ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ‘ኢየሱስ ድሐንትን ብርሃንን እዩ!’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 2 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብዝ ተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 2፡ 22 – 40 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ዕለት 2 ለካቲት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ኣስተርዮ እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽካር፡ “ናይ ዕለቱ ወንጌል ኢየሱስ ድሕነትን ብርሃንን ኩሎም ኣህዛብ ምዃኑ የዘኻኸረና፣ ብሓቂ ድማ ምስ እግዚኣብሔር ንኽንራኸብ ይዕድመና፡” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ብዛዕባ ኣስተርዮ እንከስተንትኑ፥ ማርያምን ዮሴፍን ንህጻን ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ከም ዘምጽእዎ ዝገልጽ ካብ ሉቃስ ወንጌል ዝተወስደ (ሉቃ 2፡ 22 - 40) ምንባብ መሰረት ገይሮም፡  “እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገብረሉ ድሕነት ኢየሩሳሌም” ከም ዝመጸ ዘረጋግጽ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝገልጽ ትንቢታዊ ቃላት ስምዖንን ሃናን የዘኻኽሩ።

እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ህዝቡ ህልው እዩ

ንኢየሱስ ከም ፍጻሜ መብጽዓ ኣምላኽ ምፍላጦም ነቲ ሱር በተኻዊ ሓድሽነት ናይዚ ህሞት እዚ የጕልሕ፡ “ኣምላኽ ኣብ መንጎ ህዝቡ ኣሎ - ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መናድቕ ስለ ዝነብር ዘይኰነስ: ከም ሰብ ኣብ መንጎ ሰባት ስለ ዝነብር እዩ” ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ማርያምን ዮሴፍን፡ ስምዖን ንኢየሱስ ድሕነት፡ ብርሃንን ምልክት ምስ ዓለም ዘይሰማማዕ ህይወትን ብዝብላ ሰለስተ ቃላት ከለልዮ ይሰምዑ።

ኢየሱስ ድሕነት እዩ

ቀዳማይ፡ የሱስ ድሕነት እዩ። ስምኦን ኣብዚ ህጻን እዚ ኵላዊ ድሕነት ከም እተገልጸ ይእውጅ፡ እዚ ድማ እቲ በጃዊ ፍቕሪ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓደ ሰብ ስጋ ከም ዝለበሰ ዘጉልሕ ኣዝዩ ዘንቀጥቅጥ ሓቂ እዩ።

ኢየሱስ ብርሃን እዩ

ካልኣይ፡ ኢየሱስ ብርሃን እዩ። ንዓለም ልክዕ ከምታ እትበርቕ ጸሓይ የብርሃ፡ ነቲ ሎሚ እውን ንደቂ ሰባት ዘሳቕይ ዘሎ ናይ መከራን ክፍኣትን ሞትን ጸልማት ይስዕሮ።

ኢየሱስ ምልክት ምጽራር እውን እዩ

ኣብ መወዳእታ፡ ኢየሱስ ምልክት ምጽራር እዩ፣ ነቲ ዝዓሞቐ ሓቅታት ልቢ ደቂ ሰባት ዝገልጽ እዩ። ብእኡ ኣቢሉ ታሪኽ ብሓደ መዐቀኒ ዝፍረድ ምዃኑ የረጋግጽ፡ እቲ መዐቀኒ ድማ ፍቕሪ እዩ።

“ኢየሱስ ንኹሉ ታሪኽን ኩነታትን ዝፍረደሉ መዐቀኒታት ከምኡ’ውን ነፍሲ ወከፍ ህይወትና ይገልጽ። እዚ መዐቀኒ እዚ ፍቕሪ እዩ: ዘፍቀረ ይነብር፡ ዝጸልእ ይጠፍእ” ቢሎም፡ ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣብ ሕይወተይ እንታይ እየ ዝጽበ ዘለኹ፧ እቲ ዝዓበየ ተስፋይ እንታይ እዩ? ልበይ ገጽ እግዚኣብሄር ክርኢ ይምነ ድዩ? ንደቂ ሰባት ናይ ምድሓን መደቡ ክግለጽ ድየ ዝጽበ ዘለኹ?” ቢልና ነፍሲ ወከፍና ገዛእ ርእስና ንሕተት ቢሎም፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም “ናብ ጎይታ ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ከተሰንየና” ብሓባር በማላድነታ ንጸሊ እንክብሉ ዓዲሞም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 Feb 2025, 16:51