16-04-2016 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ለስቦ ምስ ስደተኛታት 16-04-2016 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ለስቦ ምስ ስደተኛታት 

ዝኽሪ በዓል ቅዱሳን ኢያቄምን ሐናን በዓል ኣበሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግለታትን!

ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ሃገርና መኽፈቲ ጸሎት ናይ ኩሉ ጸሎታትን መልክዓትን እዛ ክንሰምዓ ዝጸናሕና ‘ምእንቲ ሐና ኣደኽን ኢያቄም ኣቦኽን’ ተለመንልና እናበልና ነደ ኣምላኽናን ኣደናን ዝኾነት እግዚእትነ ማርያም ንምሕጸን፣ እዞም ንምምላድ ማርያም እንጽውዖም ኣቦሓጎን እኖሓጎን ኢየሱስ ናይ ቅዱሳን ኢያቄምን ሐናን ዓመታዊ በዓል ብላቲናዊ ሥርዓተ ሎሚ ዕለት 26 ሓምለ ይዝከር፣

ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

እዚ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ከምኡ እውን ኣብ ቢዛንታውን ካልእ ምሥራቃዊ ሥርዓተ ኣምልኾታትን ዝምርኰስ በዓለ ቅዱሳን ኢያቄም ወሐና ብመርሓ ዕለት ጎርጎሮስያዊ ዓመት መጸ ዕለት 26 ሓምለ ይዝክርዎ፣ ኣብ ሃገርና ኣብ ማሕሌት ናይ ልደታ ለማርያም ክልኤቱ አዕሩግ እመ በከዩ ብካየ ፣ ረከቡ ወለተ ዘታሥተሰሪ ጌጋየ፣ ለወንጌላውያን ኵልነ ዘኮነተነ ምጉያየ፣ ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ፤ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ

እቶም ክልተ ሽማግለታት ማለት ኢያቄምን ሐሃናን ናይ ልመና ብኻይ ምስ በኸዩ ብሰማይ እትምሰል ድንግል ማርያም ተዋህበቶም ካብኣ ከኣ ማለት ካብዚ ሰማይ እዚ ከኣ ጸሓይ ጽድቂ ዝኾነ ክርስቶስ ተወልደ’ እናበልና ንጽሊ።

ቀንዲ መፍለጢኦም ከም ኣቦሓጎን እኖሓጎን ኢየሱስ ኮይኖም ወለዲ ድንግል ማርያም እንክኸውን  ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ወትሩ ነዞም ክልተ ቅዱሳን እንክዝክሩ ‘ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ምስ ኩሎም ሽማግለታትን ዕድመ ዝጸገቡን ውርሻ እምነትን ሰብኣውነትን ንንኡሳን ወለዶ ዝመሓላልፉን ንደቅና ዝኩስኵሱን ስለዝኾኑ ጸዋዕታ  ሽምግልና ብዓቢ ክብርን ጥንቃቄን ክንሕብሕቦን ክንጥቀመሉን ዝግበእና ምዃኑ ደጋጊሞ እንከዘኻኽሩ ሎሚ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ከኣ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣብ ሥድራቤት መዝገብ ናይ ኩሉ እዮም፣ በጃኻትኩም ነቦሓጎታትኩም እኖሓጎታትኩምን ተኸናኸንዎም! ኣፍቅሮም ንደቕኹም ንክዛረብዎም ከኣ ኣፍቅዱሎም’ እንክብሉ ኣብቲ ትዊተር ዝበሃል ብኣት ፖንተፊክስ ዝፍለጥ ሓጸርቲ መልእኽታት ዘመሓላልፉሉ ሳጹኖም ኣቢሎም ሓደራ ኢሎም፣

ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ኣብ 20112 ብዛዕባ እዚ በዓልዚ ኣብ ዘስተምሃርዎ ‘ናይ ሓንቲ ሕብረተሰብ ምዕባሌ ዝምዘነሉ ኣገባብ ንሽማግሌታቶም ብኸመይ ከምዝሕዝዎምን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቶም ብዝወፍይዎ ቦታን ይምዘን’ እንክብሉ ነቲ ቀንዲ ውርሻ ሽምግልና ከም መምዘኒ ምዕባሌን ንክትሽምግል ዝቀርብ ጸሎትን እዚ ንሽምግልና ትርጉም ዝህቦ ምዃኑን ገሊጾም ነሮም፣ እዚ ኣብ 2012 ዓምፈ ዘቅረብዎ ጻውዒት ብቀንዱ እቶም ዝሸምገሉ ሰባት ጸለይቲ ክኾኑ ከምዘለዎም በዚ ከኣ ከም ዋሕስ ናይ ኩሉ ክቅርቡ ከምዝኽእሉ ንምግንዛብ ዝቀረበ መልእክቲ እዩ ነሩ፣

ሽማግለታት ገና ክፈርዩ ከምዝኽእሉ ኣእዋም እንክትግንዘቦም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ  እውን ሕይወትን ናብራን ሽምግልና ቀሊል ከምዘይኮነ ኮይኑ ግን ገና ፍረ ዘለዎን ሃብታምን ምዃኑ ገሊጾም ነሮም፣ ዝሓለፈ መስከረም ዕለት 28 ብዛዕባ ሽማገለታት እንክዛረቡ ዝሸምገሉ ሰባት

‘ከምተን ገና ፍረ ክህባ ዝኽእላ ዓበይቲ ኣእዋም ኮይኖም ሽሕ’ኳ እቲ ዘሕለፍዎ ዓመታት ከቢድ እንተኾነ ገና ሓደ ንክብሪ ደቂሰባት ዝሕልቅን ንክብሪ ሕይወት ዝከላኸልን ባህሊ ንምፍጣር እጃሞም ከበርክቱ ከምዝኽእሉ ገሊጾም ነሮም’።

ቅዱስነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ብዛዕባዚ እዚ ጉዳይዚ ብዙሕ ኣስተምሂሮም እዮም፣ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብዕለት 15 ጥቅምቲ 2015ዓምፈ ንልዕሊ ሸውዓተ ሺሕ ዝኾነ ናይ ሃገረ ጣልያን ዝሸምገሉ ሠራሕተኛታት ሃገራዊ ማሕበር ወከልቲ ኣብ ኣደራሽ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘ቤተ ክርስትያን ንዝሸምገሉ ኣቦታትን ኣደታትን ብፍሉይ ቆላሕታ ትጥምቶም ዓቢይ ግምት ብምሃብ ከኣ ተኽብሮም፣ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ዝኾንኩም ንስኹም ፍሉይ ኣገዳስነት ኣሎኩም፣ ከመይ እኩብ ድምር ተመክሮታትኩም ንማሕበረሰብ ዓለም ዝኸበረን መታካእታ ኣልቦን መዝገብ ኮይኑ ንመጻኢ ብተስፋ ብሓልፍነትን ንምጥማት የኽእሎ፣ እቲ ኣብ መዋዕልኩም ዝኸዘንኩምዎ ናታትኩም ብስለትን ጥበብን ንመንእሰይ ክሕግዙ ይኽእሉ፣ ሽማግለታትና ኣብ ፈታኒ ዝኾነ ግዜውን እንተኾነ ኣብ እግዚኣብሔር ብምእማን ብሩህ መጻኢ ከምዝሎ ሕያው ምስክርነት ዝህቡ እዮም፣ ከምቲ ብዘይምቊራጽ ፍሬኣ በብግዜኡ እትህብ ኦም ኮይኖም ወላውን ብንውሓት ዕድመ ዝደኸሙ እንተመሰሉ መበቆላዊ ዝኾነ ኣበርክቶኦም ብምውፋይ ሃብታም ባህሊ ንደቆም የውርሱ እሞ ባህሊ ሕይወት ከምዝዕምብብ ይገብሩ፣’ እንክብሉ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን መተካእታ ኣልቦ ቅርሲ ከምዝኾኑ ገሊጾም፣  ነዚ ሃብቲ እዝን ርዝነቱን ንምግላጽ ቅዱስነቶም ብዙሕ ምስልታት ከምዘዘውትሩ ዝዝከር ኮይኑ። ንኣብነት ናይ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤል ሲመተ ጵጵስናኦም ኣብ ዝዘከሩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኦም ሓቢሮም ዝቅድሱ ዝነበሩ ካርዲናላት ኮይኖም። ‘ምናልባት ገሊኦም ምንም ዘይንረብሕ ኣረግቶት ኮና ኣብ ታሪኽ ጥራይ ንነብር ዝመስሎም ኣይሰኣኑን እዚ ግን ዕሽነት እዩ፣ ንሕና ኣቦሓጎታት እኳ ደኣ ንመጻኢ ወለዶ ሰናይ እንምነን ሰናይ ሕልሚ እንሓልምን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኢና’ እንክብሉ ናይ ኣቦሓጎን እኖሓጎን ግደ ኣብ ቤተሰብን ኣብ ማሕበረሰብን ክሳብ ክንደይ ናይ ተስፋን ጽንዓትን ተልእኮ ከምዘለዎ ኣብሪሆም ነሮም፣

ተጠቂምካ ደርቢ ንዝብል ባህሊ ንየው ነበሎ!

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተመልከተ ነገራት ኣብ ቦታኡ ሃልዩ ናይ ዘመንና ባህሊ ዝተኣታተዎ ዘይሰብኣዊ ባህሊ ኣሎ እዚ ከኣ ገለ እቶት ዘየበርክት ኣካል ማሕበረሰብ ክጐሓፍ ኣለዎ ዝብል ንዝኾነ ነገር ተጠቀመሉ ጥቅሙ ምስ ኣብቅዔ ከኣ ጐሓፎ ዝብል ንነገራት ዝምልከት ናብ ሰባት ልኢሙ ኣበርክቶ ዘይገብር መኽሰብ ዘይብሉ ኣወግዶ ዝዓይነቱ ሓሳብ ዘለዎ ተጠቂምካ ደርቢ ዝብል ባህሊ ኣብ ደቂሰባት ኣውን ይረኤ ስለዘሎ እዚ ናይ ረብሓን ጥቅምን መኽሰብን ነገር ክ ውገድ ቅዱስነቶም ብዙ ግዜ ኣዝኻኺሮም። ንኣብነት ናብ ፕየረልቺና ኣብ ዝገበሮዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዚ ኢሎም ነሮም፣

`ናይ ማሕበራትና መዘና ኣልቦ ሓላፍነት ተሸኪሞ ናይ ዘለው ሽማግለታትና ኩነት ከም ጾር ክስምዓና የብሉን፣ ከም ሓሳበይ ነዞም ንዘመደ ኣዳም ዝኽሪ ዘውርሱ ሽማግለታት ናይ ኖበል ሽልማት እንተዝሰናደወሎም እብል` ኢሎም ነሮም።

ናይ ሓንቲ እኖሓጎ ትምህርቲ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ደጋጊሞም እኖሓጎይ ከምትብሎ ዝብል ሓረግ ብዙሕ ግዜ ይጥቀሙሉ!  ካብቲ ብዙሕ ንእኖሓጎ ዝምልከት ጥቅስታቶም ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ብዛዕባ ምሕረት እግዚብሔር ኣብ ዝሰበኽዎ ናይ ብወነስ ኣየርስ ሊቀ ጳጳስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብ1992 ዓም ንሶም ንቅብዓ ሜሮን እንዳተጓዕዙ ሓንቲ እኖሓጎ ክናዘዝ ደልየ ትብሎም ንሶም ከኣ ግርህ ኢሎም ኣትን እምበይተይ ንስኽን ደኣ እንታይ ሓጢኣት ክህልወክን ኢሉ ምስ በልወን `ኣባቴ ኩልና ሓቲኣት ኣሎና` ምስ በለቶም ናይ ዘይተሰዓርነት ግድል ንምግባር `እሞ እግዚብሔር እንተዘይመሓረናኸ እንታይ ክንከውን ኢና’ ምስ በልወን ‘እግዚብሔር ንኩሉ ይምሕር ምኽንያቱ እግዚብሔር እንተዘይምሕር ነሩ ዓለም እምበይምሃለወን’ ክብላ ዝመለሻሎም ዘኪሮም ነሮም፣ ስለዝኾነ እምነትን ተስፋን ጸሎትን ሽማገልታትና ንቤተክርስትያን ዓቢ ትዕድልቲ እዩ፣

ጸሎት ሽማገልታትና ዓቢ ትዕድልቲ ቤተክርስትያን!

ኣብ ዘመንና ንዝርከቡ ብብዙሕ ጉዳያት ዝተዓብለሉን ጸሎት ንምግባር ግዜ ንዘይብሎምን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከም ኣበነት ወትሩ ንእግዚብሔር ዘመስግኑን ዝዝምሩን ዝበልዎም ጸሎት ሽማግለታት ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ፣

ጸሎት ሽማግለታትን እኖሓጎታትን ኣቦሓጎታትን ንቤተክርስትያ ዓቢ ትዕልቲ ኮይኑ ሃብቲ እዩ፣ እዚ ከኣ ንመላእ ማሕበረሰብ ደቂሰባትን ንቤትክርስትያንን ዓቢ ኣበርክቶ እዩ ምናዳ ነቶም ንኩሉ ከራኽቡ ክብሉ ወትሩ ንጸሎት ግዜ ዘይብሎምን ከምቲ ምሳሌ ዘርኢ ዝብሎ ብካልእ ነገራት ተታሒዞም ጻሕያይ ዝሓንቆ ዘርኢ ዝኾኑ ሰባት ዓቢ ረድኤት እዩ፣ ስለዚ ስለ እዞም ዓቢ ትዕድልቲ ዝኾኑ ሽማግለታትና ክንጽሊ ስለኦም ክንዝምር ምልክታት እግዚብሔር ክንገልጽ ኣሎና` ኢሎም ነሮም፣

 

26 July 2018, 19:36