ድለ

VATICAN-RELIGION-POPE VATICAN-RELIGION-POPE 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል የዳልዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንፍራንቸስኮ ኣብ ኩነታት ጥዕናኦም ምምሕያሽ ከም ዝገበሩን ቅዱስነቶም ነቲ ንዓርቢ ስቕለት ኣብ ኮለሰዩም ሮማ ዝግበር ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል ዝኸውን ኣስተንትኖ ብጽሑፍ ከም ዝቐረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣፍሊጡ ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ዘሎ መንበሪ ገዝኦም ኣብ ዝሓውዩሉ ዘለዉ ጽቡቕ ምምሕያጽሽ ይገብሩ ኣለዉ።

ቅዱስነቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠሞም ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስን ድርብ ነድሪ ሳምቡእን ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዉ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት ካብ ሆስፒታል ጀመሊ ሮማ ወጹ።

ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ኵነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ኣብ ዝጸንሑሉ እዋናትና ኣብ ሥርዓተ ምስትንፋሶን ከምኡውን ምስ ድምጺ እተተሓሓዘ ተወሳኺ ጽቡቕ ምምሕያሻት ኣርእዮም ኣለዉ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ምስ ነቲ ብሓካይም እተኣዘዘሎም መድሓኒታትን ፊዚዮ ተራፒን ይቕጽሉ ኣለዉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ እዋን እዚ ብዘይ ዝኾነ ሕገዛ ኦክስጅን ውን ንነዊሕ እዋና ክጸንሑ ይኽእሉ ኣለዉ፣ ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ኸኣ ምሸት ወይ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ጥራይ እዩ ብርቱዕ ዋሕዚ ዘለዎ ኦክስጅን ዝጥቀሙ ዘለዉ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ስራሕ ንጥፈታቶም ከም ዝቕጽሉ ዝለዉን ምስቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ከም ብፁዕ ካርዲናል ማርቼሎ ሰመራሮ ዝኣመሰሉ ኣብ ኩርያ ሮማና ዝርከቡ ከም ዝበጽሕዎምን እውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቅዱስ ሰሙነ ሕማማ ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት ዝካየድ መደባት ወይ ውን ኣብ በዓል ትንሳኤ ክገብርዎ ንዝኽእሉ ተሳትፎ ብዝምልከት ንምምይያጥ ግዜኡ ኸም ዝኣኸለ ውን ይገልጽ፣ እንተዀነ ግን ኣብኡ ኣብ ግዜኡ ብዛዕባ ዅሉ መደባቶም ብዝምልከት መግለጺ ክህቡ ከም ምዃኖም ውን ኣጕልሐ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ባዕሎም ነቲ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ኮለስየም ሮሜ ዝካየድ መደብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ኣሰናድዮም ብጽሑፍ ከም ዘመሓላለፉን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመርሕዎ ዝነበሩ መደባት ተኪኦም ዘካይዱ ካርዲናላት ከም ዝመዘዙ ውን እቲ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ የመልኽት። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሰናደውዎ ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል ዓርቢ ስቕለት ድሕሪ ቐትሪ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ክመሓላለፍ ኢዩ።

ሎሚ መርሓ ግብር ናይቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ጽምብላት ከም ዝወጽእ ብምጥቃስ፣ ነቲ ንዝኽሪ ድራር ጐይታ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ምሸት ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ልክዕ ሰዓት 6 ናይ ምሸት ከም ዝካየድን ይሕብር።

ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ብፁዕ ካርዲናል ዶመኒኮ ካልካኖ ልሂቅ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር ምሕደራ ንብረት ሓዋርያዊ ቤትጽሕፈት ድማ ኣብ ንሥርዓተ ቡራኬ ቅብኣ ቅዱስ ክመርሑ ኢዮም።

ኣብ ዓርቢ ስቕለት እቶም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤጥስሕፈት ዝዀኑ ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ጉጀሮቲ፣ ነቲ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጠጥሮስ ዝካየድ መደብ ጸሎትን ስግደትን ክመርሑ ኢዮም። ድሕሪ ቀትሪ ድማ ካርዲናል ባልዶ ራይና ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ነቲ ኣብ ኮለስየም ዝካየድ መደብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ክመርሑ ኢዮም።

ኣብዚ እዋን እዚ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መነብር ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ኣብቲ መደብ ይሳተፉ ይኾኑ ወይ ወይኮኑን ብዝብል ዝኾነ ዝተፈልጠ ነገር ከም ዘየለ ውን ኣመልኪቱ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ኻልእ ተወሳኺ ሓበሬታ ከም ዘመሓላልፍን ንጋዜጠኛታት ድማ ተወእሳኺ መግለጺ ከም ዝሕብ ኣመልኪቱ።

17 Apr 2025, 13:08