ንግድ ሰብ የብቅዕ፥ ንግድ ሰብ የብቅዕ፥  

ንግድ ሰብ የብቅዕ

ኣገልግሎት ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣባ ፋቢዮ ባጆ፡ ቅድስቲ መንበር ንግድ ሰብ የብቅዕ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ዘነቓቕሓቶ መደብ ጐስጓስ ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝግህስ ገበን ንግድ ሰብ ንኽውገድ ቅዱስ ኣቦና ብዘካይድዎ ጸረ ንግድ ሰብ ጻዕሪ ሓላፍነት ማሕበረሰብ ኣብሪሆም እዮም።

ኣገልግሎት ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣባ ፋቢዮ ባጆ፡ ቅድስቲ መንበር ንግድ ሰብ የብቅዕ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ዘነቓቕሓቶ መደብ ጐስጓስ ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝግህስ ገበን ንግድ ሰብ ንኽውገድ ቅዱስ ኣቦና ብዘካይድዎ ጸረ ንግድ ሰብ ጻዕሪ ሓላፍነት ማሕበረሰብ ኣብሪሆም እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንግድ ሰብ የብቅዕ፡ ኣገልግሎት ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ፡ መላእ ዓለም ብዛዕባ እቲ እዋናዊ ጊልያነትን ንግድ ሰብን ግንዛቤ ክህልዎን ነዚ ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ ዝዀነ ዘስካሕክሕ ተግባር ብሓባር ንምውጋእ ብምኽንያት እቲ ብውሳኔ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 30 ሓምለ ተሓሲቡ ዝውዕል መዓልቲ ጸረ ንግድ ሰብ ምኽንያት ፍልዩ ጐስጓስ ከምዘነቓቕሔ እንክሕበር፡ እቲ ኣገልግሎት ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዘነቓቐሖ ጐስጓስ ነቲ ዓቢይ ዕውሉም ዝዀነ ብዙሕ ዘይንገረሉ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝዀነ ንግድ ሰብ ንምውጋድ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ መርሓ ግብርታት ክሕንጸጹን መላእ ሕዝቢ ዓለምን መንግስታትን ኣብዚ መዳይ ብምሉእ ሓይልን ኣቕምን ፍልጠትን ክዋፈሩ ንምንቕቓሕ እዩ።

ፍሉይ ጻዕሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓ.ም.  ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 30 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ንግድ ሰብ ምዃኑ ዘኪሮም፡ በቶም ብሓድሽ ጊልያነት ዝተጠቕዑን ዝሳቐዩን ኣሕዋትን ኣሓትን ዘኪሮም፡ ማንም ሰብኣዊ ፍጡር ከም ግኡዝ እናተራእየ ዝልወጥን ዝሽየጥን ምህርቲ ኣይኰነን፡ ብዙሓት ሰብኣዊ ክብሪ ዝግህስ ናይ ግብረ ስጋን ናይ ዘይሕጋዊ ዕዮ ጊልያነትን ጠቒሶም፡ በዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከይተረፉ ኣደዳ ምዃኖምን ገሊጾም፡ ኩሉ ኣብ ጸረ ሓድሽ ጊልያነት ክነጥፍ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣባ ባጆ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣዘኻኺሮም፡

ቅዱስ ኣቦና ገና ናይ ቡወኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ መደባት ጸረ ንግድ ሰብ ብምንቕቓሕ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ ምዃኑ ብምዝኽኻር ካብ ኣርጀቲና ሓሊፎም ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ ብምንቕቓሕ ብዙሕ ፍጻሜታት ዘበራትዑ ምዃኖም ኣባ ባጆ ዘኪሮም፡ ዓለም ሓቆፍ ጸረ ንግድ ሰብ መደባት ክሰፍሕ ዝብል ዝነበሮም ድላይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ፡ ከይወዓሉን ከይሓደሩን ክውን ገይሮምዎ እዮም፡ ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ድኻታትን ዝተናዕቁን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ዝተነጸሉን፡ መሰልን ክብርን ትሕቲ ዕድመን ኣረጋውያንን መንእሰያትን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው ኣገልግሎቶም ማእከል ገይሮም፡ ዓለም ብሓባር ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ክነጥፍ ከይተሓለሉ ይምዕዱ ኣለዉ ኢሎም።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ንግድ ሰብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝግበረሉ ዕለት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት ኣብ ዓለምን ኣብ ከተማይ  ሮማን ንግድ ሰብ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ ቢሎም፡ ኣብ ንግድ ሰብ ዝዋፈሩን ተገልገልቱን ኵሎም ተሓተትቲ ምዃኖም እውን ገሊጾም፡ ደቀ ንስትዮን ሕጻናትን መንእሰያትን ከም መጋበርያ ሩካቤ ስጋ ምጥቃም ዓቢይን ዘስካሕክሕን ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዩ፡ ሰብኣውነት ሰብ ዘጥፍእ ምዝመዛ ዓመጽን ናይ ወሲብ ዓመጽን ንምውጋድ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡ ገሊጾም፡ እቲ ቅድስቲ መንበር እተካይዶ ጸረ ንግድ ሰብ ጐስጓስ ብመራኸቢ ብዙሃንን ብዝተፈላለዩ መደባት ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣቢላ ነቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ምዅናን ጥራሕ ዘይኰነ ዜጋታትን መንግስታትን ነዚ ሕዝብታት ዘሳቕይ ጸያፍ ተግባር ብምስትውዓል ክዋግኦ ዘተባብዕ እውን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ንግድ ሰብ የብቅዕ፥
31 July 2018, 16:25