ድለ

ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ፡ ብፁዕ ካዲናል ቱርክሶን፥ ንባሕረይናታት መንፈሳውን ቁሳውን ድጋፍ ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ፡ ብፁዕ ካዲናል ቱርክሶን፥ ንባሕረይናታት መንፈሳውን ቁሳውን ድጋፍ 

ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ፡ ብፁዕ ካዲናል ቱርክሶን፥ ንባሕረይናታት መንፈሳውን ቁሳውን ድጋፍ

ኵለንተናዊ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ብምኽንያት ዕለት 9 ሓምለ ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ንባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንዝመሓደሩን ክፍሊ ሕብረተሰብ መንፈሳዊ ሓልዮ ንምቕራብ ናብ ወደባት ምእታው ኰነ ናብ መራኽብ ንምድያብ ብቐረባ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንኸቕርቡ ሽግር ከምዘጋጥሞም ሓቢሩን፡ ኣብ ልዕሊ ማያት ባሕሪ ዝፍጸም ግብረ ብከላ ንምንካይ ዝግበር ጻዕሪ ውሑስ ክኸውን ናይ ኩሉ ድጋፍ ኣገዳሲ ምዃኑ የተሓሳስብ።

ኵለንተናዊ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ብምኽንያት ዕለት 9 ሓምለ ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ንባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንዝመሓደሩን ክፍሊ ሕብረተሰብ መንፈሳዊ ሓልዮ ንምቕራብ ናብ ወደባት ምእታው ኰነ ናብ መራኽብ ንምድያብ ብቐረባ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንኸቕርቡ ሽግር ከምዘጋጥሞም ሓቢሩን፡ ኣብ ልዕሊ ማያት ባሕሪ ዝፍጸም ግብረ ብከላ ንምንካይ ዝግበር ጻዕሪ ውሑስ ክኸውን ናይ ኩሉ ድጋፍ ኣገዳሲ ምዃኑ የተሓሳስብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ሐምለ 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕርን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ምዃኑ ዘኪሮም፡ ሓልዮ ባሕረይናታት ኰነ ብሃቲ ማያት ዝመሓደሩ ሰራሕተይናታትን ክረጋገጽን፡ ብካለ ማያት ባሕሪ ክውገድን ዝዓዩ ዘጓንፎም ጽንኩር ኩነት ኣቃልቦ ክግበረሉን ብቑዕ መልሲ እውን ክወሃቦ የተሓሳስቡ።

ካብ ስድራ ቤቶም ርሒቖም ዝነብሩ  ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝግመቱ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕረይናታትን ከምዘለዉ

ሰንበት መዓልቲ ማያት ማሕሪ ምኽንያት ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ካብ ጠቕላላ ብማያት ባሕርን ባሕረይናነትን ካብ ዝመሓደሩ እቶም 1 ሚሊዮን ክልተ ሚእቲ ሺሕ ዝግመቱ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ንኣዋርሕ ኣብ ማያት ባሕሪ ካብ ስድራ ቤቶም ርሒቖም ሕይወቶም ኣብ መራኽብ ዘሕልፉን፡ ኣብ ናይ ስድራ ቤቶም ኩነት ክሳተፉ ዘይክእሉን ኣብ ሓጐስን ሓዘንን ቀረባ ምዃን ዘይክእሉ ምዃኖም ይሕብሩ።

ብዙሕ መስዋዕትነት ዝሓትት ዕዮ

ብሃብቲ ማያት ዝመሓደሩን ባሕረይናታትን ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ኤኮኖሚ ስለ ዘበርክትዎ ኣስተዋጽኦ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣመስጊኖም፡ ናይቶም ባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ዜጋታት ዕዮ ልዑል መስዋዕትነት ዝሓትት ምዃኑ እውን ጠቒሶም፡ ነዚ ግምት ብምሃብ ምስቲ ዝኸፍልዎ መስዋዕትነት ዝመዓራረይ መንፈሳውን ሰብኣውን ድጋፍን ሓልዮትን የድልዮም ይብሉ።

ካህናት ንመንፈሳዊ ኣገልግሎ ናብ መራኽብ ንኽድይቡ ዘኽእል ፍቓድ ብምርካብ ዘጋጥሞም ጸገም

ብዙሓት መራኽብ ኣብ ዝተፈላለዩ ወደባት ንምርጋፍን ንምጽዓንን ኣብ ዘለወን ሓጺር ጊዜ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ካህናት ናብተን መራኽብ ደይቦም ንባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንዝመሓደሩ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንኸቕርቡ ፍቓድ ዘይወሃቦም ከምዝዀነን፡ ኣብ ሕይወት ባሕረይና ዝንበር ጽምዋን ብሕትውናን መንፈሳውን ሰብኣውን ድጋፍ ዘድልዮ ሕይወት እዩ፡ ባሕረይናታት ካብ ወደብ ወጺኦም ከዕርፉ ድዩ ምስ ሕዝቢ ክራኸቡን ብዙሕ ዕድል ዘይረኽቡ እያቶም፡ ስለዚህ ካህናትን ካልኦት ወለንተይናታት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ባሕረይናታት ዘገልግሉት ምእመናን እውን ናብ መራኽብ ክድይቡን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንኸቕርቡ ብዙሕ ዕድል ዘይረኽቡ ወይ ፍቓድ እውን ዘይወሃቦም ኰይኖም ከምዝርከቡ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ መልእኽቶም ይሕብሩ።

ዓመጽን ጭውያን

ብዙሓት መራኽብ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ዘጋጥመን ዓመጽን ጭውያን ከምኡ እውን ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ግፋ ዓሳን፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት ማያት ባሕሪ ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ግፋ ዓሳን ዝርፍያ ሃብቲ ባሕርን ግብረ ብካለን እቶም ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፍጽሙ ኣብ ልዕሊ ተጓዕዝያን መራኽብን ኣብቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ዜጋታት መነባብሮን ስግኣት ምዃኖምን ብፁዕነቶም ገሊጾም፡ መንግስታት ናይ ባሕረይናታትን ናይቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ኤኮኖሚ ዝመሓደሩ ዜጋታት ሕይወት ንምክልኻል ዘኽእል ሕግን ሓለዋ ጸጥታን ደሕንነት ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ጻውዒት የቕርቡ።

ካብ 2012 ዓ.ም. ክሳብ 2017 ዓ.ም. ልዕሊ 1,300 ዝግመታ መራኽብ ምስ ባሕረይናታተን ኣብ ዝተፈላለዩ ወደባት ከምእተሓደጋን ባሕረይናታት ብዘይ ምንም ዓይነት ውሕስነትን መንቀሳቐስን ከምእተረስዑን ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ጠቒሶም፡ ነዚ ኹሉ ግምት ብምሃብ፥

ኮዀብ ማያት ባሕሪ ኣብ ሓልዮት ባሕረይናታን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንዝመሓደሩን

ኣብ መላእ ዓለም ወደባትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንዝመሓደሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ መንፈሳውን ንዋታውን ድጋፍ ንዘቕርቡ ኮዀብ ማያት ባሕሪ ናይ እተሰምየ ግብረ ሰናይ ኣባላት ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ባሕረይናታት ድዮም እቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ዜጋታት ኣብ ዘጋጥሞም ጸገም መንግስቲ ቀረባ ኰይኑ ኣብ ስእነት ስራሕ ይዅን ካልእ ተወራራሲ ጸገም እውን ምዝ ዘጋንፎም ግብኡ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርብ የተሓሳስቡ።

ኣብ ልዕሊ ማያት ባሕርን ውቅያኖስን ዘጋጥም ምህዳራዊ ማሕታ

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ክንክን ዘፍጥረት ዘማእከለ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ተወኪሶም፡ ኣብ ልዕሊ ውቅያኖስን ማያት ባሕርን ዝፍጸም ግብረ ብካለ ንማያትን ንሃብቲ ማያትን ሂወታውያን ማያትን ንሓደጋ ካብ ምቅላዕ ሓሊፉ ብሃብቲ ማያት ንዝመሓደሩ ዜጋታት እውን ዓቢይ ጸገም ዘስዕብ እውን እዩ፡ ስለዚህ ዓለም ሓቆፍ ባሕረይናታትን ሃብቲ ማያት ባሕሪ ሓልዮ ውድብ፥ ኣብ ልዕሊ ውቅያኖስ ማያት ባሕርን ዝፍጸም ብካለ ክቆጻጸርን ጥዕና ውቅያኖስን ማያት ባሕርን ንምክንኻን ሕዝቢ ከነቓቕሕን ኣብዚ መዳይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ክስምዖ ስነ ምግባራዊ ሕንጸት ክሰፍሕ ሓደራ ቢሎም፡ ቅድስተ ማርያም ኮዀብ ባሕሪ ንባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕርን ዝመሓድሩ ዓቂብኪ ናብ ውሑስ ወደብ ክትመርሒ ንምሕጸነኪ”  ብዝብል ጸሎት ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዛዚሞም።

ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ
09 July 2018, 15:41