ድለ

TOPSHOT-ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT TOPSHOT-ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እተን ብውግእ ዝዓነዋ ዩክረይን እስራኤል ከምኡውን ፍልስጥኤም ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ሰኑናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ አብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ምእንቲ ዅሎም እቶም ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ግጭት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ኩሉ ሰብ ክጽልየሎም ደጋጊሞም ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሕጂ ውን ኣብ ጐኒ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ደው ከም ዝብሉ ኣረጋገጹ ።

"ምእንቲ እቶም ብውግእ ብዘሕዝን ፍጻመ ዝሳቐዩ ዘለዉ ብፍላይ ከኣ ምእንቲ ህዝብታት ዩክረይን እስራኤል ከምኡ ውን ፍልስጥኤምን ምጽላይ ኣይንረስዕ" ድማ በሉ።

ቅዱስ አቦና ደድሕሪ እቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ኣብ ክንድኦም የኔታ ኣባ ፊሊፕ ካምፓነሊ ኢዮም ዘንበብዎ፣ "ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ " ዚብል እምንቶኦም ድማ እንደገና ገለጹ ። ካብኡ ዝረብሕ ዋላ ሓደ የለን ብዘይካ ኣፍረይቲ ኣጽዋር ንዅሉ ሰብ ስዕረት ኢዩ።" ድማ በሉ።

ልዕሊ 16,200 ፍልስጥኤማውያን ዝኾኑ፣ ካብኣቶም ድማ ክልተ ሲሶ ኣንስትን ቈልዑን ዝኾኑ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ገማግም ቃዛ እተገብረ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም አለዉ ። እዚ መጥቃዕቲ እዚ ድማ ብሰንኪ እቶም ን1,200 እስራኤላውያን ዝቐተሉሉን ን240 ካልኦት ዝጨወዩሉን ብወተሃደራት ጉጅለ ሓማስ እተፈጸመ ግብረ ሽበራ ሕነ ንምፍዳይ ዝኾነ ኢዩ ። እስራኤል ነቲ ኣብ ጋዛ ዚርከብ ንመሰረታዊ ህንጻታት ጉጅለ ሓማስ የጥቅዕ ከም ዘሎን ንሰፈራታት ሰላማውያን ሰባት ከም ዋልታ ይጥቀመሉ ኸም ዘሎ ክብል ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ ። ንሸውዓተ መዓልቲ ድሕሪ እተገብረ ውዕል ምቁራጽ ተኹሱ ኣስታት 100 ዝዀኑ ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ተፈቲሖም አለዉ ። እንተዀነ ግን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት እቲ ውዕል ብምፍራሱ ከምኡ ውን እቲ ብእስራኤል ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰሙን ኣንጻር ወተሃደራት ጉጅለ ሃማስ እተገብረ ዘስካሕክሕ ውግእ ዳግም ይቕጽል አሎ ።

ዕንወት አብ ቃዛ
ዕንወት አብ ቃዛ   (AHMED ZAKOT)

ዕለተ ጸሎት ምእንቲ አብ ምስራቕ ዘላ ቤተክርስቲያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም አብቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እተረኽቡ ፖላንዳውያን ነጋዶን በጻሕትን ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታ፣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ማለት ኣብታ ኻልአይቲ ሰንበት ናይ ዘመነ ምጽአት ኣብ ፖላንድ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ምእንቲ’ታ ኣብ ምብራቕ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ሓገዝን ከተካይድ ምዃና ዘከሩ።

" ንዅሎም እቶም ምእንቲ’ታ ኣብቲ ኸባቢ ዘላ ቤተ - ክርስትያን ብጸሎቶምን ብመስዋእቶምን ብፍላይ ከኣ ነቶም በጃ ዝኾኑ ህዝቢ ዩክረይን ዝድግፉ " ብምዃኖም ምስጋናኦም ገለጹሎም ።

ኣብ መንጎ ሓይልታት ሩስያን ወተሃደራት ዩክረይን ብርቱዕ ውግእ ይቕጽል ኣሎ፣ ኣብ ከባቢ ባክሙትን ካልእ ምብራቓዊ ቦታታትን ድማ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ተኸሲቱ ኣሎ ። ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ንዩክረይን ምሉእ ብምሉእ ካብ እትወርር ኣትሒዛ እንተ ወሓደ 10,000 ሰላማውያን ሰባት እንተላይ ልዕሊ 560 ዝኾኑ ህጻናት ኣብ ዩክረይን ከም እተቐትሉ ይግመት። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዩክረይንውያን ድማ ብሰንኪ እቲ ውግእ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም አለዉ ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዛዕባ አብ ልዕሊ ሩስያውያን ዝወረደ ጥፍአት እተገብረ ገምጋም ከም ዝሕብሮ ወተሃደራት ሩስያ እቲ ውግእ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዞም 70,000 ዝዀኑ ወተሃደራት ከም ዝሞቱ እቲ ግምታት ይሕብር ።

ዕንወት አብ ውግእ ዮክረይንን ሩስያን
ዕንወት አብ ውግእ ዮክረይንን ሩስያን

ግዳያት ህቦብላ ኦቲስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ሜክሲኮ ብህቦብላ ንፋስ እተጐድኡ እውን ኣቓልቦ ብምግባር ዘኪሮምዎም ኢዮም ።

ድሕሪ እቲ ብ25 ጥቅምቲ ንኣካፑልኮን ነታ ኣብ ጥቓኣ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቍሸትን ዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ልዕሊ 48 ሰባት ከም ዝሞቱ ካልኦት 48 ድማ ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበ ተረጋጊጹ አሎ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስድራቤታት ጕድኣት ወሪድዎም ክንዲ ዘሎ፣ ዳግመ ህንጸት ናይዚ ድማ እንተ ወሓደ 10 ዓመት ክወስድ ከም ዝኽእል ግምታት የመልክቱ።

ኣስዒቦም ውን ቅዱስነቶም ንኣባልት ማሕበር "ቴለቶን" አብ ዘቕረብዎ ሰላምታን ቃል ምሕጽንታን "ነቶም ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብህቦብላ ኦቲስ ከቢድ ጕድኣት ዝወረዶም ግዳያት ኣካፑልኮ ክተሓባበርዎምን ከምኡውን ንዅሎም ስንኩላን ናብ ሜክሲኮ ኸእትውዎምን ዕሽሽ ከይብልዎምን" ጻውዒት ኣቕረበሎም።

"ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንጣበቕ" ድማ በሉ።

ዕንወት ህቦብላ ኦቲስ
ዕንወት ህቦብላ ኦቲስ   (ANSA)

ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም

አብ መወዳእታ ድማ ቅዱስ አቦና ናብቲ አብ 8 ታሕሳስ ዝኸብር ክብረ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለቅድስት ማርያም አብ እንቀራረበሉ ዘሎና ፣ ነቶም አብቲ ጉባኤ ዝተረኽቡ ምእመናን ድንግል ማርያም "ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዝኣመነትን 'እወ' ኢላ ብኸመይ ከም ዝመለሰትን" ኣዘኻኸእዎም ።

"ነቲ ሓባራዊ ሰናይን ወንጌላዊ ፍቕሪን ንምምስካር ኣብ ጐይታ ምሉእ ብምሉእ ብኸመይ ከም እንለኣኽ ካብኣ ንመሃር" ብምባል ድማ ቃል ምሕጽንታኦም ዛዘሙ ።

06 Dec 2023, 14:23