ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ዘለውዎ ኩነታት፦ ዕረፍቲ ጸሎት ተወሳኺ ሕክምና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ እዋን እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዘይካ ምስቶም ናይ ቀረባ መሳርሕቶም እንተ ዘይኮይኑ ምስ በጻሕቲ ኣይራኸቡን ኢዮም ዘለዉ፣ ክብል እቲ ናይ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበት ንጋዜጠይናታት እተዋሕበ መግለጺ የመላኽት። እዚ መግለጺ ድማ ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከናት ጋዜጠይናት ውን ክቕጽል ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዚመጽእ ሰሙናት ዚህሉ መደብ እንተላይ ብዛዕባ እቲ መራሕቲ መንግስትን ዝገበርዎ ምብጻሕ ብዝምልከት ዝኾነ ዝተፈልጠ ሃበሬታ የልቦንን ። ኣብዚ እዋን እዚ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ነቲ እተኣዘዘሎም ሕክማናዊ ክንክን ብምቕጻል፣ ኣብቲ ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ዝርከብ ግላዊ ቤት ጸሎቶም ናይ ብሕቲ ጸሎትን መሥዋእተ ቅዳሴን ብምዕራግ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኢዮም ዘሕልፉ ዘለዉ።
ዝሓልፈ ሰንበት ናብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተመልሱ
ቅዱስ ኣቦና ብሰንኪ ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስን ድርብ ነድሪ ሳምቡእ ን38 መዓልታት ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዝሓለፈ ሰንበት ናብ መንበሪ ገዝኦም ናብ ሃገረ ቫቲካን ተመሊሶም ኣለዉ። ቅድሚ ካብ ሆስፒታል ምውጽኦም ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ቅርዓት ሆስፒታል ጀመሊ ተኣኪቦም ዝነበሩ 3,000 ዝዀኑ እሙናን ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፣ ካብ ሆስፒታል ወጺኦም ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም ንእግረ መንገዶም ብባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ብምሕላፍ ናብ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ዕታር ዕምባባ ኣወፍዮም። ብድሕሪ እዚ ድማ ናባቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ናብ ቤተ ኣጋሽ ቅድስቲ ማርታ ተመሊሶም።
ግዜ ዕረፍትን ጸሎትን
ኣብ መንበሪ ገዝኦም ኣብ ቅድስቲ ማርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቐዳምነት ግዜ ዕረፍቲ ብምውሳድ ምልኡ ብምሉእ ክሳብ ዝሃውዩ ኣብ ሕክምናዊ ክንክን ኢዮም ዘለዉ። ዶ/ር ሰርጆ ኣልፊየረን ዶ/ር ሉዊጂ ካርቦንን ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝገበርዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ቅዱስነቶም ምሉእ ብምሉእ ንኽሓውዩ እንተ ወሓደ "ክልተ ወርሒ" ከዕርፉ ከም ዘለዎም ብሕክምና ተኣዚዙሎም ከም ዘሎ ገሊጾም። ምስ እዚ ኹሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መሳርሕቶም ብምምትሕብባር ስርሖም ይቕጽሉ ኣለዉ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ኽልተ መዝነታት ከም ዝሃቡ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ የመላኽት። እዚኣቶም ድማ ሕድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መነብር ናብ ቤላሩስ ከምኡ ውን ኣብ ላዕለዋ መንፈስዊ ቤት ፍርዲ ሮታ ሮማና ጠበቓ ንኽኸውን ንፍራንቸስኮ ኢብባ መዚዞም ኣለዉ።
ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ት/ክ ኣስተንትኖ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን ብጽሑፍ ክመሓላለፍ ክቕጽል ኢዩ
ብተወሳኺውን እቲ ሰሙናዊ ዝኻየድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈጻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ኣስተንትኖታት ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔርን ቅዱስ ኣቦና እኳ እንተ ዘይተሰተፉ ብቕዱስነቶም እተሰናደወ ኣስተምህሮታት ክን ብመንገዲ ናይ ቅድስቲ መነብር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ብጽሑፍ ክመሓላልፍ ኢዩ።
እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብመሰረት ምስኽሪ ሓካይም ሕክምናዊ ክንክናቶም ይቕጽሉ ኢዮም ዘለዉ። እቲ ሕክምናዊ መግለጺ ከም ዘመልከቶ ድማ ቅዱስነቶም "ንንውሕ ዝበለ ግዜ ናይ ሥርዓተ ምስትንፋስ ሕገዛ" ክቕጽሉ ኢዮም፣ ናይ ምስትንፋስን ሥርዓተ ምውስዋስ ኣካላትን ተራፒ ውን ክቕጽሉ ኢዮም፣ ቅዱስ ኣቦና ዝኾነ በጻሕቲ ኸይቅበሉ ድማ ምኽሪ ተዋሂብዎ ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብተን ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሑለን ዳሕሮት መዓልትታት ክግበረሎም ዝጸንሐ ለይቲ ለይቲ ብኣፍንጫ ዝወሃብ ሕገዛ ኦክስጅን ክወሃቦ ኢዩ ፣ እዚ ዓይነት ሕገዛ እዚ ኣብ መዓልቲ በብቝሩብ እና ነከዩ ክኸዱ ኢዮም ። ኣብ ጥዕናኦም ድማ ተወሳኺ ምምሕያሽ ክግበረሉ ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ ።