ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ 'ካብ ህይወት ህጻን ንላዕሊ ብሉጽ ክቡር ዋጋ የልቦን!’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ቀዳማይ ኣህጉራዊ ዋዕላ ብዛዕባ መሰላት ህጻናት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ መራሕቲ ዓለም ብኲናትን ድኽነትን ስደትን ዝሳቐዩ ህጻናት ክሰምዑ ተላብዮም፣ ነቲ ካብ “ናይ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝርአ ጓሓፋይ ባህልና” ዝመጽእ “ቀታሊ” ልምዲ ምንጻል ጥንሲ ድማ ደጊሞም ይኹንኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

“ካብ ህይወት ቆልዓ ንላዕሊ ዝኸበረ ክቡር ዋጋ የልቦን።” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዝበሉ ሶኑይ ዕለት 3 ለካቲት ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ቀዳማይ ብዛዕባ መሰላት ህጻናት ኣብ ዝተመያየጠ ዓለምለ ኻዊ ጉባኤ ንዝተረኽቡ መራሕቲ ዓለም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ ምንጻል ጥንስን ሸለልትነትን ሓዊሱ ግዳያት ግጭት፣ ድኽነት፣ ስደትን “ግዳያት ጓሓፋይ ባህልን” ዝኾኑ ህጻናት ንምሕላው ብውዕዉዕ መንፈስ ዘይሐለል ጻዕሪ ክግበር ደጊሞም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ብሃገረ ቫቲክን እተወደበን ኣብ ሃገረ ቫቲካን “ኣፍቅሮምን ሓልዎምን" ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ብዛዕባ ምክልኻል ህጻናት ካብ ዓመጽን ምዝመዛን፡ ተበጻሕነት ጸጋታት፡ ተበጻሕነት ትምህርትን ጥዕናን፡ ከምኡ’ውን መሰላት ሓንቲ ስድራቤት ዝተመያየጠ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ብዓይነቱ ንመጀመሪያ ግዜ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ግዳያት ውግእ ህጻናት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብደረጃ ዓለም ንህጻናት ዘጋጥሞም ዘሎ ቀጻሊ ከቢድ ህይወት ኣጉሊሖም፡ ዋላ’ኳ ዓለማዊ ምዕባለ እንተተራእየ፡ ብዙሓት ህጻናት ገና ብድኽነት፡ ውግእ፡ ሕጽረት ትምህርቲ፡ በደልን ምዝመዛን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ኣስሚሮም።

ብፍላይ ኣብ ብኲናት ዝተሃስየን ኣብ ድኻታት ዞባታት ዝርከቡ ህጻናት ዘጋጥሞም ዘሰቅቕ ኩነታት ኣስተብሂሎም፡ እንተዀነ ግን ኣብተን ሃብታማት ዝዀና ሕብረተሰባት እውን ከይተረፈ ቈልዑ ከም ኣእምሮኣዊ ጸገማት ዓመጽ ከምኡውን ማሕበራዊ ግሉልነት ዝኣመሰለ ተነቃፊ ዅነታት ከም ዘጋጥሞም የጒልሑ።

"ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብያተ-ትምህርትን ኣገልግሎት ጥዕናን ነቶም ብብዙሕ ጸገማት ዝፍተኑ ዘለዉ ጭንቀት ወይ ሻቕሎት ዘለዎም ቈልዑ ከምኡውን ነቶም ኣደዳ ዓመጽ ወይ ገዛእ ርእሶም ናይ ምጕዳእ ዝንባለ ዘለዎም ዝበጽሕ ክኸውን ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እዚውን ስሉጥነት ዝብል ባህሊ ንቝልዕነት ልክዕ ከም እርጋን ኣገልግሎት ዘይህብ ዘይስሉጡ' ገይርካ ኢዩ ዝርእዮ።

ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ "ምሳሌ ተስፋ ክኾኑ ዝግበኦም መንእሰያት፡ ተስፋ ምቑራጽን ንመጻኢ ተስፋ ዘይምህላውን እናተቓለሱ ይነብሩ ከም ዘለዉ ሓቢሮም፡ እዚ ድማ “ዘሕዝንን ዘጨንቕን” እዩ።

ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ጉዳይ፡ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘስዕቦ ኣዕናዊ ጽልዋ እዩ። "ኣብዚ ቀረባ እዋን ዳርጋ መዓልታዊ ብዘሕዝን መንገዲ ንርእዮ ኣሎና፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ቦምባታት ዝሞቱ ህጻናት፡ ንጣኦታት ስልጣን፡ ስነ - ሓሳብን ቀጥዒ ኣልቦ ሃገራዊ ረብሓታትን መስዋዕቲ ይኾኑ ኣለዉ፡ እዚ ተቐባልነት የብሉን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግዳያት 'ስነ ሕማም ውልቃውነት'

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝረአ "ስነ ሕማም ውልቃውነት" እንክብሉ ዝገለጽዎ ጎዳኢ ልምዲ ኮኒኖም፣ ኣብዚ እዋን እዚ ህጻናት መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ክከላኸሉሎም ብዝግብኦም ሰባት ግህሰት፣ ሸለልትነት ወይ ውን ቅትለት ከይተረፈ የጋጥሞም።

ማእለያ ዘይብሎም ህጻናት ኣብ ባሕሪ፡ ኣብ ምድረ በዳን ወይ ብተስፋ ምቑራጽ ኣብ ዝድረኽ ሓደገይና ጉዕዞታት ከም ዝሞቱ፡ ህይወት መንእሰያት ስደተይናታት ከም ዝጠፍእ ደጊሞም ብምግላጽ ነዚ ኩነታት እዚ ነቒፎም፡ እዚ እውን "ቅቡል ኣይኮነን" እንክብሉ ብኣጽንዖት የመላኽቱ።

“ዝክሓድ ቁልዕነት ግጒይ ቁጠባዊ ስርዓት፣ ገበናዊ ባህሪ ውግኣት፣ እኹል ሕክምናዊ ክንክንን ትምህርትን ዘይምህላው ዝኹንን ድምጺ ዘይብሉ ኣውያት እዩ” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፣ ነዚ ዘሕዝን ኵነታት እዚ ዘይምግዳስ “ካብ ኵሉ ኣዚዩ ክብሩ ዝኽነ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ምሕረትን ርህራሄን” ምኽሓድ እዩ . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መዓት ጊልያነት ህጻናት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ግህሰትን

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ስቓይ ተመዛበልቲ ህጻናት ብምዝካር። ልዕሊ 40 ሚልዮን ህጻናት ብሰንኪ ግጭት ተመዛቢሎም 100 ሚልዮን ድማ ኣልቦ ቤት ኮይኖም ከምዘለዉ ዘሰንብድ ጸብጻብ ኣጒሊሖም፡ ብጀካ እዚ፡ 160 ሚልዮን ህጻናት ግዳያት ናይዚ በደላት ምዃኖም ዝገልጽ ልቢ ዝሰብር ክውንነት ብምጥቃስ፡ ጊልያነት ህጻናት፡ ግዱድ ስራሕ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ግህሰትን ግዱድ መርዓ ህጻናትን ኮኒኖም፣ ኣብ እዋን ውልደት ኣብ መዝገብ ዝተወልዱ ዘይኣትዉ 150 ሚልዮን “ዘይርኣዩ” ህጻናት ኣቓልቦ ገይሮም፡ እዚ ሕጽረት ሕጋዊ መንነቶም ንመጥቃዕትን ምዝመዛን ተቓላዕቲ ይገብሮም። ኣብነት ናይቶም ካብ ሚያንማር ዝሃድሙ ህጻናት ሮሂንጋ ብምጥቃስ፡ "እዚ ተርእዮ ኣብቶም ዘሰንይ ዘይብሎም በይኖም ዝስደዱ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝደጋገምን ልሙድ በደልን እናኾነ ይመጽእ ኣሎ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ከምቲ ኣብ ውግእ ዝሓለፉ ዓበይቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝነግሩና “እቲ ዘሕዝን ታሪኽ ጭቆና ህጻናት ብቐጻሊ ኣብ እዋን ኲናት ይደጋገም” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ንውግእ ‘ኣይፋል ንውግእ ኣይፋል ምብል ነበርትዕ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሰንኪ "ጓሓፋይ ባህሊ" ዝጓሃሃር ልምዲ ምንጻል ጥንሲ

ብፍላይ ሓያል ክፋል ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቲ ዘይተወልዱ ሓዊሱ ህይወት ደቂ ሰባት ዝቐትል "ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ጓሓፋይ ባህሊ" ንኽኩነን ጻውዒት ዘቕርብ ኮይኑ፡ ቅዱሰንቶም “ብስም እዚ ንሰብኣውነት ከሃሌኵሉ ጌሩ ገዛእ ርእሱ ክሓስብ ዝገብር ስነ - ሓሳብ፡ ዘይተወልደ ህይወት ብቐታሊ ተግባር ምንጻል ጥንሲ ይስዋእ፡ እዚ ተግባር እዚ ንመላእ ሕብረተሰብ ድማ ምንጪ ተስፋ ምቑራጽ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝሓሸ መጻኢ ተስፋ ንምህናጽ ንህጻናት ምስማዕ

እምበኣር ቅዱስነቶም መራሕቲ ዓለም ንህጻናት ብዘረባኦም ጥራይ ዘይኮነስ ብስቕታኦምን ኣገላልጻኦምን ተመኩሮኦምን ክሰምዑ ኣተሓሳሲቦም። “ሕጻናት ብኣጠማምታኦምን ስቕታኦምን እውን ይዛረቡና እዮም እሞ ሓደራ ንስማዓዮም!” እንክብሉ ተማሕጺኖም፥

“ንኣሽቱ ቈልዑ ከም ዚርድኡናን ዚዝክሩናን ከም ዚዛረቡናን ክንርዳእ ስለ ዘሎና፡ ምስማዕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ”

ቢሎም እቲ ብቫቲካን ዝእንገድ ዋዕላ ንህጻናት ዝሓሸት ዓለም ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ክገብር ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም፣ ንህጻናት፣ መሰላቶምን ሕልምታቶምን ኣብ ማእከል ዓለማዊ ስክፍታታት ናይ ምቕማጥ ግብረ ገባዊ ግዴታ ምዃኑ ደጊሞም ኣረጋጊጾም፡

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ተሳተፍቲ ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዝረኽብዎ ዕድላት ብዝበለጸ ክጥቀሙሉ ኣተባቢዖም ኣበርክቶኦም ንህጻናት ዝሓሸት ዓለም ንምህናጽን ከም ሳዕቤኑ ድማ ንኹሉ ሰብን ክሕግዝ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም።

“ንዓይ ኩላትና ንህጻናት፡ መሰላቶም፡ ሕልምታቶም፡ ከምኡ’ውን ጠለብ መጻኢ ኣብ ማእከል ስክፍታና ከነቐምጥ ኣብዚ ምህላውና ምንጪ ተስፋ’ዩ”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ካብ ህይወት ህጻን ንላዕሊ ብሉጽ ክቡር ዋጋ የሎን!’
04 Feb 2025, 16:56