ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ሥነ-መዕበያ ካህናት ኣህጉራዊ ዋዕላ ኸተአንግድ ኢያ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ ዳርጋ ሓደ ሽሕ ዝዀኑ ተሳተፍቲ ኣብ መጀምርያ ወርሒ ለካቲት ብዛዕባ ሥነ-መዕበያ ካህናት ዝምልከት ኣህጉራዊ ዋዕላ ንምክያድ ኣብ ከተማ ሮማ ክእከቡ ኢዮም።
ብራዚል ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብዝሒ ወከልቲ እትሰድድ ሃገር ክትከውን እያ፣ ስዒበን ድማ መክሲኮ፡ ኢጣልያ፡ ፖላንድን ፊሊፒንስን ክኾና ኢያተን ። ካብ ኣይስላንድ፡ ቡሩንዲ፡ ኤል ሳልቫዶር፡ ቻይና፡ ጓቲማላ፡ ሞልዶቫ፡ ሩስያን ዩክረይን ከምኡውን ካብ ካልኦት 60 ሃገራት ዝመጹ ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ከምኡ ውን ምእመናትን ኣብኡ ክርከቡ ኢዮም።
እዚ "ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ኣነቓቕሓዮ! " ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝካየድ ዋዕላ፣ በቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ካህናትን፡ ስብከተ ወንጌልን፡ ምስራቓውያን አብያተ ክርስቲያንን ዝሓልዩ ላዕዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ዝተሰናደወ መደብ ኢዩ ።
ምስተን ዞባውያን ኣብያተ-ክርስትያን ንምትሕብባር
እቶም ኣብ ሥነ-መዕበያ ካህናት ብደረጃ ሰበኻውን ዞባውን ከምኡውን ሃገራዊ ጉባኤታት ዘገልግሉን ከምኡውን ነቶም ኣብቲ ዓውዲ ተገዳስነት ብምሕዳር ዝተሓባበሩ ኣካላት ብምስታፍ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ነቲ ምስተን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን ዘሎ ናይ ምትሕብባር መስርሕ ንምጅማር ዝዓለመ ኢዩ።
እዚ ዋዕላ እዚ በቲ ኣብዚ ቐረባ ኣዋርሕ ናብ ኵለን ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጳስት ብዝተላእከ መጽናዕትታትን ከምኡውን እቶም ተሳተፍቲ ቕድሚ እቲ ዋዕላን ኣብቲ እቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ግዜን ብዝገበርዎ ኣበርክቶታትን ከም መበገሲ ነጥቢ ገይሩ ክካየድን ክቕጽልን ኢዩ።
ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ጽሑፋት እዚ ዋዕላ ዝዝትየሉ እቲ ብ2016 “መሰረታዊ ኣመክንዮ - ውህበታት ክህነታዊ ጸዋዕታ” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳይ ክህነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽህፈት ዘውጽኦ ሰነድ ክኸውን ኢዩ።
ሲኖዳዊ ሜላ
ቀቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ዝዛተዩሉ ቁውም ሓሳብ ኽልተ ወይ ሰለስተ ሓጺር ኣስተምህሮታት ክወሃቦም ኢዩ፣ ኣስዒቦም ድማ ኣብ ንኣሽቱ ብቛንቋታት ዝተከፋፈሉ ጉጅለታት ብምምዳብ ንዘለዎም ጽቡቕ ልምድታትን ኣገባባትን ዝካፈሉሉን ዝመያየጡሉን ጽቡቕ መድረኽ ክፍጠር እዩ።
በዚ ኸምዚ ድማ እዚ ዋዕላ፣ ነቲ በብግዜኡ ተሳትፎን ሲኖዳውነትን ብዝብል አገባብ ብዛዕባ እቲ ቐጻሊ ዝሰርሑሉን ዝሙከርዎን ንዝለዉ ሥነ-መዕበያ ካህናት ኣብ ዝምልከት ኣርእስትታት ፍሉይ ተመክሮ ከቕርበሎም ተስፋ ይግበረሉ አሎ ።
ከምኡ ውን እዚ ዋዕላ እዚ ኣብቲ አብ ትሕት’ቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዜና ቫቲካን ዝርከብ ኣዳራሽ ኮንቺሊያዚዮነ ክኸውን እንከሎ፣ ካብ 6 ክሳዕ 10 ለካቲት ኣብ ዘሎ ሓሙሽተ መዓልትታት ድማ ክካየድ ኢዩ ።