም ሓቆፍ ውሳኔታት ግዴታውያን ቢሉ እዩ ዘንብሮም ስለዚህ ናይ ሉኣላዊ መመሓደሪ ጸኣት ስደተይና ፖለቲካ ነዚ ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥

ናይ ምስዳድን ኣብ ገዛእ ሃገርካ ናይ ምትራፍ መሰል

ቅድስቲ መንበር ማንም ዜጋ ብሰላምን ብልጽግናን ውሕስነትን ድሕነትን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ክተርፍ መሰሉ ምዃኑ ትኣምነሉ እያ፡ ይኹን ደኣ እምበር ምስዳድ ብፍላይ ከኣ ሰላምን ብልጽግናን ውሕስነት ድሕነት ኣብ ዘይረጋጸሉ እዋን ሰብኣዊ ፍጥረት ክስደድ መሰሉ እዩ ዝብል መምርሒ እትኣምነሉ ምዃና ኣዘኻኺሮም ዘስምዕዎ ዘረባ ዛዚሞም።

ቅድስቲ መንበር፡ ሰብኣዊ ክብሪ ስደተይናታት ክዕቀብ፡
11 July 2018, 15:40