ር.ሊ.ጳ.፦ ዋላ እኳ ተስፋ እንተ ቆረጽና፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ካብኡ ክንጅምር ይፈቅደልና ኢዩ
ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ካብዚ ብምቕጽላ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ዘሰናደውዎ ኣስተንትኖ ነቕርበልኩም።
ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ - ዓመተ እልልታ 2025
ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና ኢዩ!
ካልኣይ ክፋል ህይወት ኢየሱስ ክርስቶስ። ዜጓንፈና ዅነታት
2. እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ።
"ማይ እንዶ ኣስትይኒ!" (ዮሓ 4፡7)
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን!
ሎሚ ድሕሪ እቲ ንኢየሱስ ክደሊ ዝኸደ እሞ ኒቆዲሞስ ምሳኡ ዝገብሮ ርክብ ምስትንታና፣ ብዛዕባ ኢየሱስ ኣብ ጐደናታት ህይወትና ምቹእ ኩነታት ንምርብ ዝጽበየና ምዃኑ ከነስተንትን ኢና። ብዙሕ ዘገርመና ርክባት ምስ ኢየሱስ ኣጋጢሞምና ይኾኑ፣ ኣብ መጀመርታ ኸኣ ቍሩብ ሰገጥ ብምባል፣ ብገዛእ ርእስና ብምሕባን እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ኽንርድኦን ንጽዕር ንኸውን ።
እታ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ኣብ ምዕራፍ ኣርባዕተ (cf. 4 5-26) ተጠቒሳ እንርኽባ ሳምራዊት ሰበይቲ እውን ከምዚ ዓይነት ተመክሮ ኣሕሊፋ ኽትከውን ዝከኣል ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብቀትሪ ምድሪ ኣብ ዒላ ሓደ ሰብኣይ ክትረክብ ኣይተጸበየትን፣ ዋላ ሓደ እኳ ኽትረክብ ትጽቢት ኣይነበራን። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ኣዝዩ ሙቐት ኣብ ዝበርታአሉ እዋን ከም ምዃኑ ኣብ ዘይተለምደ ሰዓት ካብቲ ዒላ ማይ ክትቀድሕ ኢያ ዝኸደት። ምናልባት እዛ ሰበይቲ እዚኣ ብኩነት ህይወታ ትሓፍር ትኸውን፣ ምናልባት ሰባት ከም ዝፈርድዋን ከም እተዀነነትን ዝተረድአት ኢያ እትመስል፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንበይና ተገሊላ ካብቲ ምስ ሰባት ዝነበራ ርክብ ዝረሓቐት ውን ትመስል ።
ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ካብ ምድሪ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኪኸይድ እንከሎ ብሰማርያ ኣቢሉ ምእንቲ ኸይሓልፍ ካልእ ኣማራጺ መገዲ ንይርዎ ኢዩ። ኣብ መንጎ ኣይሁድን ሳምራውያንን ዝነበረ ወጥሪ ኣብ ግምት ብምእታው እውን ዝያዳ ውሕስነት ዘለዎ መንገዲ ምረኸበ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ በቲ ቦታ እቲ ኺሓልፍ እዩ ዝመረጸ፣ ኣብ ልዕክዕ ግዜ ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ምስ በጽሐ ደው በለ ። ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ተስፋና ከም እተጸንቀቐ እንሓስበሉ እዋናት ኸኣ ባዕሉ ክረኽበና ኣብ ልክዕ ሰዓትን ቦታን ይርከብ ኢዩ። እቲ ኣብ ጥንታዊ ማእከላይ ምብራቕ ዚርከብ ዔላ፣ ሓድሓደ ግዜ ሓዳር ዚግበረሉ ቦታ ውን ኢዩ ዝነበረ፣ መራኸቢ ቦታ ኢዩ ድማ ዝነበረ። ኢየሱስ ነታ ሰበይቲ እቲኣ፣ ብዛዕባ እቲ ንኽትፍቀር ዘለዋ ባህጊ ሓቀይና መልሲ ኣበይ ከም እትረክብ ከረድኣ እዩ ዚደሊ ዝነበረ ።
እቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ዝኾነ ባህጊ፣ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኽንርድኦ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣርእስቲ እዩ ። ኢየሱስ ኣቐዲሙ "ማይ እንዶ ኣስትይኒ" ብምባል ድሌቱ ዝገለጸላ (ፍቕዲ 10)። ኢየሱስ ምስኣ ዝርርብ ምእንቲ ኽጅምር ኢሉ፣ እታ ሰይቲ ምእንቲ ኸይትፈርህ፣ ኣቐዲሙ ንሱ ከም ድኹም ኮይኑ ክቐርብ ፈቐደ፣ እዚ ድማ ንሳባት ልኡማትን ንክኾኑ ዝገብሮ ዝነበረ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ጽምኢ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እውን ከይተረፈ ምስ ትምኒት ባህኪ እዩ ዚምሳሰል ። ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ቅድሚ ኹሉ ንድሕነት እታ ሰበይቲ እቲኣ ጸምአ። ቅዱስ ኣጐስጢኖስ "እቲ ማይ ክሰቲ ዝልምን ዝነበረ ንእምነት እታ ሰበይቲ ኢዩ ዝጸምአ" በለ።
ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ የሱስ ኪኸይድ ከሎ፣ ኣብዚ ግን ኢየሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ቀትሪ ምደሪ እዩ ረኺብዋ። ብርግጽ ብርሃን ኣጸቢቑ ዝደምቀሉ ሰዓት ኢዩ። ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ኸም መሲሕ ገይሩ ኣፋለጣ፣ ንመንነቱ እውን ገለጸላ። ነቲ እተሓላለኸን ዜሳቕን ታሪኻ እንደገና ንኸተንብቦ ድማ ሓጊዝዋ እዩ፣ ከመይሲ ሓሙሽተ ሰብኡት ነበርዋ፣ ሕጂ ኸኣ ምስ ሻድሻይ ሰብኣይ ኢያ ዘላ ። ቍጽሪ ሽዱሽተ ብሃንደበት ዘይኰነስ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ዘይፍጽምና ምልክት እዩ ። ምናልባት ነቲ ኣብ መወዳእታ ነቲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ብሓቀይና ፍቕሪ ንኽትፍቀር ዘለዋ ባህጊ ዘህድእ ሻውዓይ መርዓዊ ዝእምት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ መርዓዊ ኸኣ ኢየሱስ ጥራይ ኢዩ ኪኸውን ዝኽእል።
እታ ሰበይቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኢየሱስ ንህይወታ ኸም ዝፈልጦ ምስ ፈለጠት እምነታ ናብቲ ንኣይሁድን ንሳምራውያንን ዝኸፋፈለ ሃይማኖታዊ ሕቶ ቐየረቶ። ሓድሓደ ግዜ ኽንጽሊ ኸለና እውን ከምዚ የጋጥመና እዩ፣ ከመይሲ ኣምላኽ ንህይወትና ምስ ኩሉ ጸገማቱ ኺትንክፎ ኸሎ፣ ሓድሓደ ግዜ ዕዉት ጸሎት ከም ዝጸለና ጌርና ብምሕሳብ ንርእስና ኣብ ዘይጭበጥ ሕልሚ ነጥፍአ ኢና። ከም ሓቁ ግና ዕቝባ ዚዀነና መኸልከልታ ንሃንጽ ኢና ። ይኹን እምበር ጐይታ ወትሩ ካብዚ ኩሉ ኢዩ ዝዓቢ፣ ብባህሊ ኣይሁድ ኽዛረባ ዘይግብኦ ክንሱ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ፣ እቲ ዝለዓለ ግልጸት ኢዩ ዝሃባ - ብዛዕባ እቲ ብመንፈስን ብሓቅን ክምለኽ ዘለዎ ኣቦ ኢዩ ውን እተዛረባ። ከም ብሓድሽ ምስ ተገረመት ድማ ነቲ መሲሕ ምጽባይ ከም ዚሓይሽ ረኣየት "ንሱ እቲ ዝዛረበኪ ዘሎ ኣነ እየ" በላ (v. 26)። እዚ ድማ ከም ሓደ መግለጺ ፍቕሪ እዩ ዝነበረ፦ እቲ እትጽበዮ ዘለኺ ኣነ እየ፣ ነቲ ንኽትፍቀሪ ዘሎኪ ባህጊ ምላሽ ክህብ ዚኽእል ኣነ ኢየ በላ።
ኣብታ ግዜ እቲኣ እታ ሰበይቲ ናብ ቍሸታ ተመሊሳ ንዝቢ እታ ዓዲ ክትጽውዖም ጐየየት፣ ከመይሲ ተልእኾ ወንጌላውነት ካብቲ ከም እተፈቐርካ ኮይኑ ዝስምዓካ ተመክሮ ኢዩ ዝምንጩ። ብዛዕባ እቲ ሓደ ዝርድኣን ዝቕበላን ዝምሕራን ከም ዝረኸበት ክትገልጽ እንተ ዘይኮይና እንታይ ክትሰብከሎም ምኸኣለት? ብዛዕባ እቲ ንተልእኾና እንፍጽመሉ ሓድሽ መገድታት ስብከተ ወንንጌል ከነስተንትን ዚገብረና ምሳሌ ከኣ ኢዩ ።
እዛ ሳምራዊ ልክዕ ከም ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ዝረኸበት ነቲ ዕትሮኣ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ረሲዓቶ ከደትዝ።ወትሩ ግዜ ናብ ቤታ ኽትምለስ ከላ ክብደት እቲ ኣብ ርእሳ እትስከሞ ዝነበረት ዕትሮ፣ ብዛዕባ ዅነታታን ብዛዕባ እቲ ሽግር ዝመልኦ ህይወታን የዘኻኽራ ነበረ። ሕጂ ግን እቲ ዕትሮ ኣብ እግሪ የሱስ ተሪፉ። ሕሉፍ ግዜና ደጊም ጾር ኣይኰነን፣ ንሳ ተዓሪቓ ኢያ። ንዓና እውን ልክዕ ከምኡ እዩ ፦ ከይድና ወንጌል ክንእውጅ ፈለማ ጾር ታሪኽና ኣብ እግሪ ጐይታ ክንድርብዮ ኣሎና፣ ነቲ ዝሓለፈ ክበድ ጾርና ድማ ናብኡ ከነውድቖ ኣሎና። እተዓርቁ ምሕርት ዝረኸቡ ሰባት ጥራይ እዮም ወንጌል ከበስሩ ዝኽእሉ።
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ተስፋ ኣይንቍረጽ! ታሪኽና ኸቢድን እተሓላለኸን ምናልባት እውን ዝዓነወ እኳ እንተ መሰለና፣ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንድርብዮን ኣብ ጕዕዞና ኸም ብሓድሽ ክንጐዓዝን ንኽእል ኢና። ኣምላኽ መሓሪ እዩ ወትሩ ድማ ይጽበየና ኢዩ ዘሎ!