ድለ

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ዕረፍት ሎሚ እውን ናይ ሰላም ምስሊ ምዃኖም ዝንገረሎም ነልሰን ማንደላ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ዕረፍት ሎሚ እውን ናይ ሰላም ምስሊ ምዃኖም ዝንገረሎም ነልሰን ማንደላ 

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ዕረፍት ሎሚ እውን ናይ ሰላም ምስሊ ምዃኖም ዝንገረሎም ነልሰን ማንደላ

እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 2010 ዓ.ም. ማንደላ ናይ ሰላምን ነጻነትን ባህሊ ኣብ ምህናጽ ዘበርከተዎ ኣስተዋጽኦ ልዑል ግምት ብምሃብ እቲ ንሶም ዘመላኸትዎ መገዲ መታን ክንስዕብ ንምትብባዕ ኣሚቱ ዝተኣወጀ በቢ ዓመቱ ዝዝከር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ነልሶን ማንደላ ከምቲ ልሙድ ዕለት 18 ሐምለ ኣብ መላእ ዓለም ተክዘኪሩ።

እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 2010 ዓ.ም. ማንደላ ናይ ሰላምን ነጻነትን ባህሊ ኣብ ምህናጽ ዘበርከተዎ ኣስተዋጽኦ ልዑል ግምት ብምሃብ እቲ ንሶም ዘመላኸትዎ መገዲ መታን ክንስዕብ ንምትብባዕ ኣሚቱ ዝተኣወጀ በቢ ዓመቱ ዝዝከር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ነልሶን ማንደላ ከምቲ ልሙድ ዕለት 18 ሐምለ ኣብ መላእ ዓለም ተክዘኪሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ዘይሕለል ተዋጋኢ ሰላም፡ ህርመት ልቦም ሃረርታ ንዝለዓለ ዕሴት ምርግጋጽ ዝብልን እዩ፡ ነልሶን ማንደላ ዕለት 18 ሓምለ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ከምዝወዓለን፡ ዕለት 18 ሓምለ ማንደላ ኣብ ሕንጸት ሰላምን ፍቕርን ነጻነትን መላእ ሕይወቶም ዝሰውኡን ካብ ማእሰርቲ ናጻ ወጺኦምን ናይ ሃገሮም ርእሰ ብሔር ንምዃን እውን ምስ በቕዑ ስልጣን ነገልግሎት ሰላምን ነጻነት ምዃኑ ዝመስከሩ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላምን ሞት ይፍታሕካ ተፈሪድዎምን ድሕሪ ነዊሕ 27 ዓመት ኣብ ሮበን ደሰት ካብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ናጻ ዝተለቁ ተቓላሳይ ጸረ ስርዓት ዓሌታዊ ፍልያ፡ እቲ ብቓልን ሕይወትን ዝነበርዎ ዝመዝከርዎን ዝኸፈልዎን መስዋዕትነት ንምርግጋጽ ልዑል ሰብኣዊ ዕሴት ሰላምን ሰብኣዊ ክብርን ዘይርሳዕ እዩ፡ እቲ ተመክሮ ማንደላ ንደቡብ ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኰነ ንመላእ ሕዝቢ ዓለም እውን ኣብነት እዩ። ከም ማንደላ መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት መላእ ሓይሉ ኣብ ሕንጸት ሓቀይናን ቅኑዕን ሰላም ከዋድድ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የተሓሳስቡ።

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ዕረፍት ሎሚ እውን ናይ ሰላም ምስሊ ምዃኖም ዝንገረሎም ነልሰን ማንደላ

ምሩኽ ዘይኰነ ሓላማይ ናይ ምሕረትን ይቕረ ምባልን መምህር

መበል 100 ዓመት ልደቱን ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ዕረፍቱን ዝዝከረሎም ማንደላ ሎሚ እውን እቲ ንሶም ብቓልን ሕይወትን ዝሃብዎ ሕንጸት ህያው ምዃኑ ልኡከ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድስቲ መንበር ጆርጆ ጆሃነስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ማንደላውነት ባህሊ እቲ ዓቢይ ውርሻ እዩ፡ ጽቡቕ ድላይን ጽንዓትን ደላይ ምሕረትን መሓርን ቀናኢ ሰላምን ናጽነትን፡ ምእንቲ ሰላምን ናጽነት ደው ምባልን ምቅላስን፡ ማንደላ ካብዚ ሓሊፎም ሕጻናት ኣብ ሰላም ባህሊ ክህነጹን ድኽነት ክውገድን ብዙሕ ዝጸዓሩን፡ ከም ርእሰ ብሔር ካብ ዝኽፈሎም ዝነበረ ደሞዝ እቲ ፍርቁ ንሓገዝ ድኻታት ዘወፍዩ እዮም፡ ኣብ ቤት ማሕቡስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ እእዳዎም ዝሓርፈፈን ዝነቐጸን ከምዝነበረን፡ ንሶም ከምዝብልዎ ግና ሕዝቢ ኣብቲ ንቑጽ ኣእዳዎም ዘይኰነስ ኣብቲ ሕያው ሰብ ሰብ ዝሸትት ልቦም ሒዞም ዝጓዓዝ እዮም ዝነበሩ። ሕዝቡ ኣብ ልቡ ዘንብር ፖለቲካ ምሕናጽ ወሳኒ ምዃኑ ዝመስከሩ እዮም ኢሎም።

ማንደላ ዕለት 18 ሓምለ 1918 ዓ.ም. ዝተወልዱ መጸውዕ ስሞም ካብ ማዲባ ናብ ነልሶን ብዝስዕቦ ዝነበረ ቤተ ክርስቲያን ፕረስቢተራን ዝተቐየረን ገና ወዲ ትሸዓተ ዓመት እንከለዉ ወላዲኦም ብሞት ዝተፈለይዎምን። ኣብ 1944 ዓ.ም. ብስነ ሕጊ ተመሪቖምን ኣብ ናይ ደቡን ኣፍሪቃ ናይ ኣፍሪቃ ብሔራዊ ጉባኤ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ንጡፍ ኣባል ብምዃን ነቲ ኣብ ሃገሮም ዝነበረ ስርዓት ዓሌታዊ ፍልያ ንምውጋድ ዝተቓለሱን ክሳብ ንምውጋዱ እውን ደው ዝበሉ ምዃኑ ገሊጾም፡ ናይ ፍትሕን ሰላምን ፍቕርን ምሕረትን ተምሳል እዮም እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ዕረፍት ሎሚ እውን ናይ ሰላም ምስሊ ምዃኖም ዝንገረሎም ነልሰን ማንደላ
19 July 2018, 16:33