ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስሌኦም ዝግበር ጸሎት ዘሕድረሎም "ዓብዪ ሓጐስ" ይገልጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ናብቶም ካብ መላእ ሰበኻታቲ ኢጣሊያ ዝተውጽኡ ዕለት 22 መጋቢት ሮማ ዝኣተዉ ነጋድያን ተስፋ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓጺር መልእኽቲ፣ ንኹሎም ነጋድያን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፣ እዚ ጕዕዞታት - ንግደታት እዚ "ምስ ናይ ዞባዊ ኣቡናትን ምስ ኣቡን ሮሜን ከም ማሕበረሰብ ሓድነት ከም ዘለኩም ዘረጋግጽ እዩ - ቢሎም - እቶም ነጋድያን ተስፋ ዝገብርዎ ጉዕዞ ነቲ ኢየሱስ በታ ጸባብ ኣፍ ደገ ንኺኣትዉ ዘቕረበልና ዕድመ ኪቕበልዎ ዘለዎም ቈራጽነት" ዘርእይ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ፍቕሪ ወትሩ ነዚ "ሕብረት ምንባር ብሓንሳእ ንኽንዓቢ ምሕጋዝን" ዝብል ድርብ ዕማም ክውን ይገብሮ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣምላኽ ነቶም ነጋድያን ኣብ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ይእክቦም፣ ካብኡ ኸኣ ብእምነት እናጸናዕኩም ክትከዱን እዚ ኸኣ ኣብ ልግሲ ዝያዳ ሓድነት ክህልወኩምን ይገብር - እዚ እውን ዓቢይ ሓጎስ ይጽግወኩም” ከምዝበሉ ዜና ኣፍሊጡ።
ኣብ ንግደት ሓድነትን ምኽንያት ሓጎስን
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ መልእኽቶም፣ ነቶም ነጋድያን ስለቲ ብዛዕባ ጥዕናኦም ተገዲሶም ዘቕረብዎ ጸሎት ኣመስጊኖም፣ "ኣብ ቀረባ እዋን ብፍላይ እቲ ምሳይ ኣብ ጸሎት እትገብርዎ ሕብረትን እትምስክርዎ ቅርበትን ብዙሕ ደገፍ ክስምዓኒ ከም ዝገብር ከረጋግጸልኩም እፈቱ፣ ምስ በሉ ኣስዒቦም፣ "ብኣካል ምሳኻትኩም ክኸውን እኳ እንተ ዘይከኣልኩ ምሳይን ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ንሓድሕድኩምን ህብረት ከምዘለኩም ብምፍላጠይ ሓጎስ ይስምዓኒ፥” ቢሎም፣ ነቶም ነጋድያን ጸሎቶም ብምርግጋጽ፣ "እባርኸኩምን ምእንታኹም እጽልን፣ ሓደራ ኣብ ጸሎትኩም ድማ ተዘከሩኒ” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።