ድለ

ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ ንጹሕ ጽንሰታ ፦ ካብ ኣረኣእያ ማርያም ንምሃር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ብዛዕባ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም አብ ዝለገስዎ አስተንትኖ ክልተ ቐንዲ ኣረኣእያታት ማርያም ገሊጾም ። እዚ ኸኣ ንውህበት ኣምላኽ ኣኽቢርካ ምርኣይን ምስጋና ምቕራብን ከምኡውን ንህላወ ጐይታ ንምቕባል ዕለት ዕለት በቶም እንገብሮም ንኣሽቱ ምርጫታት ምግዳስ ኣድላዪ ምዃኑ አስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ክብረ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ንጸሎት መልአከ እግዚአብሔር አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነብሩ ነጋድያንን በጻሕትን አብ ዘስምዕዎ ኣስተንትኖ ቃል አምላኽ ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል አስተምሃሩ ። ቅዱስ አቦና ኣብ አስተንትኖኦም ማርያም በቲ ዝነበራ ኽልተ ፍሉይ ኣረኣእያ፣ ከመይ ቢላ ነቲ ካብ አምላኽ ዝተቐበለቶ ውህበት ንጽሕና ከም ዝዓቀበቶ  አስፊሖም ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ኽልተ ኣረኣእያታት እዚ "ብግብርታት ኣምላኽ ምድናቕን ተአማንነት አብቶም ተራ ዝኾኑ ተግባራት ህይወት፡” ከም ምዃኑ አመልከቱ ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ አስተንትኖ ነቕርበልኩም፦

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም፣ ብሩኽ በዓል!

         ሎሚ አብዚ ክብረ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ዘንበብናዮ ክፍሊ ቅዱስ ወንጌል፣ ብዛዕባ ብስራት ልደት ጐታና ኢዩ ዝነግረና (ሉቃ 1፡26-38)። ማርያም ነቲ ኻብ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዝዀነትሉ ፍሉይ ውህበት ብኸመይ ከም ዝዓቀበቶ ንኽንርዳእ ዜኽእለና ኽልተ ኣረኣእያ ኸም ዝነበራ ኢዩ ከአ ዝገልጸልና ። እዞም ኽልተ ኣረኣእያ እዚአቶም እንታይ እንታይ እዮም? ንሳቶም ብግብርታት አምላኽ ምድናቕን ተኣማንነት ኣብቶም ነአሽቱ ነገራትን ኢያቶም ።

ምድናቕ፣ እቲ መልኣኽ ንማርያም "ጸጋ ዝመልአኪ ተሐጐሲ! እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ" በላ (ቍ.28)። ወንጌላዊ ሉቃስ ከኣ ማርያም ከአ "ኣዝያ ሰንበደት ...... እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኮን ይኸውን? ኢላ ሓሰበት" (v. 29)። ኣዝያ ተገረመት ሰንበደት ተረበሸት ውን "ጸጋ ዝመልአኪ" ተባሂላ ክትጽዋዕ ከላ ምስ ሰምዐት ተገረመት፣ እዚ ማለት ከአ ብፍቕሪ ኣምላኽ ዝተመላእካ ምዃን ማለት ኢዩ።  እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣተሓሳስባ ኢዩ - ኣብ ቅድሚ ህያባት ጐይታ ምግራም፣ ኣቕሊልካ ዘይምርኣይ፣ ብዋጋኦም ምምሳጥ፣ በቲ ምሳታቶም ዝመጽእ ምትእምማንን ብገርህነት ምሕጓስን ኢዩ። ብዛዕባ ውህበት ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ እተቐበልናዮ ውህበታት ኣብ ቅድሚ ኻልኦት አድናቖትና ከነርኢ፣ ብትሕትና ምምስካርን ደአ እምበር  ብዛዕባ መዓልታዊ ጸገማትና ጥራይ ከነዕዘምዝም የብልናን ። ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና ፦ ቃላት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜደንቐኒ እፈልጥ ድየ ? ሓድሓደ ግዜ ብድንቅታቱ እምላእ ድየ? ንኻልኦት ከ አካፍሎምን ድየ ?

         ከምኡ ኸኣ እቲ ኻልኣይ ኣረኣእያ - ኣብቶም ተራ ዝኾኑ ነገራት እሙን ምዃን ኢዩ፣ ቅድሚ ብስራት፣ ወንጌል ብዛዕባ ማርያም ዋላ ሓንቲ አይነግረናን እዩ። ከም ሓንቲ ተራ ጓል ጌሩ ኢዩ ዘቕርበልና ፣ እዚ ኸኣ ምስቶም ኣብታ ትንብረላ ዝነበረት ቍሸት ናዝሬት ምስ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ዘመዓራረያ እዩ ዚመስል ፣ ንማርያማ አቐዲማ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ  ተጠቒሳ አይንረኽባን ኢና ። ንሳ ብፍላይ ጸጋ አምላኽ ብንጽሕና እኳ እንተ ተጸንሰት፣ ብምኽንያት ገርህነታን ተራ ዝኾነ ሕይወታን ነቲ ብጸጋ ኣምላኽ እተጠንሰትሉ ንጹሕ ልባ ክትዕቅቦ ከአለት ። እዚ እውን ኣገዳሲ እዩ ፣ ከመይሲ ነቲ ዓብዪ ውህበት ኣምላኽ እንቕበሎ እንተ ደኣ ዄይና፣ ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ኣቃሊልካ ዘይርኣ ውህበት ብኸመይ ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ምፍላጥ እዩ ።

         ማርያም ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ልሙድ ዝነበረ መዓልታዊ ህይውት ብምኽታል አብ ምዕባይ፣ ንዝረኸበቶ ኣጋጣሚ ብተራ ዝኾነ መገዲ ብምቕባል፣ ነቲ ንጹሕ ጽንሰታ ዓቀበቶ ፣ በዚ ከምዚ ከኣ ነቲ አብ ምኵራባት ትሰምዖ ዝነበረት ቃል ኣምላኽ አጸቢቓ ትፈልጦ ነበረት ፣ እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ወንጌል ተጠቒሱ እንረኽቦ አብቲ እትብሎ ዝነበረ ሒደት ሓረጋት ብንጹር ይርአ ነይሩ ፣ ከምኡ ውን በቲ ወለዳ ዘውረስዋ እምነት እተርእዮ ዝንበረት ልግስን ዝነበራ ትግሃትን ኢዩ ተገሊጹ ። በቲ ናታ ዝገበረቶ መዓልታዊ ተኣማንነት አብ ተግባረ ሠናይ፣ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ውህበት አምላኽ አብ ውሽጣ ክስስን ፈቐደትሉ ።  በዚ ኸምዚ ኸኣ እያ ንጐይታ ምላሽ ክትህብን ኣብ ምሉእ ህይወታ "ሕራይ" ኽትብሎን ዝኸኣለት ።

ስለዚ እምበኣር ንርእስና ኸምዚ ኢልና ንሕተት ፦ ኣብ ዕለታዊ ዅነተይ ኰነ ኣብ መንፈሳዊ ጕዕዞይ ንኣምላኽ እሙን ምዃን ኣገዳሲ ከም ዝዀነ እኣምን ድየ ? ነዚ እሙን እንተ ደአ ኮይነት ወንጌል ዘንብበሉ፣ ዝጽልየሉ፣ ኣብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ዝካፈሉ ከምኡውን አብ ምስጢረ ንስሓ ዝቀርበሉ ፣ ተግባራዊ ኣገልግሎት ዝፍጽመሉ ግዜ እረክብ ድየ? እዚኣቶም ህላወ ጐይታ ንምቕባል ዘድልዩ ክግብሮም ዘሎኒ ንኣሽቱ ምርጫታት ኢዮም ።

እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብውህበታት ኣምላኽ ክንግረምን ዕለት ዕለት ብተኣማንነት ክንቅበሎን ትሕግዘና ።

08 Dec 2023, 14:49