ድለ

2025.06.16 Pellegrini della Repubblica Democratica del Congo, convenuti per la Beatificazione di Floribert Bwana Chui 2025.06.16 Pellegrini della Repubblica Democratica del Congo, convenuti per la Beatificazione di Floribert Bwana Chui  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን፦ ፍሎሪበርት ቡዋና ቹዊ ኣብ ኣፍሪቃ ሰላም ምእንቲ ከስፍን

ኣዋጅ ብፅዕና ፍሎሪበርት ቡዋና ቹዊ ድሕሪ ምክያዱ፣ ድሕቲ ሓደ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነትን፣ ኣብ ህንጸት ሰላምን ገበሮ ኣብነትን ብምዝካር፣ "ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኪቩን ኮንጎን ከምኡውን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ነቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገብረሉ ሰላም" ከውርድ ጸልዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰኑይ ነቲ ሓድሽ ብፁዕ ፍሎሪበርት ቡዋና ቹዊ ትማሊ ዝፈጸሞ ኣብነት ቅድስናን ህይወት ጸሎትን ዘኪሮም። "እዚ ኣብ ሓንቲ ብመንእሰያት ሃብታም ዝዀነት ክፍለ-ዓለም ዝነብር ዝነበረ ኣፍሪቃዊ ሰማእት፣ ብዘይብሉን ኣጽዋር ብምርጋፍን ኣብነት ሰላም ክሰፍን ከም ዝከል ዘርኣየ ብፁዕ ኢዩ። እዚ ኮንጎኣዊ ምእመን እዚ ምስክርነት ተራ ምእመናንን መንእሰያትን ዘለዎ ኽቡር ዋጋ የጕልሕ" ክብሉ መስከሩ።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ነቶም ብምኽንያት ኣዋጅ ብፅዕና ብፁዕ ፍሎሪበርት ኣብ ሮማ ንዝተረኽቡ ነጋድያን ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኢዮም ነዚ ምስክርነት እዚ ዝለገሱ። እዚ ኸኣ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናድቕ ሮማ እዩ ዝተኻየደ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘካፈልዎ ሓሳባት "ሓደ መንእሰይ ኣብቲ ሰፊኑ ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሳስባን፣ ዝዀነ ይኹን ዓመጻ ናይ ምፍጻም ክእለትን፣ ሱር ዝሰደደ ብልሽውናን ንምቅዋም ብርታዐ ካበይ ረኸበ?" ክብሉ ውን ኣድነቕዎ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ከም ሓለቓ ጉምሩክ መጠን ኣእዳዉ ከጽሪ ዝመረጸ፣ ብጸሎትን ቃል ኣምላኽ ብምስማዕ ከምኡውን ምስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ብምዝርራብ ብዝቐርጾ ሕልና ኢዩ ዝበረ።"

መንፈሳውነት ቅዱስ ኤጂድዮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብፁዕ ፍሎሪበርት መንፈሳውነት ማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ ይነብር ዝነበረ ከም ምዃኑ ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ድኻታት ኣብ ህይወት እዚ ሓድሽ ብፁዕ ቀንዲ ኽፋል ህይወቱ ከም ምንባሮም ብምዝካር፣ ብፁእ ፍሎሪበርት ነቶም ብሰንኪ ውግእ ናብ ጎማ እተወስዱ መብዛሕትኦም ድማ እተገለሉን ዘኽታማትን ዝነበሩ ግዳም ሓደር ቈልዑ ቁርጺ ፍቓድ ጌሩ ከም ዝቐረቦምን ዝሓለየሎምን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ብፍቕሪ ክርስቶስ የፍቅሮም ነበረ" በሉ። ብዛዕባኦም ይግደስን፣ ብዛዕባ ሰብኣውን ክርስትያናውን ባህርያቶም እውን ይግደስ ነበረ" በሉ።

ፍሎሪበርት ንጸሎትን ንድኻታትን እሙን ብምንባሩን ሰላማዊ ብምዃኑን ቅዱስ ኣቦና ኣድናቖቶም ገለጹ።

ንኢየሱስ ጽን ኢሉ ይሰምዕ ነበረ

ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ብምባል ኣጕልሑ - "ኣብቲ ከም ኪቩ ዝኣመሰለ ብዓመጻ እተጐድአ ከባቢ ንሰላም ብሕያውነትን ብኣገልግሎት ድኻታትን ዕርክነት ብምምስራትን ከምኡውን ኣብቲ ተኸፋፊሉ ዝነበረ ማሕበረሰብ ብምርኻብ ቃልሲ ገበረ።"

እዚ መንእሰይ እዚ ምስ እከይ ይቃለስ ክንዲ ዝነብረ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና "ብቓላት ወንጌልን ናብ ጐይታ ምቕራብን ሕልሙ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሓት መንእሰያት እተጠንጠኑን ተስፋ ዘይብሎምን ኰይኑ ይስምዖም ነበረ፣ ፍሎሪበርት ግን ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 'ዘኽታማት ኮይንኩም ኣይክሓድገኩምን እየ፣ ናባኻትኩም ኽመጽእ እየ" ንዝበሎ ቃል ብምዝካር ይጸናናዕ ነበረ።

'ነዊሕ ትጽቢት እተገብረሉ ሰላም ኪቩን ኮንጎን ከምኡውን መላእ ኣፍሪቃ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው "ኣምላኽ ዝጥንጥኖ ሃገር የልቦን!" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ "እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገብረሉ ሰላም ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ኪቩን ኮንጎን ከምኡውን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ክሰፍን እዩ" ክብሉ ብምጽላይ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

17 Jun 2025, 11:49