ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ዩክረይን ዘለንስኪ ብስልኪ ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14ን ናይ ዩክሬን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪን ብስልኪ ከምዝተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣስዒቡ፣ እዚ ናይ ስልኪ ርክብ ድሕሪ’ቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሰንበት ዕለት 11 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ምስ ኣብቆዑ፣ ኣብ ዩክሬን ሰላም ንኽህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ስዒቡ ዝተኻየደ ምዃኑ ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ፍቑር ህዝቢ ዩክሬን ሓቀይናን ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ክረክብ
ድሕሪ’ቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰንበት ዕለት 11 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፣ "ስቓይ ናይቲ ፍቑር ህዝቢ ዩክሬን ኣብ ልበይ እዩ” ብምባል፡ "ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ሓቀይናን ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ንምብጻሕ ኩሉ ጻዕሪ ክግበር" ተማሕጺኖም፣ "ኩሎም እሱራት ይፍትሑ፣ ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ ሕጻናት ድማ ናብ ስድርኦም ይመለሱ" እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ዕለት 8 ግንቦት ቅድሚ ሰማንያ ዓመት እቲ ልዕሊ 60 ሚሊዮን ህዝቢ ዝቐዘፈ፣ ዘይተኣደነ መዓት ዘስዓበ ካልኣይ ውግእ ዓለም” ዝተዛዘመሉ ዕለት ምዃኑ እውን ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፣ ነዚ መሰረት ብምግባር ድሕሪ ደጊም ኲናት ከይፍጸም ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ንዩክሬንን ቓዛን ኣብ ዶብ ህንዲን ፓኪስታንን ፍሉይ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ይሕብር።
ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ፡ 'ንቓላት ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣዚና ዋጋ ንህቦ'
ድሕሪ እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ብስልኪ ዘካየዶ ርክብ፣ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ብዛዕባ’ቲ ምስ ቅዱስነቶም ብስልኪ ከም እተራኸቡ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ሓቢሮም፣ "ብዛዕባ ንሃገርና ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ክረጋገጽን እሱራት ምፍታሕን ከምዘድሊ ዘስምዕዎ ቃል ብዕምቆት ዋጋ ንህቦ" ቢሉ፣ "ብዛዕባ ብሩስያ ዝተወስዱ ኣሽሓት ዩክሬናውያን ህጻናት" ኣማእኪሎም እውን ምስ ቅዱስነቶም ከም እተዘራረቡ ሓቢሩ፣ “ዩሬይን እቶም ሕጻናት ናብ ስድራቤቶምን ቤቶምን ንኽምለሱ ናይ ቫቲካን ሓገዝ ትጽበይ" ከም ዝበለ እውን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣ ብተወሳኺ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ "ኣብ መንጎ ዩክሬንን መሻርኽትናን ዝተገብረ ስምምዕ፣ ካብ ሎሚ ጀሚሩ እንተወሓደ ን30 መዓልታት ምሉእን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ተኹሲ ደው ምባል ክጅምር ምዃኑ እውን ከም ዝሓበሮም ዜና ቫቲካን ናይ ዩክሬይን ርእሰ ብሔር ዝሃቦ መግለጺ ተወኪሱ የመላኽት።
እቲ ኲናት ክውዳእ ምድላይ
ርእሰ ብሔር ዩክሬይን ወሲኹ፡ "ዩክሬን ንተወሳኺ ዘተ ብዝኾነ መልክዕ፣ እንኮላይ ቀጥታዊ ብዝኾነ ኣገካብ ከተካይድ ድልውቲ ምዃና" ደጊሙ ከም ዘረጋገጸን፣ በዚ መንፈስ እዚ "ዩክሬን ነዚ ኲናት ከብቅዕ ትደሊ ኣላ፣ ነዚ ንምዕዋት ድማ ኩሉ ትገብር ኣላ፣ ዩክሬን ድማ ካብ ሩስያ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ትጽበ ኣላ" ክም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ዩክሬን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ክገብሩ ከምዝዓደሞም ገሊጹ ከምዚ ዓይነት ምብጻሕ "ንኹሎም ኣመንትን ንኹሉ ህዝብናን ሓቀይና ተስፋ ዘምጽ እዩ" እንክብል ገሊጹ፣ "ርክባት ክቕጽልን ኣብ ቀረባ እዋን ብኣካል ንኽንራኸብ እውን ተሰማሚዕና ኣሎና” ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።