ብብፅዕና ዝተዀለዔ ጒዕዞ ሕይወት! ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ንነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ቶራን
ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ነቲ ሥርዓተ ፍትሓትን ቅዳሴን ዝመርሑ ሓላፊ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ እንክኾኑ ናይ መጨረሻ ፍትሓት ግብኣተ መሬት ዝፈጸሙ ግን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እዮም፣
ብፅዕ ካርዲናል ሶዳኖ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ንነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ቶራን ዘይርሳዕ ብትብዓት ንቅድስት ቤተክርስትያን ክርስቶስ ዘገልገለ ሓው እንክብሉ ምስ ገለጹ ሽሕ’ኳ ኣብ መወዳእታ ሕይወቶም ሃፍ ዘይብል ሕማም እንተወረዶም ንኩሉ ብትብዓት መኪቶሞ ኢሎም።
ብብፅዕና ወንጌል ዝተዀለዔ ጉዕዞ ሕይወት!
ብፅዕነቶም ኣብ ቃላት ወንጌል ተመርኲሶም ንጒዕዞ ህይወት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ቶራን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ኩሎም ሰብ ጽቡዕ ድላይ ዘተ ኣካዪዶም!
ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ናብ ሕይወት ነፍሰኄር ካርዲናል ቶራን ምልስ ይብሉ እሞ ከም ካህን ከም ኣቡን ከም ካርዲናል ዕብየቶም ከምዘርኣዩ ነዚ ከኣ ብዙሃት ከምዝገበረዎ ንቅድስት መንበርን ቤተክርስትያን ንምግልጋል ሕይወቶም እንከወፍዩ ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ዓቢ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሓደራ ዝበሎ ናይ ሓድነት ዘተ መሠረት ብምግባር ምስ ኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ኣብ ምዝታይ ኣሕሊፎሞ፣ ነዚ ከኣ ከምቲ ጋውድዩም ኤት ስፐስ ማለት ፍስሓን ተስፋን ዝብል ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝህብሮ ንኩሎም ኣሕዋት ክንከውን ዝተጸዋዕናን ንሰብኣውን መለኮታውን ጽዋዔና ከኣ ብዘይ ዓመጽን ምጥፍፋእን ንዓለምና ብሓቀኛ ሰላም ንክንሃንጽ ሓቢርና ንሥራሕ ንዝብል ብሕይወቶም መስኪሮሞ፣
ጸሎት ግብኣተ መሬት!
ኣብ ፍጻሜ ናይ’ቲ ሥርዓት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነተን ብሥርዓት ላቲን ጸሎተ ኣማዕጽኖ ማለት ኦ ጐይታ ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማሕጽን ዝብላን ጸሎተ ግብኣተ መሬትን ፈጺሞም፣