ዘተ ምስ ቻይና፡ ሓዋርያዊ ተኸትሎነትን ሕጋውነትን ብፁዓን ጳጳሳትን ዘተ ምስ ቻይና፡ ሓዋርያዊ ተኸትሎነትን ሕጋውነትን ብፁዓን ጳጳሳትን 

ዘተ ምስ ቻይና፡ ሓዋርያዊ ተኸትሎነትን ሕጋውነትን ብፁዓን ጳጳሳትን

ኣብ ቻይና እቶም ብዘይ ትእዛዝ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ማዕርገ ጵጵስና ዝቕበሉ ካብ ዘይሕጋውነት ናብ ሕጋውነት ማዕርገ ጵጵስና ንምስግጋር ዝግበር ጻዕሪ ሕይወት ኣልቦ ዝዀነ ቤት ጽሕፈታዊ ከይዲ ዝኽተል ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ሓቀይና ቤተ ክርስቲያናዊ ልልያን ዓሚዩቕ ቤተ ክርስቲያናዊ ከይዲ ዝስዕብ እዩ። እዚ ሰነድ’ዚ ካብቲ ሻብዓይ ሰነድ ቀዳማይ ክፍሊ ሕገ ቀኖናዊ ሕጋውነት ወይ ቅቡልነትን በርገሳዊ ኣፍልጦ ንብፁዓን ጳጳሳትን ዝብል ስዒቡ ዘሎ ካልኣይ ክፍሊ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ተኸትሎነትን ሕጋውነትን ብፅዓን ጳጳሳት ዝምልከት እዩ።

ኣብ ቻይና እቶም ብዘይ ትእዛዝ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ማዕርገ ጵጵስና ዝቕበሉ ካብ ዘይሕጋውነት ናብ ሕጋውነት ማዕርገ ጵጵስና ንምስግጋር ዝግበር ጻዕሪ ሕይወት ኣልቦ ዝዀነ ቤት ጽሕፈታዊ ከይዲ ዝኽተል ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ሓቀይና ቤተ ክርስቲያናዊ ልልያን ዓሚዩቕ ቤተ ክርስቲያናዊ ከይዲ ዝስዕብ እዩ። እዚ ሰነድ’ዚ ካብቲ ሻብዓይ ሰነድ ቀዳማይ ክፍሊ ሕገ ቀኖናዊ ሕጋውነት ወይ ቅቡልነትን በርገሳዊ ኣፍልጦ ንብፁዓን ጳጳሳትን ዝብል ስዒቡ ዘሎ ካልኣይ ክፍሊ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ተኸትሎነትን ሕጋውነትን ብፅዓን ጳጳሳት ዝምልከት እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካቶሊካውነት መልክዓ-ምድራዊ ወይ ከኣ ተቕዋማዊ ትርጉም ብምሃብ እንታይነቱ ምርዳእ ዘይኰነስ ንምሉእ ሱታፌ ናይ እምነት ኵለተናውነትን ጠመቓዊ (ዓንቀጸ እምነት) ትምህርቱን ንባህልን ትውፊትን ምሉእ ተኣማንነት ብዝብል ኣተረጓጉማ እዩ ክንበብን ምርዳእን ዘድልይ። እቲ ካቶሊካውነት ዓሚይቕ ትርጉም ልብን መንፈስን ዝትንክፍ እዩ፡ ካቶሊክ ከይዲ እቲ ፍልልያት ናብ ስሩዕ ውህደት እዩ፡ እዚ ከኣ ፍልልያት ኣብ ክርስቶስ ዘሰማምዕ ወይ ዘተዓርቕ እዩ። ስለዚህ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ብጉባኤ ካህናን ተዓጂቡን ብዲያቆናት ተደጊፉን ኣብ ትሕቲ ኣቡን ብመርሕነት ብዝስራዕ ኣብ ምብዓል ቅዱስ ቁርባን ክበብ እትቐውም እያ።

በዚ መገዲ’ዚ እምበኣር ኣብታ ምስቲ ንዅለን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝርከባ ከባቢያውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብፍቕሪ ኣብ ዝመርሕ ናይ ሮማ ጳጳስ ሱታፌ ብዘለዎ ኣቡን ኣብ እትምራሕ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ካቶሊካውነት ህልው እዩ። እዚ እዩ ውሕስነት ናይ ካቶሊካውነት ውህደት ኣብ ከባቢዊት ቤተ ክርስትያን፡ እቲ ኣቡን ናይ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ሱታፌ ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ እንተድኣ ዘይብሉን ኣብ ዕለታዊ ተግባራቱ ሱታፌ ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ዘይገልጽ እንተድኣ ኰይኑ ሓደገይና ዝዀነ ጸገም እዩ ዝፍጠር። ስለዚህ ሕገ ቀኖና እቲ ብዘይ ትእዛዝ ናይ ሮማ ጳጳስ ማዕርገ ጵጵስና ዝሰርዕን ዝተሰርዓሉን ከቢድ ናይ መቕጻዕቲ ብይን ብዝርዝር የመልክት። እዚ ዓይነት ቅብኣተ ማዕርገ ጵጵስና ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ከቢድ ስቓይ ዘኸትል ቁስልን ዝተፈላለዩ ኣብ ሕገ ቀኖና ተነቢሩ ዘሎ ሕገ ስርዓት ዝጥሕስ እዩ።

ኣምበኣር ከስ እቶም ብዘይ ትእዛዝ ር.ሊ.ጳጳሳት ማዕርገ ጵጵስና ዝተቐበሉ ቻይናውያን ጳጳሳት ቅብኣተ ጵጵስናኦም ሕጋውነት ንምልባስን ናብ ካቶሊካውነት ምሉእ ሱታፌ ቅቡል ንምባል ዝግበር ከይዲ ተራ ኣልቦ ሕይወት ዝዀነ ስነ ቤት ጽሕፈታዊ ኣሰራርሐ ዝምልከት ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ሓቀይና ቤተ ክርስቲያናዊ ልልያን ዓሚዩቕ ቤተ ክርስቲያናዊ ከይዲ ዝምልከት እዩ።

እዚ ንምሉእ ሱታፌ ዝብገር ከይዲ ግልጽን ቅኑዕን ምሕረት ንቕዱስ ኣቦና ካብ ምሕታት ዝብገስ እዩ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ግዜ እቲ ዝምልከቶ ጳጳስ ዝደግሞን ዝሓቶን እዩ። ነቲ ናይ ምሕረት ሕቶ ንቕዱስ ኣቦና ይግምግሙን ምሕረት ኣባኻ ቢሎም ዝህብዎ ውሳኔን እቲ ጳጳስ ኣብ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ጵጵስናኡ ክነብርን እቲ ኣብ ልዕሊኡ ብመሰረት ሕገ ቀኖና ተመሓላሊፉ ዝነበረ ፍርድታት ብምልዓል ቅዱስ ምስጢራዊ ስርየት ብምሃብ ናብቲ ምሉእ ሱታፌ ይስረት እዚ ኸኣ እቲ ጳጳስ ውሳጣውን ደጋውን ኩነታትን ብትእዛዝ ተኸታሊ ቅዱ ጴጥሮስ ተልእዀ ከምዘለዎ፡ ነቲ ዝነብሮ ሱታፌ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ይምስክር። እቲ ዝተምሓረን ሕጋውነት ዝለበሰን ጳጳስ ብማሕበረ ምእመናን ተቐባልነት ረኺቡን ነቲ ሱታፌ ሓለፋ ንምሃብ ጸሎቶምን ምትሕብባሮምን ንቑሓቶምን ተኣዝዝነቶም ይሓትት።

እቲ ንዕርቂ ዝግበር ልሙድ ከይዲ፡ ብፍሉይ ነቲ ዘይሕጋዊ ዝነበረ ጳጳስ ዝምልከት ኣገባብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘይሕጋዊ ጵጵስና ኣብ ዝፍጠረሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ዘቑስል ኩነት ኩሉ ብኣገባብ ዝትግበር እዩ፡ እቲ ንቻይና ዝምልከት እንተድኣ ርኢና፡ ጳጳስ ሕጋውነት ናይ ምልባስ ከይዲ ሓድሽ ኣይኰነን፡ ብዙሓት ዝተፈላለየ ርእይቶ እውን ይህብሉን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝተራእየ ተግባር እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ነቲ ሕጋውነት ናይ ምልባስ ተግባር ዝወሃቦ ፖለቲካዊ ንባብ ብኻልእ መዳይ እቲ ዝመሓላለፍ ሕገ ቀኖናዊ ፍርዲ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖላውነት ዝወሃቦ ዘይርዳእ ንባብ ኣሎ፡ ንተዓዘብትን ብዝገደደ ንገለ ገለ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን እውን ስንባደን ሕፍረትን ፈጢሩ እዩ። እቲ ካቶሊካዊ እምነት ብሕቡእ ዝነብር ማለት ካብ ኣሳዶ ንምድሓን ቢሉ ብሕቡእ እምነቱ ዝነብር ማሕበረ ክርስቲያን ነቲ ሕጋውነት ናይ ምልባስ ተግባር ኣፈጻጽማኡ ብር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎ ዳግማዊ ዝተበገሰ ናይ ገምገማ ኣሰራርሓ ብጽቡቕ መንፈስ ከምዘይተመልከቶ ዘመላኽት ታሪኽ ኣሎ፡ ስለምታይ ነቲ ዘይሕጋዊ ዝነበረ ጳጳስ ሕጋውነት ምልባስ ቤተ ክርስቲያን እትኸሎ ኣሰራርሓ ብተዘዋዋሪ መገዲ ነቲ ናይ መንግስቲ ፖለቲካን ነቲ ኣብ ቻይና ወግዓዊ ተቐባልነት ዘለዎ ማሕበረሰብ ምድጋፍ እዩ ዝኸውን ብዝብል ርእይቶ ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ዓይነት ርእይቶ ዘይቅበል ካቶሊካዊ እምነት ብሕቡእ ዝነብር ማሕበረ ክርስቲያን እውን ኣሎ፡ ኣብቲ እዋን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዘበገስዎ ዘተ ደገፊም ርእይቶ ዝሃቡ ሓደ ናይቲ ብሕቡእ ካቶሊካዊ እምነቶም ዝነበሩ ጳጳስ፥ “ዮሓንስ ጳውልስ ዳግማዊ በዚ ከይዲ ዘተ ኣቢሎም ልበ ክርስቶስ ከፊቶም ብዙሓት ናይቲ ናይ ቻይና ወግዓዊ ማሕበረ ክርስቲያን ጳጳስ ተቐቢሎም ሕጋውነት ኣልቢሶም እዮም እዚ ኸኣ ናይ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድነትን ሱታፌን ኣብ ቻይና ምእንቲ ክኸውን እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጹ ይፍለጥ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ኵነት ከነተኵር እንከሎና፡ ሕጋውነት ምልባስ ዝምልከ ሕቶ ንውሑዳት ጳጳሳት ዝምልከት ኸውን እንከሎ ገለ ገለ ናይ ዘምስምማዕ ርእይቶ ከዘሎን፡ እዚ ኸኣ ናይ ቻይና ማሕበረሰብ ሰበኻታት ቤተ ክርስቲያናዊ ኣካሊት ንምልባስ ዝግበር ጻዕሪ እዩ ዝመስል።

ዘተ ምስ ቻይና፡ ሓዋርያዊ ተኸትሎነትን ሕጋውነትን ብፁዓን ጳጳሳትን
18 July 2018, 16:15