ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሓኻይምን ሰራሕተይናታትን ቤት ሕኽምና ጀመሊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ሰሙነ ሕማማት ዕለት 16 ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊና ምስቲ ቤት ሕክምና ናይ ዝዛመዱ መሓውራትን ዝወከለ ጉጅለ ሓኻይምን ስራሕተይናታትን ተራኺቦም፣ ኣብቲ 20 ደቓይቕ ዝወስደ ርክብ ድማ ቅዱስነቶም ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ንዝተገበረሎም ክንክን ጥዕናን እቲ ቤት ሕክምና ስለ ዘቕርቦ ኣገልግሎትን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ቤት ሕክም ጀመሊ ዝመጹ ጉጅለ ሓኻይምን ሰራሕተይናታትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ኣብቲ ቤት ሕክምና ኣትዮም ን38 መዓልታት ንዝተገብረሎም ክንክን ጥዕና ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ቤት ሕክምና ካብ ዕለት 14 ለካቲት ክሳብ ዕለት 23 መጋቢት 2025 ዓ.ም. ንሕክምና ተዓቝይቦም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ቅዱስነቶም ዕለት 16 ሚያዝያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዘሎ ንኡስ ክፍሊ ካብ ቤት ክሕምና ጀመሊ ምስ ዝመጹ ጉጅለ ሓኻይምን ስራሕተይናታትን ከም እተራኸቡ ኣመላኺቱ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጉጅለ ሓካይምን ኣመሓዳርትን ሰራሕተይናታትን ቤት ሕክና ጀመሊን - ኣባላት ትካል ጀመሊን መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስን ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባላት ክፍሊ ክንክን ጥዕናን ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ኣብቲ ንኣስታት 20 ደቓይቕ ዝቐጸለ ርክብ፣ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ንዝተገበረሎም ሕክምናን ክንክን ጥዕናን ከም ዘመስገኑ ይሕብር። ኣብቲ ቤት ሕክምና ንዝተገብረሎም ክንክን ጥዕናን ብቑልጡፍ ንኽጥዕዩን ስለ ዝተገብረሎም ክትትል ምስጋናኦም ኣቕሪቦም። ጸሎት ከም ዝረጋገጹ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንገለ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ኣካላት ኩርያ ሮማናን ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ኣብ ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት ዝፍጸም ስረዓተ ሊጡርጊያን ናይ በዓለ ፋሲካ መስዋዕተ ቅዳሴን ንኽመርሑ ሓላፍነት ከም ዘልበስዎም ዜና ቫቲካን ገሊጹ፣ ሊጡርጊያ ጸሎተ ሓሙስ ብስም ቅዱስ ኣቦና ንኽሰርዑ ዝተመዙ ካርዲናል ዶመኒኮ ካልካኞ ናይ ቅድስቲ መንበር ዘይንቀሳቐሱ ንብረታት ዘመሓድር ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ መንበር ነበር ሓላፊ ምንባሮም ኣፍመላኺቱ፣ ዓርቢ ስቕለት ዝፍጸም ሊጡርጊያዊ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ክላውድዮ ጉጆሮቲ ክመርሑ እዮም። ምሸት ከምቲ በቢ ዓመቱ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዓርቢ ስቕለት ኣብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ዝፍጸም ፍኖተ መስቀል ተራዳኢ ጳጳስ ዘሮሜ ካርዲናል ባልዶ ረይና ክመርሑ ከም ዝኾኑን፣ ናይ ለምዘበን ዓርቢ ስቕለት ናይ ዝፍጸም ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ባዕሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘሰናደውዎ ከም ዝኾነ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ፣ ቀዳም ምሸት ኣብ ዋዜማ ፋሲካ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ፣ ሰንበት በዓለ ፋሲካ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ድማ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ከምርሑ ምዃኖም የመላኽት።

17 Apr 2025, 16:13