ር.ሊ.ጳ. ስካንዲናቭያውያን ክርስትያናት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ናይ ሓድነት መሰኻኽር ክኾኑ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ለካቲት ንጉጅለ ነጋድያን ሽወደን፣ ኖርወይ፣ ዴንማርክ፣ ፊንላንድን ኣይስላንድን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፣ ኣብ ሰለስተ ኣዕኑድ ሕይወት ክርስትና ኣተኲሮም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ናይ ኢዮቤል ተስፋ ንግደቶም ብእምነት፣ ብተስፋ፣ ብፍቕሪ ንኽዓብዩ ዕድል ከምዝኾነ ገሊጾም። ኣብ ኤውሮጳን ኪኖኡን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ስሙር ምስክርነት ዕርቅን ሰላምን ከምዘድሊ እውን የስተብህሉ።
ነጋድያን ተስፋ
ር.ሊ.ጳ. ነቲ “ነጋድያን ተስፋ” ዝብል ኣርእስቲ ኢዮቤል ብምጥቃስ እቶም ኣብ ዞባ ሰሜን ኤውሮጳ ዝነበሩ ናብ ሮማ ዝገብርዎ ዘለዉ ምብጻሕ እምነቶም ንምዕማቝ ክጥቀሙሉ ብፍላይ ድማ ናብ መቓብር ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ከብጽሑ ተላብዮም፡ ኣብ ሕብረት ቤተ ክርስትያን ኣባል ክርስቶስን ንሓድሕድኩምን ከም ዝዀንኩም ዘሎኩም ግንዛበ ይምገብን ይዓምቝን " ቢሎም፣ "ልብን ኣእምሮን ምስቲ ናይ ክርስቶስ ዝልውጥ ጸጋ ብዝያዳ ብምስምማዕ ነቲ እተቐበልኩምዎ ዓብዪ ውህበት ንምክፋል ብሓድሽ ውዕዉዕ ስምዒት ናብ ዓድኹም ክትምለሱ ከም እትኽሉ እምነተይ እዩ፡” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ጳውሎስ ብምጥቃስ ቅዱስነቶም ነቶም ነጋድያን ኢዮቤል ተስፋ “ሰናይ ግብሪ ክትገብሩ ብክርስቶስ ዝተፈጠርኩም” እንክብሉ ኣዘካኺሮም፡ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ዕማም ናይ ወንጌል መልእኽቲ ድሕነት ምክፋል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብፍላይ ምስቶም ኣብ ወሰናስን ዘለዉ ምክፋል፡ “ነቶም በይኖም ወይ ዝተነጸሉ - ብዙሓት ኣብ ዕጽው ልቢ ዝነብሩ - ኣብ ወሰን ማሕበረሰባትኩም ዝነብሩን ከምኡ እውን ኣብ ኣዚዩ ወሰናስን ከተማታትናን ህልውናናን ንዝነብሩ ሕሰቡ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ጻውዒት ናብ ሓድነትን ኣገልግሎትን
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ስካንዲናቭያውያን ነጋዶ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ፥ ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ ከም ክርስቲያን መጠን ዘለዎም ተልእኾ ወንጌል ዘብቅዕ ዘይኮነስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ዝቕጽል ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ስካንዲናቭያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ማሕበረሰባት ብፍላይ ኣብዛ ብግርጭትን ምፍልላይን ዝተለለየት ዓለም ንዕርቅን ፈውስን ሰላምን ንምምስካር ምስ ካልኦት ክርስትያን ሃይማኖታት ክተሓባበሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ኣብዚ ጽንኩር እዋን፡ ኲናት ንኤውሮጳን ኪኖኡን ዝጸልወሉ ዘሎ እዋን፡ ሰብኣዊ ስድራቤት ነቲ ኣምላኽ ጥራይ ከምጽኦ ዝኽእል ዕርቅን ሰላምን ዝገልጽ ስሙር ምስክርነት ኣዝዩ የድልዮ ኣሎ” ቢሎም፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ኣገዳስነቱ ኣጉሊሖም፡ ነጋድያን ተስፋ ምስ ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታት ብፍላይ ድማ ምስቶም ኣብ ሕብረተሰቦም ተቐባልነት ዝረኸቡ ስደተይናታት ብሓባር ክሰርሑ ኣተሓሳሲቦም፡ “ኣብ 2016 ዓ.ም. ናብ ሽወደን ኣብ ዝገበርክዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝራእኽዎ ምስክርነትኩም እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መልእኽቲ ንመንእሰያት ነጋድያን ተስፋ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ መንጎ እቲ ጉጅለ ነጋድያን ዝነበሩ መንእሰያት ድማ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 27 ሚያዝያ ንብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ ቅድስና ክትእውጀሉ ከም ዝኾነ ኣዘኻኺሮም፡ “ነዚ ብጹዕ መንሰይ ትፈልጥዎ ዲኹም?” እንክብሉ ሓቲቶም። ነቲ መንእሰይ ብጹዕ ናይ “ዘመንናን ንዘመንናን” ቅዱስ እንክብሉ ገሊጽዎ፡ ንኢየሱስ ክትስዕቡ፡ መልእኽቱ ከተካፍሉ፡ ሓቀይና ሓጐስን ሓርነትን ብቕድስና ክርከብ ከም ዝከኣል ብህይወቱ መስኪርዎ እዩ” ምስ በሉ፣ ብናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተዳለወ ካብ ዕለት 3 – 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንሰያት እምነትን መመያ ጸዋዕታን ብዝብል እርእስቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ሲኖዶስ “Christus Vivit - ክርስቶስ ህያው እዩ” ብዝብል ኣርስቲ ዝገለስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ብምጥቃስ፦ “መንፈስ ቅዱስ ንቕድሚት ይደፍኣኩም። ቤተ ክርስቲያን ኒሕኩም፡ ምስትውዓልኩም፡ እምነትኩም የድልያ። ንዓና እውን የድልየና ኣሎ!” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።