ድለ

2023.04.25 Papa Francesco - Riunione del Consiglio dei Cardinali – C9 2023.04.25 Papa Francesco - Riunione del Consiglio dei Cardinali – C9 

ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ ተንስታዊ ባህሪ ቤተ-ክርስትያን ንምዝታይ ምስ ቤት ምኽሪ ካርዲናላት ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም "ሲ9" ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ካርዲናላት - ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካየድዎ አኼባ ብዛዕባ ተንስታዊ ባህሪ ቤተ - ክርስትያን ሓዊስካ ብዛዕባ እታፈላለዩ ጉዳያት ዘተ አካዪዶም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ሕዳር ምስ ዓለም ለኻዊ ስነ-መለኮታዊ ድርገት አብ ዘካየድዎ ርክብ ዝአወጅዎ፣ እዞም ቤት ምኽሪ ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ “ተንስታዊ ባህሪ ቤተክርስቲያን” አብ ዘተኮረ ዛዕባ ዘቱዮም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብቲ አጋጣሚ እቲ “ቤተ-ክርስቲያን ተንስተይቲ ኢያ!” ክብሉ ተረኽቡ። “ጓል-አንስተይቲ እንታይ ምዃና ወይ ውን ተንስታዊ ስነ-መለኮት እንታይ ምዃኑ ዘይርድአና እንተደአ ኮይኑ፣ ቤተክርስቲያን እንታይ ምዃና ፈጺሙ ክርድአና አይክእልን ኢዩ።” ድማ በሉ።

ወሲኾም ውን ቅዱስ አቦና አብ መግለጺኦም ንቤተክርስቲያን “ብተባዕታዊ” ባህሪ ምግላጽ “ዓቢይ ሓጢአት” ከም ምዃኑ ብምግላጽ፣ መፍትሔ ክርስከበሉ ዘለዎ ጉዳይ ከም ምዃኑ አመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሃንስ ኡርስ ፎን ባልታስር ዝተባህሉ ኢየሱሳዊ ሊቅ ሥነ-መለኮት ዘቕረቦ እማሜ ፍልልያት “ጴጥሮሳዊ” ወይ ኣገልግሎታዊ ዓንዲ-ማእከልን “ማርያማዊ” ወይ ሥነ-ተመስጦአዊ ዓንዲ ማእከልን ንኽዝተየሉ አብ ጉባኤ አቕሪቦሞ።

“እቲ ማርያማዊ ካብቲ ጴጥሮሳዊ ዝኾነ ብዝበለጸ አዝዩ አገዳሲ ኢዩ።” ድሕሪ ቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ “ምኽንያቱ ተባዕታትይ ዘይኮነት፣ እታ መርዓት ዝኾነት ቤተክርስቲያን፣ እታ ተንስታይ ባህሪ ዘለዋ ቤተክርስቲያን ኢያ ዘላትና።” በሉ።

ዝሓለፈ ሰነ እተገብረ ናይ ተስዓቱ ካርዲናላት ጉባኤ

እቲ ዝሓልፈ ካብ ዕለት 26 - 27 ሰነ ኣብ እተገብረ ጉባኤ ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ጴጥሮስ፣ እዞም ካርዲናላት ብዛዕባ እተፈላለየ ኣርእስትታት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝዘየዩ ዝፍለጥ ኢዩ ።

ገለ ኻብዚ ኸኣ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ውግእን፣ ብዛዕባ  ናይቲ “ወንጌል ስበኹ” እተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም ትግባሬ አብተ ኣከባቢያኢዊ አብያተክርስትያንን ከምኡውን ብዛዕባ ዕዮታት ናይ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከም ዝዘተዩ ዝዝከር ኮይኑ።

ማዕከል ናይቲ ዛዕባኦም ብዛዕባ ናይቲ ጸኒሑ አብ ወርሒ ጥቅምቲ አብ ቫቲካን እተኻይደ ጉባኤ ሲኖዶስ አብ ሲኖዳዉነት ዝብል ቀኒንዲ ሓሳብ ከም ዝነበረን ዝፍለጥ ኢዩ ።

ኣብዚ ሓድሽ ናይ ሕጂ ጉባኤ ሲ9

ከም ዝዝከር ብ7 መጋቢት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ቤት ምኽሪ ካርዲናላት ተስዓቱ መኻርተ ተኸታሊ ጴጥሮስ ድሒሪ ምሕዳሶም፣ ኣብዚ እዋን እዚ፡ እዚ ቤት ምኽሪ ካርዲናላት በዞም ዝስዕቡ  ካርዲናላት ዝቘመ እዩ፦

-       ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር

-       ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ቬርገዝ ኣልዛጋ ኣቦ-መንበር ጳጳሳዊ ሽማግሌ ጉዳያት ምሕደትራ ሃገረ ቫቲካንን ዋና አማሓዳሪ ሃገራዊ ከተማ ቫቲካንን  

-       ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ሊቀ-ጳጳሳት ኪንሻሳ

-       ብፁዕ ካርዲናል ኦስቫልት ግራስያስ  ሊቀ-ጳጳሳት ቦምበይ

-       ብፁዕ ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦማለይ ናይ ቦስተን ሊቀ-ጳጳሳት

-       ብፁዕ ካርዲናል ዣን ሆሴ ኦሜላ ኦሜላ ሊቀ-ጳጳሳት ባርሴሎና  

-       ብፁዕ ካርዲናል ዠራልድ ላክሮይስ ሊቀ-ጳጳሳት ኲበክ  

-       ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ክሎይድ ሆለሪኽ ሊቀ-ጳጳሳት ላክሰምበርግ  

-       ብፁዕ ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮቻ ሊቀ-ጳጳሳት ሳን ሳልቫዶር ደ ባዪያ

ከምኡ ውን ብፁዕ ሊቀ-ጳጳስት ኣቡነ ማርኮ መሊኖ ከም ጸሓፊ ናይ ተስዓቱ ካርዲናላት መማክርተ ተኸታሊ ጲጥሮስ ኮይኖም ብምግልጋል ኣባኡ ተረኺቦም ። እቲ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ናይዚ ሓዲስ ቤት-ምኽሪ ካርዲናላት ድማ ብዕለት 24 ሚያዝያ ኢዩ ተኻዪዱ ።

ምቛም ቤት ምኽሪ ካርዲናላት

እዚ ቤት ምኽሪ ካርዲናላት ብ28 መስከረም 2013 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመጀምርያ ግዜ ተመስሪቱ ።

ቅዱስነቶም ነዚ ቤት ምኽሪ እዚ ኣብ ምምሕደራ ኩልአዊት ቤተ-ክርስትያን ንኽሕግዝዎምን ነቲ አብ ምሕዳስ ላዕለዎት ኣባይተ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝተገብረ ውጥን ንምጽናዕ ሓላፍነት ሃብዎም ።

እዚ ተሓድሶ እዚ ድማ በቲ “ወንጌል ስበኹ” ዝተሰምየ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ብ19 መጋቢት 2022 እተኣወጀ እዩ ተፈጺሙ ። ጉባኤ ናይዞም ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ጴጥሮስ ንመጀመርታ ግዜ ብዕለት 1 ጥቅምቲ 2013 እዩ ተኻይዱ።

05 Dec 2023, 15:25