ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ መርሓ ግብሪ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ዘፍጥረት ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ መርሓ ግብሪ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ዘፍጥረት 

ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ መርሓ ግብሪ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ዘፍጥረት

እቲ ቅዱስ ኣቦና ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ስደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ንንባብ ካብ ዝበቕዓሉ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ዘሰናደዎ ናይ ስነ ምህዳር ሊቃውንትን ሰበ ስልጣናትን መንእሰያትን ናይ ደቀባት ክፍሊ ሕብረተሰብ ልኡካን ዘሳትፍ ዛዕባ ዘፍጥረት ዝመክርን ክንክን ዘፍጥረት ዘነቓቕሕን ተበግስቶታት ዘመላኽት ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክካየድ እዩ።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ስደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ንንባብ ካብ ዝበቕዓሉ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ዘሰናደዎ ናይ ስነ ምህዳር ሊቃውንትን ሰበ ስልጣናትን መንእሰያትን ናይ ደቀባት ክፍሊ ሕብረተሰብ ልኡካን ዘሳትፍ ዛዕባ ዘፍጥረት ዝመክርን ክንክን ዘፍጥረት ዘነቓቕሕን ተበግስቶታት ዘመላኽት ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክካየድ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ብውልቃውን ማሕበራውን ቤተ ክርስቲያናውን ደረጃ ኣብ ምክንኻን ዘፍጥረት ክኽወን ዝግብኦ ተግባራት ብሰፊሕ ዝትንትን ምክንኻን ዘፍጥረት መንፈሳውን ሰብኣውን ሓላፍነትን ጥዕና ዘፍጥረት ተማራዃሱ ምዃኑ ብሰፍሕ ዘመላኽት ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ መሰረት ዝገበረ ናይ ሓባር ቤትናን ኣብ መሬት መጻኢ ሕይወትን ንምድሓን  ብዝብል ኣርእስቲ ጳጳሳዊ ሓልዮ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ቤት ጽሕፈት ዘሰናደዎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 5 ሐምለ ክሳብ ዕለት 6 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክካየድ ምዃኑ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ዶክተር ፍላሚኒያ ጆቫነሊ ብሓባር ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 26 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘመልከቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ማርኰ ጉወራ ሓቢሮም።

ነቢያዊ ዓዋዲ መልእኽቲ ይሴባሕ

ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ንንባብ ካብ ዝበቐዓሉ ሰለስተ ዓመት ንነጀው መላእ ትሕዝቶኡ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቃልሕ ነቢያዊ ቃል ዝተነብሮ ከምዝዀነ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ ሎማዊ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና መጻኢ ሕይወት ምክንኻን ከምዝዀነ ኣብሪሆም እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ዛዕባ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ብሰፊሕ ዘብርሆ ፍካሬ ናይቲ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ኣስተንፍሶ እዩ ከምዝበሉ ጉወራ ሓቢሮም፡

ተግባር ምክንኻን ዘፍጥረት

ኵሉ ዘፍጥረት ምክንኻን ከምዘድሊ ይኣምነሉን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት እውን ይሕበር፡ ይዅን ደኣ እምበር ካብ ቃል ናብ ተግባር እንሰጋገርሉ እዋኑ በጺሑ እዩ፡ ሎሚ እንተድኣ ምክንኻን ዘፍጥረት ተግባራዊ ዘይኰነ ናይ ሓባር ቤትና ንዝኸፍኤ ሓደጋ ምቅላዕ እዩ ዝኸውን፡ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ብሰፊሕ ክግለጽን ኣብኡ ዝተመርኰዘ ኣስተምህሮ እውን ክቐርብ ከምዘለዎን፡ እንኽተሎ ዓይነት ኣነባብራን ውጥናት ምዕባሌታት ምስ ምክንኻንን ምኽባርን ዘፍጥረት ዝተተሓሓዘ እምበር ኣብ ናይ ሎማዊ ረብሓን ኢጐነትን ክቱር ክኸውን የብሉን እዚ ኸኣ እቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ብሰፊሕ ብኽኢላታት መብርህን ኣስተምህሮን ክወሃብ እዩ ከምዝበሉ የመልክቱ።

ዶክተር ፍላሚንያ ጆቫነሊ እውን ብወገነን፥

ተሞራዅሶ ትውልዳዊ ፍትሒ

እቲ ዘሎ ወለዶ ንገዛእ ርእሱ ጥራሕ ዝሓስብ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዕጹው ከይኰነ ንመጻኢ ትውልዲ እውን ዝሓስብ ፍትሓዊ ርእየት ክህልዎ ይግባእ፡ ምድሓን መሬት ኣብቲ ፍጥረትን ተፈጥሮ ንኽውንን ዘይኰነስ ንኸመሓድር ዝተጸውዔ ሰብኣዊ ፍጥረት ኢድ ዝተነብሮ እዩ፡ ምድሓን መሬት ምድሓንና እውን እዩ፡ ምድሓን ኣምላኽ ኵለንተናዊ እዩ፡ ስለዚህ ፍትሓዊ እውን እዩ፡ ፍትሓውነት ኸኣ ሰገር ሎማዊ ብምዃኑ እዩ እንክብላ፡ ናይዚ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባል ኣባ ጆሽትሮም ኩሪታዳም እውን ብወገኖም፡

ኣብቲ ዝተጸውዐ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ፡ ናይ ስነ ምሕዳር ሊቃውንትን ተመራመርትን ክኢላታትን መንእሰያትን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝርከቡ ሃገረይና - ደቀባት ክፍሊ ሕብረተሰብ ወክልቲ እውን ክሳተፉ ምዃኖም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ምስ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ስነ ምህዳር ካቶሊካዊ ምንቅስቓስን ቃል ኪዳናዊ ጥምረት ዝተፈላለያ ናይ ኵለንተናዊ ምዕባለ ሓልዮ ካቶሊካውያን ማሕበራትን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ኰይኑ ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስነ ምሕዳር ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣባል መክሲካዊት ፓትሪሲያ ኤስፒኖዛን ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ኒኮላስ ስተርንን ካልኦት ሊቃውንትን ምሁራትን ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት መንእሰያትን እውን ክሳተፉ ምዃኖም ከምዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ጉወራ ሓቢሮም።

ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ መርሓ ግብሪ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ዘፍጥረት
05 July 2018, 17:16