ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ግዜኡ ከይኣኸለ ብዓንተውዑ መሬት ንምድሓን ሓይልታትና ነስምር

ብምኽንያት ዝኽሪ ሳልሳይ ዓመት ቀዳማይ ሕትመት እታ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ ብዛዕባ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ሓደራ እትብል ዓዋዲት መልእኽቲ ኣማእኪሉ ዝካየድ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 5 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘስምዕዊ ዘረባ ተኸፊቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን  

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ሕትመት ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ እነሆ እቲ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ እትላበዎ መልእኽቲ እዋናውነቱ ዘይበርስን ብፍላይ ከኣ “ንመጻኢ ትውልድን ነቶም ዝዓብዩ ሕጻናትን እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ክንሓደገሎም ንደልይ? ዝብል ሕቶ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ሕቶ እቲ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኵለንተናዊ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ምስ ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ተፈጥሮን ከባቢ ኣየርን ሓልዮ ማሕበር ብምትሕብባር ዝተዳለወ እውን ምዃኑ ዕለት 26 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኵለንተናዊ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶንን ዋና ጸሓፊት ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ፍላሚኒያ ጆቫነሊ ኣብ ብሓባር ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግልጺ ሓቢሮም ከምዝነበሩ እንክዝከር፡ እዚ ዓውደ ጉባኤ እታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ካብ ቃል ናብ ተግባር ንምትርጓም ዘኽእል መገዲ ንምምልኻትን ንምብርታዕን ዝብል እዩ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናይ ሓባር ቤትና ንኽንከናኸንን ዘፍጥረት ንምድሓንን ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ጸዋዕታ ብዙሕ ክይተደንጐየ ኣብ ግብር ምውዓል ሕጹጽ ምዃኑ እቲ ዓውደ ጉባኤ ንምኽፋት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣጽኒዕም ድሕሪ ምዝኽኻሮም፡ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝተውሃባ ቆላሕታን ንኣኣ መሰረት ብምግባር ዝካየዱ መጽናዕታት እውን ኣመላኺቶም፡ ሕመረት ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ “ኩለንተናዊ ስነ ምህዳን ተሞራዃስነ ፍጥረትን ተፈጥሮን ናጽላ ነፍሲ ወክፍ ፍጥረትን”  ዝብል ምዃኑ ኣዘካኺሮም፥

ክንክን ዘፍጥረትን ፍትሒ ንድኻታትን ተተሓሒዙ እዩ ዝኸይድ

ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኩነታት ዘፍጥረት ኣብ ዓቢይ ሓደጋ ወዲቑ ከዝርከብን ናይ ሓባር ቤትና ከይዓንውን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሕይወታውነ ከይመኸነ ኵለንተናዊ ስነ ምሕዳር ምትብባዕን ሰብኣዊ ስነ ምህዳር ምንቕቓሕ ዘድሊ ምዃኑ ብዕምቆት ከእተብርሕ ብፁዕ ካዲናል ፓሮሊን ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ከምዝምዕድዎ፡ “ሰብኣዊ ስነ ምህዳር ስነ ምህዳር ተፈጥሮን ዘይፈላለይ ተተሓሒዙ ዝኸይድ እዩ፡ ተሞራዃሲ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ኣውያት ፍጥረት ምስቲ ናይ ድኻታት ኣውያትን ንብዓን ዝተተሓሓዘ እዩ፡ ክንክን ዘፍትረት ፍትሒ ንድኻታትን ውሳጣዊ ርክብ ዘለዎ እዩ”  እዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ፍጥረት ሰብ እቲ ናይ ሓባር ቤትና ንምድሓን እዋኑ ሕጹጽ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፡ ጊዜ እንከሎና ጊዜ ዘምጽባይ ኢሎም።

እዋናዊ መደብ ልምዓትን መደብ ኤኮኖሚ ምቕያር

ሎሚ ዓለም ዝኽተሎ መደብ ልምዓትን ኤኮኖምን እቲ ቀዳማይ ምህዳር ዘዕንው ዘሎ ምኽንያት እዩ፡ ስለዚህ ከምቲ ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ምዕራፍ ክልተ ተመልኪቱ ዘሎ፡ ስነ ምህዳር ብማዕቅን ወንጌል ዝትንትን ሓሳብ፡ ሰብ ምስ እግዚኣብሔርን ብጻዩን ከባቢኡን ስኒታዊ ርክብ ክህልዎ ይግባእ፡ ስለዚህ ነሲ ስኒታዊ ርክብ ንዕቅብ ምስ እንኸውን ኣብ ምክንኻን ዘፍትረት ከምእንርከብ ዝተረጋገጸ ምዃኑ፥

         “ቅዱስ ኣቦና ከዘዘኻኽርዎ ኣውያት ዘፍጥረት ምስቲ ናይ ድኻታት ኣውያት ውሳጣዊ ምትእስሳ ዘለዎ እዩ”

ኢሎም።

ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ንምክንኻን መሬት ቡሶላ እያ

ዛዕባ ዘፍትረት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ስርወ እምነት፡ “ዓለም ከም ኣጋጣማዊ ምዃን ዓለም ኣጋጣማዊ ክስተት ኣኰነን ዝብል ጥራሕ ዘይኰነ ዘይምዃኑ እውብ ብቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ስነ መጐታዊ ኣምር ብምቕራብ የረጋግጾ”፡ ተፈጥሮ ናይ ኣጋጣሚ ውጽኢት ዘይኰነስ ጸጋ እዩ፡ ስለዚህ ክዕቀብ ኣለዎ፡ ናይ ምዕቃብን ምምሕዳርን ሓላፍነት ዝብል እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ምህዳርን ድኻታን ኣዚዮን ይግደሱን ይሓስቡን፡ ስለዚህ እታ ዝደረስዋ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንምክንኻን ዘፍጥረት ቡሶላ እያ ይብሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ግዜኡ ከይኣኸለ ብዓንተውዑ መሬት ንምድሓን ሓይልታትና ነስምር
05 July 2018, 16:47