ህያብ ርሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ፥ ንቕዱስ ምስሊ ቅድተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዓቢይ ዕለት 8 ታሕሳስ ዝበዓል ዓመታዊ ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ከካይዱን ኣብቲ ባዚሊካ ኣብ ዝርከብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ትርጋጽ ወርቃዊ ጽጌሬዳ ከንብሩ ከም ዝኾነ ዝሓብረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እዚ እውን ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚ 400 ዓመታት ተቛሪጹ ዝነበረ ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ምኽንያት ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ክነገዱን ንኽብሪ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ወርቃዊ ጽገሬዳ ከወፍዩ እዮም።
ጥንታዊ ገጸ በረኸት
ወርቃዊ ጽገሬዳ ነቲ ር.ሊ.ጳጳሳት ዚባርኽዎ ዝነበሩ በረኸት ዜመልክት ጥንታዊ መበቈል ዘለዎ ንቅድስተ ድንግል ማርያም ድሕነት ሮማውያን ህያብ ናይ ምቕራብ ካብ ማእከላይ ዘመን ኣትሒዙ ዝነበረ ባህሊ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ንእምነትን ሓባራዊ ረብሓን ዘለዎ ተጸምዶ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ናብ ገዳማትን መካነ ንግደታትን ቅዱሳት ቦታታት ልዑላን ከምኡውን ምርኡያት ሰባት ዝፍጽምዎ ዝነበረ ንግደትን ገጸ በረኸት ናይ ምቕራብ ልድሚ ከም ምዝነበረ እውን እዩ ዝንገር ።
ካብቲ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዝወጸ መገልጺ እውን ከም ዝሕብሮ፥ "ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዚ ስእሊ እዚ ኣብ ህይወት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ መንፈሳዊ ኣገዳስነትን ዓሚቝ ትርጉምን የጕልሑ፡ ከመይሲ እዚ ስእሊ እዚ ኣብ ምዕራብ ንኣደ ኣምላኽ እተወፈየ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ ንማርያም ዝተወፈየ ቤተ መቕደስ” ምዃኑ የዘኻኽር።
ክልተ ቅድመ ኩነት
እቲ ር.ሊ.ጳ. ክፍምጽዎ ዝኾነ ኣብ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ክብረ በዓል ምኽንያት ዝፍጽምዎ ወርቃዊ ጽጌረዳ ናይ ምቕራብ መንፈሳዊ ተግባር ኣብ ታሪኽ ንፈለማ ግዜ ከም ዘይኮነን፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ 1551 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ር.ሊ.ጳ. ዩሊዩስ ሳልሳይ ኣብ መሰውኢ ወይ መንበረ ታቦት ዘቤተልሔም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ትርጋጽ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ወርቃዊ ጽጌረዳ ህያብ ከም ዘቕረቡን ድሓር እውን ኣብ 1613 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሓምሻይ ብምኽንያት ትርጉም ናይቲ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናብቲ ነዚ ምስሊ እዚ ንምዕቃብ ኣብ ባዚልካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ውሽጢ ዝተሓንጸ ሓድሽ ቤተ ጸሎት ነጊዶም ወርቃዊ ጽጌረዳ ከም ዘወፈዩላ ናይ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥ ናይተን ብኽልተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተለገሳ ክልተ ወርቃውያን ጽጌረዳታት ኣበይ ከም ዝኣተወ ግን ክሳብ ሕጂ ዝፍለጥ ኣይኮነን፣ ጥንታውያን ናይ ታሪኽ ጸሓፊት እቲ ንቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ዝተወፍየ ወርቃዊ ጽጌረዳታት ምናልባት ናፖልዮን ኣብ ልዕሊ ጳጳሳዊ ግዝኣት ወራር ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ከም ዝጠፍአ ይሕብሩ። ስለዚ ድሕሪ 400 ዓመታት እቲ መግለጺ ወሲኹ፥ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ክቡር ስእሊ ዘለዎ ተወፋይነት ዝጭበጥ ምልክት ክህቡ መሪጾም፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ከተማ ሮማን ዘሎ ናይ ሽሕ ዓመት ምትእስሳር ንምድልዳል” ምዃኑ ከም ዝሓበረ ኣፍሊጡ።
ታሪኻዊ ምልክት
ፍሉይ ሽማግለ ባዚሊክ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ሮላንዳስ ማርኪካስ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ተግባር እዚ ክፍጽሙ ብሓቂ ዘሐጉስ እዩ፡ “ህያብ ወርቃዊ ጽገሬዳ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸኮ ነታ ኣብዚ መቕደስ ውሽጢ ንዘላ ንቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ቅዱሰንቶም ምስ እኖ ኣምላኽ ዘለዎም ዓሚቝ ምትእስሳር ዝግለጽ ታሪኻዊ ምልክት እዩ” ምስ በሉ፥ “ህዝበ እግዚኣብሔር ምስ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘለዎ መንፍሳውን ውፉይነታውን ምትእስሳር ዝያዳ ዘደልድል እዩ፥ ንቅድስተ ድንግል ማርያም ድሕነት ሮማውያን ድማ ምእንቲ ሰላም ከተማልደልና ንጽሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።