ርክብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ ምስ ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ኢጣሊያ ርክብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ ምስ ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ኢጣሊያ 

ርክብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ ምስ ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ኢጣሊያ

ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ንሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ሃገሮም ኣብ ሮማ ቤተ መንግስቲ ኵይሪናለ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተሓቢሩ።

ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ንሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ሃገሮም ኣብ ሮማ ቤተ መንግስቲ ኵይሪናለ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ከምቲ ልሙድ ንኽብሪ ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ዝፍጸም ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ምኽንያት ብፁዓን ካርዲናላት ኰይኖም ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንእተሰምዩ ናይ ኢጣሊያ ሊቀ ጳጳሳት ዕለት 11 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቤተ መንግስቲ ኵይሪናለ ንጐሆ ተቐቢሎም ንኽብሮም ብሓባር ናይ ቁርሲ መኣዲ ተቛዲሶም።

እቶም ብቕዱስ ኣቦና ዕለት 28 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ካርዲናል ካብ እተሰምዩ እቶም ሰለስተ ኢጣልያውያን ክዀኑ እንከለዉ ንሳቶም ከኣ ናይ ሮማ ህየንተ ብፁዕ ካዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስን ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽዀኑ እተሰምዩ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቺዩን ናይ ኣኵይላ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጁሰፐ ፐሮኪ ከምዝዀኑ ክፍልፍጥ እንከሎ፡ ነእቶም ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ዜጋታት ኢጣሊያ ናብቲ ርክብ ዘሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ኣብ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኤሚል ፓውል ትሸሪግ ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ርክብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ ምስ ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ኢጣሊያ
14 July 2018, 16:52