ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካልኣይ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዓመተ ኢዮቤል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 1 ለካቲት ኣብ ዝለገስዎ ካልኣይ ክልተ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.፡ ትርጉም ምልዋጥን ተስፋን ናይ እምነት ለውጢ ዘምጽእ ሓይልን ከም ዝስተንተኑን ምእመናን ኣብ ውሽጢ "ሕልሚ ኣምላኽ" ንህይወቶም ዳግማይ ክሓስቡ ድማ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ኢየሱስ ሓድሽ ኣንፈትን ትርጉምን ኣብ ሕይወታ ዝረኸበት፡ “ሃዋርያ ሓዋርያት” እንክብሉ ዝሰመይዋ ማርያም መግደላዊት ብምጉላሕ፡ ምልዋጥ ከም ናይ ምሉእ ዕድመ ጉዕዞ ገይርና ክንቅበሎ ይዕድሙ።

ኣንፈትን ኣረኣእያን ምቕያር

ምልዋጥ፡ ኣብ ህይወትና ንነገራት እንርእየሉ ኣገባብ ክንቅይር ዘኽእለና፡ “ኣንፈት ምልዋጥ” ምዃኑ ገሊጾም፡ ሓደ ግዜ ዝኽወን ፍጻመ ዘይኮነስ፡ ብተደጋጋሚ ካብ ኣረጊት ኣተሓሳስባ ርሒቕና ሓድሽ ተኽእሎታት እንሓቑፈሉ ቀጻሊ መስርሕ እዩ።

እዚ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ እዚ፡ ተስፋ ዝፈጥር ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም: ኣብዛ ብስቓይን በደልን ዝተመልአት ዓለም እውን እንተኾነ፡ ተስፋ ዝቕልቀል፡ ውልቀሰባት ህላወ ናይቶም ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝነብሩ ሰባት - ትሕትናኦምን ምልዋጦምን ንኻልኦት ዝማርኽን ዘነቓቕሕን ሰባት ምስ ዘለልይ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብምሕረት ኣምላኽ ዝሓወየት ማርያም መግደላዊት

ምሕረት ኣምላኽ ፈዋሲ ምዃኑ እንክበርሁ፡ ነቲ ሓይሊ መለኮታዊ ምሕረት ዘንጸባርቕ ተክለ ሰብነት ማርያም መግደላዊት ተወኪሶም፡ ኢየሱስ ንማርያም መግደላዊት ኣሕወያ፣ ክብራን ከም ሰብ ድማ ሸቶኣ መለሰላ። በዚ ርክብ’ዚ ድማ ናብ ሕልሚ ኣምላኽ ተመሊሳ፣ ኣብ ህይወታ ሓድሽ ኣንፈትን ትርጉምን ረኸበት፣ ምልዋጥ ብዛዕባ ውልቃዊ ለውጢ ጥራይ ዘይኮነስ ብፍቕሪ ኣምላኽ ናብ ዝተቐረጸ ዝዓበየ ክውንነት ምእታው ማለት ምዃኑ ኣርያትና እያ።

“ኣብ ወንጌል ተክለ ሰብነት ማርያም መግደላዊት ልዕሊ ኩሉ፡ ኢየሱስ ብምሕረቱ ከም ዘሕወያን (ሉቃ 8፡2)፡ ከም እተለአወጠትን፡ እቲ ምሕረት ኣምላኽ ድማ ናብ ሕልሚ ኣምላኽ ክትኣትው ከም ዝገበራን፡ ንመገሻኣ ድማ ሓድሽ ዕላማ ከም ዝሃባን” ዝሕብር እዩ!

ብፍላይ ዮሃንስ ወንጌላዊ ብዛዕባ እቲ መግደላዊት ምስቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ክርስቶስ ዝገበረቶ ርክብ፣ ምልዋጥ ምስ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘተኣሳስሮ። ኣብ መጀመርታ ኣብቲ ባዶ መቓብር እያ ዘተኮረት፡ ብጓሂ ተዋሒጣ፡ ንየሱስ ኣብ ቅድሚኣ ደው ኢሉ እንከሎ ኸተለልዮ ኣይከኣለትን። ብስማ ክጽውዓ ምስ ሰምዐት ግን ንኽትርዮ ትጥወ - እቲ ርክብ ድሕሪ ደጊም ህይወት እምበር ሞት ከም ዘይትርእይን፡ ድሕሪ ደጊም ተስፋ ምቑራጽ ዘይኮነስ ተስፋ ምግባር ዝብል ሓድሽ ርድኢትን ክህልዋ ዝገበረ ምዃኑ የብርሁ።

ነገራት ብዝተፈላለየ መንገዲ ምርኣይ

ኣብዚ ክፍሊ እዚ፡ እቲ እንረኽቦ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ፡ ሓቀይና እምነት ቀጻሊ ለውጢ ከም ዝሓትት፡ ንክውንነት ብኻልእ መንገዲ ንምርኣይ ክፉታት ክንከውን ከም ዘለና ዝመላኽት እዩ፥  

“ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ብምልዋጥ ናብ ሓዳስ ዓለም ይኣቱ። ጉዕዞና ኣረኣእያ ንምቕያር ቀጻሊ ዕድመ ድማ እዩ። እቲ ዝተንስአ፡ ድሮ ኩሉ ፈሊጥናዮ ኢና ንዘይብል ቅድመ ኩነት፡ ደረጃ ብደረጃ ናብ ዓለሙ ይመርሓና”

ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ “ነገራት ብኻልእ መንገዲ ንምርኣይ፡ ከመይ ጌረ መገደይ ከም ዝቕይር እፈልጥ ድየ?” ከምኡ’ውን “ናይ ምልዋጥ ድሌት ኣለኒ ድዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ትዕቢት ነቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ንኸይነለልዮ ይገብረና

ብዘይተጸበናዮ መገዲ - ኣብ ውጅሂ ተራ ሰባት፡ ብፍላይ ድማ እቶም ዝተገለሉ ወይ ዕሽሽ ዝበሃሉ - ንኽራኸበና ዝመጽእ፡ ገዛእ ርእሱ ዝገልጸልና ካብ ሞት ዝተንስአ ኢየሱስ፥ "ልዕሊ ዓቐን ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎን ዕቡይ ኣንነት ንኸይነለልዩ ይገብረና፡” ስለዚ ካብዚ ንጠንቀቕ ቢሎም፡ ምእመናን ካብ ማርያም መግደላዊት፡ ናብቲ ዝሓለፈ ጻልማት ህይወት ኣብ ክንዲ ዚጥምቱ" ቦታን ተልእኾን ዘለዎ "ሓቀይና ህይወት" ኪመሃሩ ዓደምዎም፡ እዚ ተልእኾ እዚ ንኹሉን ናይ ኩሉን እዩ” ኣክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

02 Feb 2025, 12:03