ድለ

2024.02.01 ር.ሊ.ጳ. ንመምሃራን መንበረ ጥበብ ኖትረ ዳም፡ ተማሃሮ ብርእሶም፡ ብልቢ፡ ብኢድ ክሓልሙ ሓግዙ 2024.02.01 ር.ሊ.ጳ. ንመምሃራን መንበረ ጥበብ ኖትረ ዳም፡ ተማሃሮ ብርእሶም፡ ብልቢ፡ ብኢድ ክሓልሙ ሓግዙ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንመምሃራን መንበረ ጥበብ ኖትረ ዳም፡ ተማሃሮ ብርእሶም፡ ብልቢ፡ ብኢድ ክሓልሙ ሓግዙ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ኢንዲያና ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ኖትረ ዳም ኣባላት ቤት ምኽሪ ሽማግለ ኣብ ሃገረ ቫቲካብ ተቐቢሎም፥ ካቶሊካውያን መምህራን ንተማሃሮ ብጽኑዕ ስነ ፍልጠትን እምነት ዝመልኦን ኣሰራርሓ ገይሮም ትምኒቶም ንኽፍጽሙ ክሕግዝዎም ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ምስጢር ትምህርቲ: ዝስምዓናን እንገብሮን ክንሓስብ፤ እቲ እንሓስቦን እንገብሮን ከም ዝስምዓና፤ ከምኡውን፡ ዝስምዓናን እንሓስቦን ከም እንገብር ዝብል እዩ!

እዚ ናይቲ ቅዱስነቶም ስለገስዎ ቃለ ምዕዳን ሕመረት ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባ ተልእኾ መምህራን ዘለዎም ራእይ እውን ከም ዝገለጹን፡ እዚ ኸኣ “ሰለስተ ቋንቋታት ትምህርቲ ዝብል ኮይኑ፡ ርእሲ፡ ልብን ኣእዳውን” ዝምልከት እዩ፡ እዞም ሰለስተ ባእታታት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስነ መዕበያን ሸቶን ከም ዝኾነን፥ እዚ ሕመረት ስነ ማዕበያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንእሰያት ኣብ ብስለትን ምሉእነትን ንኽበጽሑ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ምዃኑ የብርሁ።

ክፍሊ ትምህርቲ ስነ ፍልጠታት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ኖትረ ዳም ዝኣመሰላ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ምዕባለ ፍልጠት ንምስጓም መጽናዕትን ስነ ምርምርን ከምዘካይዳ ገሊጾም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ስግረ-ክፍለ ትምህርትታት ኣገባብ ይጥቀማ። እዚ ብካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዝካየድ ትምህርታዊ ጻዕርታት” “ኣብቲ ጽኑዕ እምነት ናይቲ ውሽጣዊ ስኒት እምነትን ምኽንያትን ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ካብኡ ድማ ተዛማድነት ናይቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ንዅሉ መዳያት ውልቃውን ማሕበራውን ህይወት ይውሕዝ” ቢሎም መምሃራን መንበረ ጥበብ ኖትረ ዳም ንተማሃሮ ኖተር ዳም መንበረ ጥበብ ነቲ ሓፈሻዊ ትምህርትን ንዕቤት ናይ ካቶሊክ ምሁራት ልምድን ዓሚቝ ቅኑዕ ገምጋብ ብምጥራይ "ርእሶም" ወይ ኣእምሮኣዊ ክእለቶም ንኸማዕብሉ ክሕግዝዎም ጻውዒት የቕርቡ።

ናይ ልቢ ሕልሚ

ቅዱስነቶም ናብቲ ኣብ ትውፊት ኣይሁድ-ክርስትያን እምነት ዝጸንዐ ተባሂሉ ዝንገረሉ መንበረ ጥበብ ኖትረ ዳም  “ሕመረት” ብምምላስ፡ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ንተማሃሮ ንሰለስተ ስግረ-ባህርያት ማለት ንሓቀይና፡ ንሰናይን ጽባቔን ክፉትነት ንኸማዕብሉ ክሕግዞም ኣለዎ። እዚ ድማ መምህራንን ተምሃሮን ነቲ ዝዓሞቐ ሕቶታት ህይወት ብሓባር ክድህስሱ ሓቀይና ዝምድናታት ከማዕብሉ ሓቲቶም፥ ነቶም ካቶሊካውያን መምህራን ኖትረ ደም “ንመንእሰያት ክሓልሙ ይሕግዝዎም ድዮ?|” እክብሉ ሓቲቶምዎም፣ ነዚ ዘቕረቡሎም ሕቶ ድማ ነፍሲ ወከፎም ብሕልናኦም መልሲ ክህቡሉ ይዕድሙ።

“ኩሎም ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ሓው ወይ ሓፍቲ፡ ብመሰረቱ ድማ ከም ፍቑር ውሉድ ኣምላኽ ኣፍልጦ ምሃብን ምድናቕን ምፍቃርን ምእንቲ ክመሃሩ፡ ዘተን ናይ ምርኻብ ባህልን ምድንፋዕ ማለት እውን እዩ፡” ስለዚ ሃይማኖት ንተማሃሮ ሕብረተሰብ ከሐድሱን ኣብ ህይወት ብድሆታት ክገጥሙን ብዝሕግዝ መንገዲ ልቢ ሰባት ኣብ ምምሃር ዘለዎ ግደ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣእዳው ነገልግሎት

እቲ “ኣእዳው” ወይ ንጡፍ፡ ገባሪ ሰናይ መዳይ ሰብኣዊ ፍጥረት፡ ንዕላማ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዝውክል ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱሰንቶም ኣስዒቦም፥ ብተግባራትና ድማ “ሓባራውነትን ሕውነታዊ ምትሕግጋዝን ሰላምን ብምምሃር” ዝሓሸት ዓለም ክንሃንጽ ተጸዊዕና ኣለና፡ ኣብ ውሽጢ መናድቕ ወይ ዶባት ትካላትና ዕጽዋት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና፡ እንታይ ደኣ ናብ ሕድጋትን ወሰናስን ሰብኣውነትን ከተማታትን ወጺእና ምስ ክርስቶስ ኣብ ብጻይና ክንራኸብን ከነገልግሎን ክንጽዕር ኣሎና። ከምኡ እውን እቲ መንበር ጥበብ ኣብ ተማሃሮ ንድኻታት ማሕበረሰባት ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ቅንኣት ክህልዎም ንምግባር ዝፍጽሞ ጻዕሪ ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

'ንናይ ሕብረተሰብ ሰናይ ረብሓ ዝጠቅም ሓያል መጋበርያ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ነቶም ልኡካን ነቲ ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ “ፍሉይ ባህርን መንነትን” ንምዕቃብ ንዝገበርዎ ልግሲ ብምምስጋን ካብ መንበረ ጥበብ ኖት ረደም ዝመጹ ኣባላት ሽማግለ ቤት ምኽሪ “ኣብ ህይወት እዚ ትካል እዚ ብእተሳልጥዎ ኣበርክቶ፡ ነቲ ጽኑዕ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዝብል ሕድሪ ዘዕብዮን፡ ከምቲ መስራቲ እቲ መንበረ ጥበብ ኣባ ኤድዋርድ ሶሪን ዝምነዮ፡ ሓያል መጋበርያ ንረብሓ ሕብረተሰብ ክኸውን ድማ ተላብዮም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

01 Feb 2024, 16:45