ድለ

ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት ቡሶል እዩ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት ቡሶል እዩ 

ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት ቡሶል እዩ

ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዘማእከለ ንናይ ዓለም ወሰናስን ከተማታትን ህልውንና ብዘተኵር ኣገባብ ንኽካየድ ብቕዱስ ኣቦና ዝተጸውዐ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ልኡካን ኣበ መናብርት ከምእተመዙ ሓቢሮም። መንእሰይ ወለዶ ስድራ ቤት ክድግፉ እንተድኣ ዝደልዩ ኰይኖም ጻዕራማት ክዀኑ ከምዝግባእ የተሓሳስቡ።

ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዘማእከለ ንናይ ዓለም ወሰናስን ከተማታትን ህልውንና ብዘተኵር ኣገባብ ንኽካየድ ብቕዱስ ኣቦና ዝተጸውዐ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ልኡካን ኣበ መናብርት ከምእተመዙ ሓቢሮም። መንእሰይ ወለዶ ስድራ ቤት ክድግፉ እንተድኣ ዝደልዩ ኰይኖም ጻዕራማት ክዀኑ ከምዝግባእ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ስድራ ቤት ዝብል ቅዉም ነገር ምስ መንእሰይ ዝተኣሳስሰረ ምዃኑን እዚ ኸኣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ናይ ኣንቲለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ዘዳለዎ ኣብ ደሴት ማርቲኒካ ናብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ካሪቢያን ሃገራት መዓልቲ መንእሰይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብግልጺ ዘቐመጥዎን ዝተንተንዎን ሓሳብ ምዃኑ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ መንጐ መንእሰይን ስድራ ቤትን ዘሎ ክሕከኽ ዘይከኣል ርክብ ውሳጣውን ንብሩን እዩ፡ መንእሰይ ቅዋመ ስድራ ክድግፉ ብምሕታት ኣነጺሮም ከምዘብርሁ የመልክቱ።

መበቆልካ ከይከሓድካ ስድራ ቤት ምልዋጥ

ስድራ ቤት ብዝበለጸ ንምድጋፍ ስድራ ቤት ምልዋጥ ካብ ዝብል መሰረታዊ ርግጸይናነት ዝነቅል ክኸውን ኣለዎ። ስለዚህ ቅዱስነቶም እዚ ስድራ ቤት ናይ ምልዋጥ ሓላፍነት ንመንእሰያት ብምሃብ ኣብ ኮፍታ ዝነብሩ ከይኮኑ የተባብዕዎም፡ እዚ ማለት ከኣ ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ ጻዕራማትን ተቓለስትን (እወታዊ) ንኽዀኑ እናተሓሳሰቡ እዩ። ኣብ ምሾት ኵድጭ ዝብሉ ንኸይኰነ ውዕዉዕ ሓይሎም የነቓቕሑ። እዚ ንምኽዋን መንእሰይ ክስዕቦ ዝግብኦ ቅኑዕ መራሓ ፍኖት ኣብታ ቅዱስ ኣቦና ዝደረስዋ Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕድኖም ተመልኪቱ ኣሎ። ኣቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴት ተነቢሩ ዘሎ መርሓ ፍኖት ንምኽዋን መንእሰይ ሕሉፍ ከይረሰዐን ከይሓኸኸን ክዓይን መጻእያዊ እውን ክገብሮ የመላኽቱ፡ እንተዘይኰይኑ ግና ጽባሕ ክህሉ ማለት ዘይከኣል እዩ፡ ካብ ባህልን መበቆልን ብቱኻት ከይኰነ ሕብረተሰብ ክድግፎም ይግባእ።

ናይቲ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ኣተኵይሩ ናይ ዝካየድ ሲኖዶስ ልኡከ ኣበ መናብርት ምስያም ደጋዊ ንምምእካል ዝድርኽ እዩ

እቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንእሰይ ኣተኵይሩ ዝካየድ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዲኖዶስ፥ ስድራ ቤት ዝዝንግዕ ኣይኰነን፡ ብንጻሩ ምስቲ መንእሰይ ዝብል ቃል ዘለዎ ምትእስሳር ዘነጽር ምዃኑ ዝሓበሩ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ኣስዒቦም፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናይቲ ንኽካየድ ዝተጸውዓ ሲኖዶስ ኣበ መናብርት ንኽዀኑ፡ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባቢሎን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኰን፡ ኣብ ማዳጋስካር ናይ ታኦማሲና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ደሲረ ዛራሃዛናን ናይ ምያንማር ናይ ያንጎን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ማኡንግ ቦን ከምዝሰመዩ ገሊጾም፡ ቅዱስ ኣቦና በዚ ናይ ስሜት ውሳኔ’ዚ ኣቢሎም ኣሰር ኩላውነት የረጋግጹን ደጋዊ ምእኩል ክኸውን ከምዝለዎ ንምሕናጽ እዩ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት ቡሶል እዩ
16 July 2018, 17:13