ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ዝተፈናጀረ ኲናት ዓለም ዘለሉ እዋን ብዝሓ ጎናውነት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ የድሊ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ተልእኾ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ "ትዕግስቲ ዝሓትትን ክቡርን" ስራሕ መንገድን ኣቀራርባን ምቕያር ዘድልዮ እዩ፡ ምኽንያቱ ናብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ሓውን ደምን ዘምጽኡ ሚሳይላትን ታንክታትን ኣብ ዝበዝሓሉ ዘሎ እዋን "ዳግመ ውደባ ብዙሓ ጎናውነት መግለጺ ዝኾነ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ" ህጹጽ ምዃኑ ይጽውዑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ንዘተ ዝውፍዩ ሰባት ዘመሓላልፍዎ መልኽቲ፡ ካብ ኩዌት፣ ኒውዚላንድ፣ ማላዊ፣ ጊኒ፣ ሽወደን ጫድን ዝመጹ ሽዱሽተ ሓደሽቲ ልኡካነ መግንስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘቕረብዎ ናይ ሽመት ደብዳቤ ንምቕባል ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ከም ዕድል ብምጥቃም እዩ።
ልምዓታዊ ዲፕሎማሲ
“ብመንጽር ዓለማዊ ስፍሓት ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት – ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ – ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብመንገዲ ሰላማዊ መሳርሒታት ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ኣቢሉ፡ ነቲ ብዙሕ ግዜ ዘስዕቦ ከቢድ በደላት ሓፈሻዊ ፍታሕ ናይ ምርካብ ብድሆ ክገጥሞ ይረክብ”። ካብዚ ኣረኣእያ እዚ ብምብጋስ፡ ሰብሕዎ ለእግዚኣብሕኤር ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ጠቒሶም፥ ሓደ ብዝሓ ጎናውነት ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ "ንዝቕልቀሉ ጸገማት ጭቡጥ መልሲ ክህብን ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝካየድ ዘሎ ከባብያዊ፡ ጥዕናዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ለውጥታት ክጻወር ዝኽእል ዓለማዊ ኣገባባት ክምህዝን" ክጽዕር ኣለዎ።
እቲ ገዛእ ርእስኹም እትውፍየሉ ክቡርን ዓቃልን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዕዮ፡ ግርጭታት ንምክልኻልን ንምፍታሕን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ሰብኣዊ ምዕባለን ህዝብታት ምድልዳል፡ ምኽባር ሰብኣዊ ክብሪ ምድንፋዕ፡ ዘይምንዛዕ መሰላት ነፍሲ ወከፍ ወዲ ተባዕታይ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምሕላው ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ’ውን ኣገባባት ውሁድ ቁጠባውን ሰብኣውን ምዕባለ ምድንፋዕን እዩ።
ናይ መጻኢ "ስፍራ ኣታኽልቲ"
ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዕዮ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ረቛሒታት እውን የቐምጡ፣ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዱባይ ኣብ ዝተኻየደ COP28 - ኣህጉራዊ መበል 28 ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ብዝወከልዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣቢሎም ዘስምዕዎ መደረ፡ “ምሕደራ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝብል ዘቕረብዎ ሓሳብ፡ "ነዞም ኩላዊ ሓባራዊ ረብሓ ዘስዕቡ ንጹርን ህሉዋትን ሓደጋታት ብጥበብን ኣርሒቕካ ብምርኣይን መልሲ ንምሃብ ታሪኻዊ ስጉምቲ ንቕድሚት ዘብል ክኸውን ኣለዎ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ተስፋ ደጊሞም ብኣጽንዖት” ኣዘኻኽኢሮም፥
መጻኢ ኩሉ ሰብ ኣብቲ እንመርጾ ህሉው እዩ ዝምርኮስ። መራሕቲ ኣህዛብ ብሓባር ኮይኖም ምስቲ ፈጣሪ ንሓልዮትናን ንምክንኻንናን ብሓላፍነት ዝሃበና ተፈጥሮ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ - ዝመሳሰል ዓለም ንመጻኢ ወለዶታት ከነረክብ ዘኽእለና ጭቡጥ ስጉምትታት ክወስዱ ንጽሊ።
እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ዛዚሞም።