ድለ

2025.02.03 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህጻናት ዝተወፈየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክጽሕፉ ምዃኖም ኣፍሊጦም 2025.02.03 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህጻናት ዝተወፈየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክጽሕፉ ምዃኖም ኣፍሊጦም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህጻናት ዝተወፈየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክጽሕፉ ምዃኖም ኣፍሊጦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዕለት 3 ለካቲት ንፈለማ እዋን ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ብዛዕባ መሰላት ህጻናት መዕጸዊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ህጻናት “ኣብ ህይወት ከመይ ጌርና ንቕድሚት ከም እንስጉም ክዕዘቡና ይከታተሉና ኣለዉ” እንክብሉ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቫቲካን ንፈለማ እዋን ኣህጉራዊ ጉባኤ ብዛዕባ መሰላት ህጻናት ዝመክር ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ዝተዳለወ ዓውደ ኣኼባ ዝተኻየደሉ ዕለት 3 ለካቲት 2025 ዓ.ም. ንህጻናት ዝተወፈየት መዓልቲ እያ ነይራ።

ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣብቲ ዋዕላ መደረ ዘስምዑ ብዛዕባ ዓውሎማዊ ቅልውላው ናይቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝተነፍጎም ህጻናት ንኽመርኽሩ ዝመጹ ከም ዝነበሩን፡ ኣብ ምሉእ እቲ ዋዕላ ዝተቓልሐ መልእኽቲ “ካብ ህይወት ህጻን ንላዕሊ ዝኸበረ ኩቡር ዋጋ የልቦን” ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንህጻናት ዝተወፈየ ሓዋርያዊ ምዕዳን

ኣብዛ ብድኽነትን ውግእን ሕጽረት ትምህርትን ምዝመዛን እትፍለጥ ዓለም፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝርከቡ ህጻናት በደልን ተቓላዕነትን የጋጥሞም ኣሎ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣብ ሃዋርያዊ መንበር ኣብ ክውንነት ዕሸላት ዓለም ዘተኮረ ዓውደ ኣኼባ ክካየድ ‘ሓዋርያዊ መንበር ብዛዕባ ሕጻናት ጉዳይ ዝዕዘብ ክኸውን’” ብምግባሮም ንኹሎም ተሳተፍትን መደረ ዘስምዑን ምስጋናኦም የቕርቡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ተዓዛቢ ጉዳይ ህጻናት ቦታ ምዃን ንላዕሊ፡ ነቲ ዋዕላ “ቤተ - መኩራ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃቢ ተራዳኢ ኣባ ኢብራሂም ፋልጣስ፥ “ህጻናት ይዕዘቡና ኣለዉ” ዝበልዎ ቃል ተጠቒሞም፥ ቆልዑ “ኣብ ህይወት ከመይ ጌርና ንቕድሚት ከም እንስጉም ንምርኣይ” ይዕዘቡና ኣለዉ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም "ነዚ ተወፋይነት ቀጻልነት ንምሃብን ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ንምስፋሕን" ንህጻናት ዝተወፈየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክጽሕፉ ዘለዎም ሓሳብ ብምግላጽ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

ኩሉ ቆልዓ ናይ ሓለዋና መሰል ኣለዎ

እቲ ዝተካየደ ዓውደ ኣኼባ ካብ መሰላት ህጻናት ኣብ ዘመናዊ ዓለምን ተበጻሕነት ትምህርትን ክሳብ መሰል ናጻ ግዜን መሰል መግብን ክንክን ጥዕናን ዝብሉ ዝርከብዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ብዛዕባ ሕጻናት ዝምልከቱ ኣርስታት ዘማእከለ ሸውዓተ መድረኻት ከም ዝነበሮን፡ ናይ ዮርዳኖስ ንግስቲ ራኒያ ኣል ዓብደላ ኣብ ዘመናዊ ዓለም ብዛዕባ መሰል ህጻናት ብዝምልከት ካብቶም ቀዳሞት መደረ ዘስመዓት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንነፍሲ ​​ወከፍ ህጻን ኩነታቱ ብዘየገድስ ክከናኸን ከም ተማሕጸነት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዓለም ንህጻናት ዝኣተወቶ መብጽዓ ከምኡ ምዃኑ ኣስሚራ፡ ምኽንያቱ “ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ንሓለዋናን ሓልዮትናን ማዕረ ጠለብ ኣለዎ” ከም ዝበለት ኣመላኺቱ፥ ንግስቲ ራኒያ ኣል ዓብደላ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ህጻናት ዘኪራ፣ 96 ሚታዊ ካብ ሕጻናት ቓዛ ሞቶም ቀረባ ኮይና ከም ዝስምዖምን፡ ዳርጋ 50% ድማ ኣብቲ ዝርከብሉ ኩነታት ካብ ምንባር ክሞቱ ዝምነዩ ምዃኖም ዝገልጽ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣቕሪባ፡ “ሰብኣውነትና ከመይ ጌርና ናብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ቁርጸት ከንቆልቁል ፈቒድናሉ?” ወዲ ሰብ ነቒሑ ምስ ጻዕሪ ዝጽዕር ጥራይ እዩ ጽቡቕ ራእይ ዝሓሸት ዓለም ክህልዎ ዝኽእል” ከም ዝበላ ኣፍሊጡ።

ኣብ ድነ ሞት እትርከብ መሬት

ካልእ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ መደረ ዘስመዐ ምክትል ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ኣል ጎር ኮይኑ፡ ብዛዕባ ሓደጋ ዕንወት ስነ-ህይወት ኣጠንቂቑ - እዚ ድማ "ኣብ ልዕሊ ሕጻናት እዛ መሬት ዝጸዓንናዮ ጾር'ዩ . . . ፍቓደይና ዕውርነት" ንብዙሓት ሳዕቤናት ምውሳኽ ሙቐት ዓለም፡ በካሊ ጋዝ ምድረበዳን ካልእ ዓይነት ለውጢ ናይ ከባቢ ኣየር ከይንርእዮ ከምዝዓግተና ገሊጹ። ምስ ሳዕቤናት ዝነብር እቲ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ዘይኮነስ፡ ወለዶታት ደቅናን ደቂ ደቅናን ምዃኖም ይገልጽ።

ድሕሪ እቶም ጸገማት ዘሎ ጸገም ድለዩ

ሎሚ ዘጋጥሙና ብድሆታት ብመሃዝነት ሓድሽ ኣገባብ ቁጠባን ወፍርን ከም ዝስገር ዝኣምን ኣብዚ መዳይ ናይ ዘገልግል ትካል ኣቦ መንበር ካሜል ጊሪቢ፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ህጻናት ጽባቐ ዓለም እዮም፡ ኪኖ መፍትሒ ጥሜትን በደልን ህጻናት ከም ዘለዉን ነኣኣቶም ክንጥምት ኣለና፡ . . . እቲ ብድሕሪ እቲ ጸገም ዘሎ ጸገም ክንረክብ ክንጽዕር ኣለና፤ እቲ ስለምንታይ ዝብል እዩ ሕቶ ዘማእክል” ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ድሕሪ እቲ ዋዕላ ኩሎም ተሳተፍቲን ማሕበረሰብ ዓለምን ኪኖ መደረታት ብምኻድ ንህጻናት ንምሕጋዝን እዚ ዋዕላ ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበለ ንምግባርን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ኣባላት እቲ ዋዕላ ኣብ ክንዲ ኩሉ ሰብ ኣብ ሓደ ኣኪብካ ጽቡቕ መደረታት ምስማዕ ስጉምቲ ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ፣ “ሎሚ ኩላትና ካብዚ ዋዕላ እዚ ዝጭበጥ ምልክታት ክንገብር ወሲንና ክንወጽ ተስፋ እገብር” ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ንስራሕ

ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ - ምስ ካልኦት መደረ ዘስምዑ ሓቢሮም - ንሓለዋን ሓልዮትን መሰላት ህጻናት ዝምልከት 8 መትከላት ዝሓዘ ኣዋጅ ከም ዝኸተሙን፡ በዚ ጻውዒትን ፍትሓዊ መጻኢ ንምፍጣር ብዝብል ዕላማን ድማ፡ ዋላ’ኳ እቲ ዋዕላ ሎሚ እንተተዛዘመ፡ እቲ ተልእኾ ክሳብ ነፍሲ ወከፍ ህጻን ኣዝዩ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘስተማቕር ክቕጽል እዩ።

04 Feb 2025, 17:03