ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩነታት ጥዕና ርጉእ፣ ሕውየቶም ድማ እናሰጎመ ይኸይድ
ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩነታት ጥዕና ዝከታተሉ ዘለዉ ሓኻይም፣ ናይ ቅዱስነቶም ርጉእ ኩነታት ጥዕና ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዕለት 14 መጋቢት ምሸት ከቕርብዎ ተሓሲቡ ዝነበረ ጸብጻብ ኩነታት ጥዕናኦም ከም ዘይቀረበ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት፣ ስለዚ ብቢዕለቱ ዝወሃብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ቅዱስነቶም ከም ዝቕንስ ብምጕላሕ፡ እዚ ድማ እወታዊ ረቛሒ ምዃኑ ኣመልኪቱ፣ ዝወሃቦም ዘሎ ሕክምና ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ዜና ቫቲካን
ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ርጉእ ስለ ዝኾነ ሓካይሞም ዕለት 14 መጋቢት ምሸት ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ቅዱሰንቶም ዝሕብር ሕክምናዊ ጸብጻብ ምቕራብ ኣድላዪ ኣይኮነን ከም ዝበሉን፣ በዚ መሰረት እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፣ እቲ ናይ ሓኻይም ውሳኔ ከም እወታዊ ረቛሒ ገይርካ ክውሰድ ከም ዘለዎ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ የጒልሕ።
ዕለት 15 መጋቢት ምሸት ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ሕክምናዊ ሓበሬታ ክህሉ ዝከኣል እኳ እንተዀነ፣ ነቲ ርጉእ ኵነታት ጥዕናኦም ኣብ ግምት ብምእታው ዕለታዊ ዝወሃብ ጸብጻብ ብዛዕባ ኩነታት ቅዱስነቶም ክቕንስ ዝከኣል ምዃኑ ብሪኒ ንጋዜጠናታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ፣ ስለዚ ከምቲ ልሙድ ከመይ ከም ዝሓደሩን ከመይ ከም ዝወዓሉን በቢ ዕለቱ ዝወሃብ ሓበሬታ ከይህሉ ዝከኣል ምዃኑ የነጽር።
ቅዱስነቶም ምምሕያሽ ጥዕና የርእዩ እውን እንተሃለዉ፣ እቲ ምምሕያሽ ጥዕን ቀጻሊ ምዃኑ ንምርግጋጽ ግዜ ከም ዘሓትት ብሪኒ ገሊጹ፣ ዕለት 14 መጋቢት ቅዱሰንቶም ኣብ ጸሎትን ዝወሃቦም ፍወሳ ኣብ ምክትታልን ከም ዘሕለፉ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
15 Mar 2025, 16:39