ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብቲ ባዶ ዝኾናሉ ቦታ ጐይታ ብዙሕ ምላሽ ኣለዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸልት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ፣ ካብ ሓውርያዊ መስኮት ኮይኖም፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናንን ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣብ ዝለገሱሎም ኣስተንትኖ ቃል ኣምላክ፣ ገለ ነገር ምስ ዚጐድለና ጐይታ ኺረድኣናን ካብቲ እተጸበናዮ ንላዕሊ ኺገብርን ድሉው እዩ ክብሉ ኣስተምሃሩ ።
ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ነቕርበልኩም።
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ ሰንበት ይግበረልና!
ሎሚ ሰንበት ኣብ መሥዋዕተ ቅድሴ ዘንበብናዮ ቃል ወንጌል (ዮሓ 2፡ 1-11) ብዛዕባ እቲ ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ኣብ እተገብረ ናይ መርዓ ጽምብል ንማይ ናብ ወይኒ ብምቕያር ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ተኣምራት የዘንትወልና። እዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ንብምሉኡ ተልእኾ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽላሎት ዝኸውንን፣ ዘጠቓልልን እዩ ፣ እዚ ዝተፈጸመ ድማ በታ እቲ መሲሕ ዚመጸላ መዓልቲ ኢዩ ዝነበረ ፣ ከምቲ ነብያት ዝተነበይዎ - ጐይታ "ዓቢይ ምሳሕ . . . ብዝበለጸን ዝደረቐን ወይኒ" (ኢሳ 25፡6) ከም ዘሰናዱ፣ ከምኡ ውን "ኣኽራን ጽማቝ ወይኒ ከንጠብጥቡ ኢዮም" (ኣም 9 13) ንዝበሎ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ "ሠናይ ዝኾነ ወይኒ" ዜምጽእ መርዓዊ እዩ።
ኣብዛ ወንጌል እዚኣ ኽልተ [አገደስቲ] ነገራት ክንረክብ ንኽእል ኢና ። በቲ ሓደ ሸነኽ ሕጽረት ወይኒ ኣሎ፣ ማርያም ከኣ ንወዳ "ወይኒ እምበር የብሎምን" ትብሎ (ፍቅዲ 3)፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከአ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጣልቃ ብምእታው ሽዱሽተ ወይኒ ዝመልአ ኣጋንእ ሃቦም፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ወይኒ ኣዝዩ ብዙሕን ብሉጽን ካብ ምዃኑ እተላዕለ፣ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ [ጸዊዑ ነዚ ከምዚ ዝበለ ወይኒ] ስለምንታይ ክሳዕ መወዳእታ ከም ዘጽንሖ ሓተቶ (ፍቅዲ 10)። ስለዚ ንዓና ምልክትና ወትሩ ግዜ ጐዶሎነትና ኢዩ፣ እንተዀነ ግን "ተኣምራት ኣምላኽ ብዙሕ ኢዩ። " ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ምልኣት ቃና ዘገሊላ ኸኣ፣ ተኣምራት ኣምላኽ ኢዩ (በነዲክት መበል 16፡ ኢየሱስ ብዓል ናዝሬት 294)። ኣምላኽ ንጐዶሎነት ደቂ ሰባት ከመይ ዝበለ ምላሽ እዩ ዚህብ? ዕዙዝን ምሉን ጸጋ ኢዩ ዝህብ (ሮሜ 5፡20)። ኣምላኽ በቃቕ ኣይኰነን! ኪህበና ኸሎ ኣብዚሑ እዩ ዚህበና። ውሑድ ኣይኮነን ዝሕብ፣ ብዙሕን ምሉእን ውህበት ኢዩ ዝህብ። ጐይታ ንጉድልነትናን ሕጽረታትናን ብመንገዲ ምልኣቱ ኣቢሉ ኢዩ ምላሽ ዝህበና ።
ሓድሓደ ግዜ አብ መኣዲ ህይወትና፣ እቲ ወይኒ ከም ዝጐደለና ኮይኑ ይስምዓና፣ ማለት ብርታዐን ብዙሕ ነገራትን ከም ዝሓጽረና ንፈልጥ ኢና ። ሓደ ዜሳቕየና ጭንቀት፤ ዜጥቅዓና ፍርሂ ወይ ሓደ ምረት እከይ ክረኽበና እንከሎ፣ ንህይወት ዘሎና ፍቕሪ ሓጐስ ከምኡውን መቐረት ተስፋ ከቑርጸና እንከሎ እዩ እዚ ዜጋጥመና። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ኣስተብህለሉ ፦ ከምዚ ዝመሰለ ጸገም እኳ እንተ ሃለወና ጐይታ ኺህበና ኸሎ፣ ኣዝዩ ብዙሕን ምሉእን ውህበት እዩ ዝህበና ። እዚ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ኢዩ ዝመስል - እቲ ዝጐድለና ብዝያዳ ብዝጐደለሉ መጠን፣ ውህበት ኣምላኽ ድማ ብመጠኑ ኢዩ ዝበዝሓልና ። ምኽንያቱ ጐይታ ምሳኡ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ጽንብል መርዓ ከሳትፈና ስለዝደሊ እዩ።
እምበኣር ናብ ድንግል ማርያም ንጸሊ ። እታ "ሰበይቲ በዓልቲ ሓድሽ ወይኒ" ዝዀት ተማልደልና፣ ኣብዛ ዓመተ ኢዮቤል እዚኣ ኸኣ ነቲ ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንራኸበሉ ሓጐስ እንደገና ንኽንረኽቦ ትሕግዘና።