ስርዓተ ቀብር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ንነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መወዳእታ ስንብታ ንምሃብ ካብ ውሽጥን ወጻእን ካብ ኩሉ ጽፍሕታት ማሕበራዊ ደረጃን ህይወትን ዝመጹ ልዕሊ 200 ሺሕ ምእመናን መራሕቲ ሃገራትን ልኡካን መንግስታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብ250 ካርዲናላትን ፓትሪያርካትን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ተሰንዮም ስርዓተ ቀብር ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሰርዑ ናይ ጉባኤ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ኣብቲ ንሕዝቢ ቀረባ ምዃንን ቱክረት ዝገበረ ክሳብ መወዳእታ ህይወቶም መለለይኦም ዝኾነ፣ ብዓቢኡ ግን ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ዓሚቝ ፍቕሪ የስተብህሉ።
ናይ ብዙሓት ኣእምሮን ልብን ዝተንከፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ንኹሎም ኣብቲ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራትን መራሕቲ መንግስትን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ወግዓውያን ልኡኻትን ሰላምታ ዘቕረቡ ናይ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ካርዲናል ረ፣ ኣብዚ ናይ ሓዘን ሰሙን ካብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወሓዘ ድጋፍ ንነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ካብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ካብ መላእ ዓለም ዝወሓዘ ከም ዝኾነን፣ እዚ እውን ፍራንቸስኮ ንኣእምሮን ልብን ብዙሓት ሰባት ክሳብ ክንደይ ከም ዝተንከፉ ዝምስክር እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሕያዋይ ጓሳ ክሳብ መወዳእታ ምስ ህዝቡን ንሕዝቡን ቀረባ እዩ
ክርስቶስ ንጴጥሮስ መጓሰኡ ንኽጓስይ ዘቕረበሉ ዕድመ ዝነገር ኣብ ዕለቱ ዝተነበ ክፍሊ ወንጌል ዝጠቐሱ ካርዲናል ረ ኣብ ስብከቶም፣ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ መወዳእታ ድኻምን መከራን እኳ እንተነበሮም፣ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ምድራዊ ሕይወቶም፣” ነቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ህይወት ክሳብ ምሃብ ዝብል መንገዲ ክኽተሉ ዝመረጹን፣ ኣብኡ ድማ “ኣሰር ጐይታ ሕያዋይ ጓሳ ዝሰዓቡን” ምዃኖም ነስተውዕል።
“ኣብ ዝኽርና ተቐሪጹ ዝተርፍ ናይ መወዳእታ ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስሊ፣ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ፋሲካ እዩ፣ ዋላ እኳ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት እንተነበሮም፣ ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም፣ ንሮማን ዓለምን ቡራኬ ክህቡን፣ ብድሕሪኡ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ወሪዶም ነቲ ኣብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ዝዓረገ መስዋእተ ቅዳሴ ንዝሓበረ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ፣ ኣብታ ኣብ ክፍትቲ ጳጳሳዊ መንቀሳቐሲት ንእሽቶ ማኪና ኮይኖም እናተዘዋወሩ ሰላምታ ክህቡ እንከለዉን እዩ።
ፍራንቸስኮ ዝብል ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መጸውዕ ስሞም ክኸውን ዝወሰድዎ ውሳነ፣ “ብኡንብኡ ነቲ ር.ሊ. ጵጵስናኦም መሰረት ዝገበርሉ ናይ ጉስነት ውጥንን ቅድን ዘመልክት ኮይኑ ከምዝተራእየን፣ መንፈስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣስተንፍሶ” ዝገበረ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ንኹሉ ክፉትን ንምልክታት ዘመን ትኩርን
ብባህርይኦምን መልክዕ ጉስነታዊ መሪሕነቶምን፣ ከምኡ’ውን በቲ ቆራጽ ስብእናኦም ኣቢሎም፣ “ብኡንብኡ ኣብ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ኣሰር ኣንቢሮም” እዮም፣ “ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ መንጎ ህዝቢ ዝነበሩ”፣ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሰብ፣ ብፍላይ ነቶም ዝተገለሉ፣ ኣብ መንጎና ንዝነኣሱ ዝተናዕቁን፣ ክፉት ልቢ ዝነበሮም፣ ግን ከኣ “ንምልክታት ዘመንን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንታይ የበራብር ከምዝነበረን ዘስተውዕሉ ር.ሊ.ጳ. እውን እዮም ነይሮም።”
በቲ ባህርያዊ ስነ - ቓላቶምን ቋንቋኦምን፣ ወትሩ ንጸገማት ዘመንና ብርሃን ከብርሁ ይጽዕሩ ከም ዝነበሩን፣ ብጥበብ ወንጌል፣ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ መንጎ እዞም ብድሆታትን ተጋራጫውነትን ‘ናይ ዘመንና ለውጢ’ ቢሎም ኣብ ዝገልጽዎ ኩነታት ዓለም እምነቶም ክነብሩ የተባብዕ ከም ዝነበሩ ካርዲናል ረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ስብከተ ወንጌል ማእከል ዝገበረ ናይ ፍራንቸስኮ ራእይ
ስብከተ ወንጌል ኣብ ራእይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማእከላይ ኮይኑ ከም ዝጸንሐን ብዓቢኡ ድማ ኣብቲ Evangelii Gaudium - ወንጌላዊ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ምልኩት ምዃኑ ካርዲናል ረ ገሊጾም፣ ንቤተ ክርስቲያን ከም “ኣብ ጎልጎል እትርከብ ቤት ሕክምና” ዝብል ከም ኣብነት ዘቕርብዎ ምስሊ ቤተ ክርስቲያን፣ ንሓንቲ ምስ ቁስሊ ዓለም ብንጥፈት ናይ እትዋሳእ ቤተ ክርስቲያን መለለዪ እዩ። ኣብ ላምፔዱዛ፣ ሌስቦን ዶብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሜክሲኮን ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ምስ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝገበርዎ ርክብ፣ ኣብ ዝቓዩን ኣብ መከራን ንዝርከቡ ዘለዎም ዓሚቕ ቅርበትን ሓልዮትን ዘመልክት እዩ።
"ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝድግፍ ተግባሮምን ምዕዳኖምን ማእለያ የብሉን። ድኻታት ወኪሎም ክሰርሑ ዝፍጽምዎ ዝነበረ ጽኑዕ ኣገልግሎት ቀጻሊ እዩ ነይሩ።"
ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቶም 47 ሓዋርያዊ ጉዕዞታቶም፣ ካርዲናል ረ ነቲ ኣብ ዒራቕ ዝገበርዎ ጉዕዞ ኣጉሊሖም፡ እዚ ድማ “ጓሳዊ ሓልዮት” ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተ ክረጋገጽ ጻውዒት ኮይኑ ጐሊሑ ከም ዝረአ ገሊጾም፣ ዓለም ለኻዊ መገሻታቶም መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዓሚቝ ድሌታትን ግጭትን ዘለዎ ቦታታት ዘተኮረ ከም ዝነበረ ዘዘኻኸሩ ካርዲናል ረ ኣስዒቦም፣ እዚ ድማ በቲ ኣብ 2024 ዓ.ም. ናብ ዞባ እስያ - ኦቻይና ዝገበርዎ ዑደት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ እዩ፣ ህላወ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ጫፍ ዓለም ክሰፍሕ ዝገበረ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ምሕረት ዘይሕለል ኣተኩሮ
ካርዲናል ረ ብተወሳኺ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ምሕረት ዘይሕለል ኣተኩሮኦም - ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝኣወጅዎ ፍሉይ ዓመተ ኢዮቤልዮ ምሕረት - ከምኡ'ውን ኣንጻር እቲ ሰፊኑ ዘሎ “ከም ውዳቕ ዝሓስብ ጓሓፋይ ባህሊ ብናይ ምርኻብ ባህሊ ክብዳህ ብቐጻሊ ዘካይድዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ ጎስጓስ ኣጉሊሖም።
ብፍላይ ኣብታ ‘”ኣሃው ኩልነ” ብዝብል እርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእክቲ፣ ከምኡ’ውን ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡዳቢ ምስ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝግበርዎ ‘ኣዋጅ ሰብኣዊ ሕውነት’ ንዓለምለኻዊ ሰላምን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ ንዓለምለኻዊ ምትሕግጋዝን ሰላምን ዘለዎም ድሌት ዘጉልሕ ምዃኑ ካርዲናል ረ ኣመላኺቶም፣
ተባዕ ናይ ሰላም ድምጺ
ቀጺሎም ኣብ 'Laudato si - ስቡሕ ኣንተ ኣብ ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ድማ፣ ሰናይ ምሕደራ ከባቢ፣ ኹሉ ፍጥረት ንሓድሕዱ ዝተእኣሳሰረ ከም ዝኾነን ኣብ ልዕሊ እንነብረላ መሬት ዘለና ሓባራዊ ሓላፍነትን ኣስሚሮም እዮም፣ በዚ እውን ስፍሓት ግብረ ገባዊ መሪሕነቶም ዝያዳ ኣስፊሖም እዮም።
ኣብ እዋን ዓለማዊ ዓመጽን ኲናትን፣ ድምጺ ፍራንቸስኮ ወትሩ “ኲናት ንደቂ ሰባት ስዕረት እዩ” ብዝብል ምዕዳን፣ ኩናትን ዓመጽን ክውገድ ዘቕርብዎ ጻዒቶም፣ ዘይሕለል ድምጺ ሰላም ምዃኖም ኣጒሊሑ ዘርኢ እዩ፣ ኣስዒቦም ካርዲናል ረ ብዛዕባ ጻዕርን ጻውዒትን ንሰላም ዓለም ዘይሕለል ድምጺ ቅዱስ ኣቦና ምስ ዘከሩ ድማ፣ ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓበረ ማእለያ ዘይብሉ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጸ ህዝቢ ጣቕዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍራንቸስኮ ካብ ሰማይ ስሌና
ፍራንቸስኮ ወትሩ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮታቶምን ኣስተንትኖኦምን ኣኼባታቶምን ርክባቶምን ዝዛዝሙለን “ሓደራኹም ምእንታይ ምጽላይ ኣይትረስዑ” ዝብላ ፍሉጣት ቃላቶም ዝዘከሩ ካርዲናል ረ፣ ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ዝያዳ ጣቕዒት እናቐረበ፣ ሕጂ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ሕቑፊ እግዚኣብሔር ኣብ ዝዓርፉሉ ዘለዉሉ እዋን፣ እቲ ሕቶ ሕቶና እዩ ዝኸውን እሞ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቤተ ክርስቲያንን ንሮማን ንመላእ ዓለምን ካብ ሰማይ ክማልዱ ንሓትት፣
“ፍቝር ፍራንቸስኮ ሕጂ ክትጽልየልና ንሓትት። ንቤተክርስቲያን ክትባርኽ፣ ንሮማ ክትባርኽ፣ ከምቲ ዝሓለፈ ሰንበት ካብቲ ኣብ ማእከል ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ሰገነት ከምቲ ምስ ኩሊ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ዝገበርካዮ ናይ መወዳእታ ሕቝፎ፣ ንቤተ ክርስቲያንን ንሮማን ንብዘላ ዓለም ካብ ሰማይ ክትባርኽን ንዅሎም እቶም ንሓቂ ዝደልዩን ፋና ተስፋ ዝሓዙን ደቅሰብ እውን ኣብ ሕቝፎኻ ኣንብሮም"
እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።