ድለ

ቅድስና ኪያራ ኮርበላ ፐትሪሎ ቤተ ክርስቲያናዊ ቅድስና እዩ ቅድስና ኪያራ ኮርበላ ፐትሪሎ ቤተ ክርስቲያናዊ ቅድስና እዩ 

ቅድስና ኪያራ ኮርበላ ፐትሪሎ ቤተ ክርስቲያናዊ ቅድስና እዩ

ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር ኪያራ ኮርበላ ፐትሪሎ ብፅዕናን ስዒቡ እውን ቅድስና ንኽእወጀላ መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ኣባ ሮማኖ ጋምባሉንጋ፥ ቅድስና ኪያራ ኮርበላ ፐትሪሎ ቤተ ክርስቲያናዊ ቅድስና እዩ ይብሉ።

ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር ኪያራ ኮርበላ ፐትሪሎ ብፅዕናን ስዒቡ እውን ቅድስና ንኽእወጀላ መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ኣባ ሮማኖ ጋምባሉንጋ፥ ቅድስና ኪያራ ኮርበላ ፐትሪሎ ቤተ ክርስቲያናዊ ቅድስና እዩ ይብሉ።

ቅድስና ኪያራ ኮርበላ ፐትሪሎ ቤተ ክርስቲያናዊ ቅድስና እዩ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብዛዕባ ቅድስን ኪያራ ኮርበላ ፐትሪሎ ድሮ ብሕዝብን ብምእመናንን ብማዕከናት መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ዝንገርን ዝእመንን ቤተ ክርስቲያን ናይዛ ጓል ቤተ ክርስቲያን እምነት ንብዙሓት ኣብነትን ኣስተንፍሶን እውን ምዃኑ ብምርግጋጽ ከምዚ ዓይነት ብቓልን ሕይወትን ዝምስከር እምነት ናይ እምነት ተኣማንነትን ዘእምን እምነትን ዘነጽር ምዃኑ ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር ኪያራ ኮርበላ ፐትሪሎ ብፅዕና ስዒቡ እውን ቅድስና ንኽእወጀላ መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ናይ ቀርመለሳውያን ገዳመ ባሕታውያን ኣባል ኣባ ጋምባሉንጋ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመልክቱ።

እዉን ቅድስና

ኣባ ጋምባሉንጋ ከይዲ ብፅዕና ኣዋጅ ኮርበላ ኣብ ፍጻሜ ምብጻሑ ብሓቂ ዓቢይ ሓጐስ እዩ፡ እዛ ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር ዝነበራ ማርያማዊ መንፈሳውነት ብሓቂ ዝነኣድ እዩ፡ ናይዛ መንእሰይ ኢጣሊዊት ተወላዲት ከተማ ሮማ፡ ዓለማዊት ምእመን ኣደ ስድራ ገና ጓል 28 ዓመት ዕድመ እንከላ ብዝሓደራ ሕማም መንሽሮ ምኽንያት ነፍሰ ጹር ስለ ዝነበረት ክትከታተሎ ዝግብኣ ዝነበረ ሕክምና ነቲ ዝተጸንሰ ሕጻን ናብ ሞትን ምንጻልን ሓደጋ ዘብጽሕ ብምዃኑ ነቲ ሕማም ጸይራ ነቲ ዝተጸንሰ ሕይወት ንምድሓን መሪጻ ዝነበረቶ ሕይወት ቅድስና እዉን እዩ፡ ከም ማንም መንእሰይ ብዙሕ ሃረርታን ዕላማን ዝነበራ ሙዚቀይና እውን እያ ኔራ፡ እግዚኣብሔር ንምስጢረ ተክሊል ከምዝጸውዓ ኣስተውዒላ ተሓጺያን ተመርዕያን ኣብዚ ጽዋዕታ’ዚ እምነት ብምንባር ወትሩ ድላይ እግዚኣብሔር ምስ በዓል ቤታ ኤንሪኮ ኰይና ብምልላይ ብሓባር ከም ሰብ ሓዳር ከይዲ ምንባር እምነት ዝመረጸት እያ ዝነበረት።

ቤተ ክርስቲያናዊ ቅድስና

ንኣገልጋሊት እግዚኣብሔር ኪያራን በዓል ቤታን ኤንሪኮ ይብሉ መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ኣባ ጋምባሉንጋ፡ ከም ሰብ ሓዳር ድላይ ውላድ ዝነበሮምን ኪያራ ክልተ ሳዕ ጥንሲ ዝኸዳ ክትከውን እንከላ ንሳልሳይ ጊዜ ጽንሲ ምስ ሓዘት ዘጋጠማ ሕማም መንሽሮን እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ምግባር እንታይ ማለት ምዃኑ ከተስተማቕርን ብጥልቂ ከተስተውዕል ጀመረት፡ እቲ ኵሉ ኣብ ሕይወታ ዘጋጠማ ስቓይ ውዳሴን ምስጋናን ንእግዚኣብሔር ገይራ ዘቕረበት እያ። እቲ ዝማርኽ ቅድስና ኪያራ፡ ውልቃዊ ዘይኰነስ ቤተ ክርስቲያናዊ ተመክሮ ዘንጸባርቕ ብምዃኑ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ምስክርነት ቤተ ክርስትያናዊ ቅድስና ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ነዚ እያ ኪያራ ዝመስከረት ኢሎም።

ቅድስና ጐረቤት

ሕይወት ኪያራ ተራን ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ቀረባን እምበር ፍሉይ ዓይነት ኣይነበረን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ  ተፈስሑ ወተሃሰዩ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ዘይልሙድ ሕይወት ዝርእይ ቅድስና ዘይኰነ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝንበር ተራ ቅድስና እንክብሉ ዝገልጽዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝነበረት እያ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወታ ህላዌ እግዚኣብሔር ዘጉለሐት፡ ዝተፈቕረት ምዃና ተኣሚና ኣብ ምፍቃር ብጻይ ዝጸንዔት በዚ ምስክርነት’ዚ ኣቢላ ጽባቔን ኣንደበተ ርትዕን ማራኽነትን ቅድስና መስከረት። ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ ኵሉ ንቕድስና ዝተጸውዔ ምዃኑ ኣብቲ ከቢድን ጽንኩርን ኣጋጣሚ ሕይወት ከይተረፈ ስራሕ እግዚኣብሔር ዝፍጸም ምዃኑ ተኣሚና ዝመስከረት እያ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ቅድስና ኪያራ ኮርበላ ፐትሪሎ ቤተ ክርስቲያናዊ ቅድስና እዩ

Photogallery

ቅድስና ኪያራ ኮርበላ ፐትሪሎ ቤተ ክርስቲያናዊ ቅድስና እዩ
21 July 2018, 16:02