ድለ

ፍራንቸስኮ ፈላማይ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕጻናት ኣፍሊጦም ፍራንቸስኮ ፈላማይ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕጻናት ኣፍሊጦም  (Vatican Media)

ፍራንቸስኮ ፈላማይ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕጻናት ኣፍሊጦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ፥ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕጻናት ኣብ ወርሒ ግንቦት 2024 ዓ.ም. ክዝከርን እዚ ተበግሶ እዚ ብናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክነቓቓህን ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ደድሕሪ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፡ ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 25 - 26 ግንቦት 2024 ዓ.ም. ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ቘልዑ ክበዓል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ "ብሓጐስ እበስር” ቢሎም፡ እቲ ተበግሶ ' ነቶም ሕጂ ዚዓብዩ ዘለዉ ቘልዑ መታን ከነማእክሎምን ክንከናኸኖምን ንደሊ ዲና" ንዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ዘተባብዕ ክኽውን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብባህልን ትምህርትን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝዳለው

እቲ ካብ መላእ ዓለም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣወዳትን ኣዋልድን ሕጻናት ናብ ሮማ ዝመጽሉ ፍጻመ በቲ ናይ ባህልን ትምህርትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝዳለው ከም ዝኸውን ከም እተሓበረን ኣብ ሕዳር 2023 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ 7,500 ዝዀኑ ሕጻናት ኣወዳትና ዋልድን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን እንክልግሱ፥ "ካብ ሕጻናት ኣወዳትን ኣዋልድን ንመሃር" ዘርእስቱ ኣጋጣሚ ብናይ ባህልን ትምህርትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተዳለወ ከም ዝነበረን እዚ ኣጋጣሚ እዚ ናይ ሙዚቃን ምስክርነትን ዓቢ ዓውደ ርክብ ምስ ቅድስቱነቶም ናይታ ኣብ 2024 ዓ.ም. ዝፍጸም ዓለምለኻዊት መዓልቲ ቈልዑ ከም መቕድም ገይርካ ክርአ ዝከኣል እዩ።

ኣሌሳንድሮ ዚበሃል ወዲ 9 ዓመት መንእሰይ ዘቕረቦ ሓሳብ

ምሉእ ብምሉእ ንሕጻናት ዝውፈ መዓልቲ ክሁሉ ዝብል ሓሳብ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብሓደ ቆልዓ ኣሌሳንድሮ ዝስሙ ወዲ 9 ዓመት ብምኽንያት ኣብ ሊዝበን ንኽካየድ ተሰናድዩ ኣብ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት መሰረት ኣብ ዝነበረ መደብ ፈነወ ምስ ር.ሊ.ጳ. ዘቕረቦ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱሰንቶም ነቲ ሕጻን “ስለ ዘቕርብካዮ ሓሳብ ብዙሕ ደስ ይብለኒ! ብኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ዝውደብ ኸውን ይኽል፡ ስለዚህ ከምይ ጌርና ክኡል ከም እንገብሮ ድማ ክሓሰበሉ እየ ዝብል መልሲ ከም ዝሃብዎ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

09 Dec 2023, 15:51