ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንሊቃውንቲ ስነ ፍልጠት፥ ቆዝሞስ ምድህሳስ ብኣድናቖት ይመልኣና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 16 ሰነ ነቶም ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ህዋ ተቕዋም ኣብ ዘዳለዎ ክረምታዊ መደብ ትምህርቲ ተሳተፍቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ሰባውያን ጸሓፍቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ነቲ ናይ ፍጥረት ህሞት "ብግጥማውን ሃይማኖታውን ኣስተንትኖኦም" ኣቢሎም ነዊሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዘመናውያን ናይ ስነ ፍልጠት መናብርተ ጥበብ ብሓደስቲ መሳርሒታት እንኮላይ ብጀምስ ዌብ ስፔስ ቴለስኮፕ (JWST) ኣቢሎም ብዛካይድዎ ዳህሳስ "ዘደንቁ ነገራት ብምቕራብ ብሓቂ ድማ ብምስጢራዊ ሓጎስ" ተመሊኦም ነቲ ናይ ከዋኽብቲ ጽባቔ ከነስተንትን ይሕግዙና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱሰንቶም ነቲ ናይ ለምዘበን ናይ ሃገረ ቫቲካን ተቕዋም ስነ ህዋ ዘዳለዎ መደብ ክረምታዊ ትምህርቲ፣ “ብጀምስ ዌብ ተለስኮፕ ህዋ ኵላውነት ምድህሳስ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ የመላኽት።
ተመራማሪ ስነ - ከዋኽብቲ ምዃን ሓጎስ ይፈጥር
"ብርግጽ ናይ ተመራማሪ ስነ - ፍልጠት ከዋኽብቲ ግዜ ዘሐጉስ ግዜ ክኸውን ኣለዎ" ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኩነታት ቆስሞስን ስርዓትን ኪደት ከዋኽብትን ኩሉ ብምድህሳስ ብዙሕ ምስልታት ንህዝቢ ንኽቐርብ ተመራመርቲ ስነ ከዋኽብቲ ዝገብርዎ ስነ - ፍልጠታዊ መጽናዕትን ምርምርን ኣመስጊኖም፣ ነቶም ኣብቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ተቕዋም ስነ ምርምር ከዋኽብቲ ዘዳለዎ ክረምታዊ ትምህርቲ ተሳተፍቲ "ነዚ ዘደንቕ መሳርሒ ስነ ምርምር ከዋኽብቲ" ንምጥቃም ዝሕግዝ መደብ ፍልጠትን ስልጠናን ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንረብሓ ኩሉ
ማዕረ ማዕሪኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እቶም ተማሃሮን ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠትን ኣካል ናይቲ ብስድራቤትን ፈተውትን ዝድገፉ ናይ ስነ ፍልጠት ሊቃውንትን መሃንድሳትን ሊቃውንቲ ስነ ቀመርን ሓዊሱ ኣካል ናይቲ "ዘደንቅ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ከዋኽብቲ ተቕዋም” ብምዃን ማሕበረሰብ ተመራመርቲ ስነ ከዋኽብቲ ከም ዝኾኑ ብምዝኽካር፣ ስርሖም "ንኹላትና ክጠቅም ዝዓለመ" ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ "እቲ እትመሃርዎን ዘጋጥመኩምን ኩሉ ኣብ ምክፋል ለጋሳት ኩኑ” እንክብሉ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንዝያዳ ሰላማዊትን ፍትሓዊትን ዓለም ኣበርክቶ ምግባር
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ ቅዱስ ኣውጉስጦኖስ፣ “ኣምላኽ ኣብ ስኒት ኣድማስ ዝዘርኦ 'ዘርኢ 'ኣስተንትኖኻ ዝወለዶ ሓጎስን ምግራምን ክትካፍል ድሕር ኣይትበል" ዝበሎ ቃል ብምዝኽኻር፣ "ብእተካፍልዎ ሓጎስ ዝያዳ ሓጎስ ትፈጥሩ፣ በዚ መንገዲ እዚ ብዘለኩል ፍልጠት ናይ ምድላይ ሃንቀውታኹታኹም ኣቢልኩም ነፍሲ ወከፍኩም ዝያዳ ሰላማዊትን ፍትሓዊትን ዓለም ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም" እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።