ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፦ ጳጳሳት ካብ ድኻታት ገጾም ክመልሱ የብሎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳት ማዳጋስካር ኣብ ዓመት ኢዮቤል 2025 ምእንቲ ኺካፈሉ ትማሊ ሰኑይ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ2019 ናብታ ሃገር ዝገበርዎ ናይ ሓዋርያዊ ዑደትን ኣብ ብ2022 እዞም ጳጳሳት ናብ ሮሜ ዝገበርዎ ምብጻሕን ብምስዓብ ኣብታ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከበላ ከተማ ሮማ ንኽነግዱ ዝገበርዎ ውሳኔ ውን ኣመስገንዎም።
"ምስቶም በብመዓልቱ ቅዱስ ኣፍ ደገታት ጳጳሳውያን ባዚሊካታት ዝሳገሩ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ እሙናን ነጋድያን ተስፋ ምህባሮም ባህ ዜብል እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ጳጳሳት እውን ኵሉ ሰብ "ብተስፋ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምምልላስ ጸጋ" ምእንቲ ኺረክብ ቅድም ቀዳድም ንገዛእ ርእሶምን ውን ምስቶም ኣብ ማዳጋስካር ዜገልግልዎም ዝለዉ ሰባትን ነጋድያን ተስፋ ኪዀኑ ተጸዊዖም እዮም።
እቶም ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ጕስነታዊ ሓጐሶምን ፈተናታቶምን ኪነግሩ ኸለዉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኸም ህያው ምልክት ወንጌል ኮይኖም ጐኒ ጐኒ ምእመናኖም ክጕዓዙ ኣተባብዕዎም ።
"ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ኤጲስቆጶሳዊ ኣገልግሎትኩም ነቶም ናይ መጀመርታ ተሓባበርትኹምን ናይ ቀረባ ኣሕዋትኩምን ካህናት ከምኡውን ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ገዛእ ርእሶም ዘወፍዩ ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን ፍሉይ ክንክን ክትገብረሎም አተባብዓኩም ኣለኹ" በልዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ኣስኣሰር እቶም ኣቐዲሞም ዝሓለፉ ልኡካነ ወንጌል ሰማእታትን ብፍላይ ከኣ እቲ ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊ ዝነበረ ሄንሪ ደ ሶላጅስ ከምኡውን፣ እቲ ኣብታ ሃገር ንመጀመርታ ግዜ ሰማእት ዝዀነ ቅዱስ ዣክ በርቲዩ ብምስዓብ ንተልእኾኣዊ ሓይሊ ቤተ-ክርስትያን ማዳጋስካር ቀጽልዎ ክብሉ መዓድዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም " ካብ ድኻታት ገጾም ከይትመልሱ እምሕጸነኩም ኣለኹ" ክብሉ ውን ተላበውዎም። ድኻታት ማእከል ናይ ወንጌል እዮም፣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክእወጅ እንከሎ ድማ ፍሉይ መሰል ረኺቦም እዮም" በሉ።
ኩሎም ጳጳሳት ኣብ ድኻታት ገጽ ክርስቶስ ከለልዩን ወትሩ ድማ "ቅሩዕ ርሕራሐ" ከርእዩ ጻውዒት ኣቕረበሎም።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንተፈጥሮ ምክንኻን ዘይንጸል ክፍሊ ትንቢታዊ ተልእኾኦም ምዃኑ ብምግላጽ፣ ንጽባቐ ማዳጋስካር ንምዕቃብ ኵሉ ሰብ ነታ ሓባራዊት ቤትና ክከናኸን ተማሕጸንዎም።
"ነቲ ብቓንዛ ዜስቈርቍር ዘሎ ተፈጥሮ ተኸናኸንዎ ንምእመናን ድማ ብፍትሕን ብሰላምን ናይ ምዕቋብ ክእለት ንምሃሮም" ክብሉ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።