ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ “መንፈስ ቅዱስ ምንጪ ናይ ሓዋርያዊ ቅንኣት እዩ”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተንምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ቅንኣት ብተኸታታሊ ክህብዎ ዝጸንሑ ትምህርትታት ብምቕጻል ስብከተ ወንጌል ወትሩ ብመንፈስ ቅዱስ ፍጻሜ ከም ዝረኽብ አስተምሃሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝለገስዎ አስተንትኖ  "ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ኵሉ ሓዋርያዊ ቅንኣት ከንቱን ናይ ሓሶትን ኢዩ" በሉ። ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ስብከተ ወንጌል ናይ ባዕልናን ፍረ ዘይብሉን ድማ ኢዩ ዝኸውን " በሉ። ብሰንኪ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘሳቕዮም ዘሎ ናይ ጥዕና ጸገም እቶም ተራዳኢ ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ካህን ነቲ ቅዱስ አቦና ዘሰናደውዎ አስተንትኖ ኣንቢቦሞ ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቶም "ኣገዳስቲ ባህርያት" ስብከተ ወንጌል ከስተምህሩ ኢዮም ጸኒሖም፣ ስብከተ ወንጌል ንዅሉ ዜሐጕስን ንዅሉ ዚትንክፍን ምስዚ ግዜና ዚተሓሓዝን ምኹኑ ከአ ኢዮም ዘስተምሃሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ሎሚ እቲ ናይ መወዳእታ መለለዪ ስብከተ ወንጌል ዝኾነ "መንፈስ ቅዱስ" ኣብ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ሓላፍነት ዘለዎ "ቀንዲ ቀላሲ" ወንጌላውነት ከም ምኹኑ ኣስፊሖም ገለጹ።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "[ኣብ መንፈስ ቅዱስ] ዘሎና ምትእምማን መመኽነይታ ስንፍናና ኣይከውንን እዩ" በሉ። ኣብ ክንድኡስ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ናይ ምምሃዝን ገርሀይናነትን ኣገባብ መንፈስ ክንለብሶ ዘለና ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ምዃኑ አዘኻኸሩ ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም፦

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም

ኣብተን ዝሓለፋ ሰሙናት ብዛዕባ ስብከተ ወንጌል ናይ ሓጐስ ብስራት ከም ምዃኑ፣ ንዅሉ ሰብ ዝኸውን ከም ዝኾኑን፣ ከምኡውን ነዚ ዘመን እዚ ዝኸውን ብስራት ከም ምዃኑ ርኢና ኔርና ። ሎሚ እምበኣር እቲ ስብከተ ወንጌል ብመንፈስ ቅዱስ ኮይንካ ክግበር ኣድላዪ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ መወዳእታ ኣገዳሲ ባህሪ ስብከተ ወንጌል ክንርኢ ኢና ። እወ 'ንኣምላኽ ንምምስካር' ብሓቀይና ሓጐስ ምምስካርን፣ ኣብ መላእ ዓለም ንኹሉ ምስባኽን፣ ከምኡ ውን እቲ መልእኽቲ እዋናዊ ምዃኑን ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ኵሉ ሓዋርያዊ ቅንኣት ከንቱን ሓሳዊ ሓዋርያነትን እዩ ዝኽውን፣ ናይ ባዕልና ተግባር ኮይኑ ይተርፍ እሞ ፍረ ዘየፍሪ መኻን ኢዩ ዝኸውን ።

ኣብታ “ናይ ወርንጌል ሓሴት” ዘርእስታ ሓዋርያዊት ምዕዳን "ኢየሱስ እቲ ቐዳማይን ዝዓበየን ወንጌላዊ እዩ" ኢለ ጽሒፈ አሎኹ፣ "ኣብ ኵሉ ንጥፈታት ወንጌላውነት ጸብለል ክብል ዘለዎ ወትሩ ናይ ኣምላኽ ስራሕ እዩ"፣ ንሱ ድማ "ምስኡ ኽንተሓባበር ኢዩ ጸዊዑና፣ ብሓይሊ መንፈሱ ኸኣ ይመርሓና" (ቍ. 12)። አብዚ ዘሎ እምበር ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸብለልትነት ኢዩ! ስለዚ ጐይታ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ "ዘርኢ አብ  ምድሪ ከም ዝዘርአ ሰብ እያ። ንሱ ለይቲ ይድቅስ መዓልቲ ውን ይትንሥእ፣ እቲ ዘርኢ ድማ ንሱ ኸይፈለጠ ይበቍል ይዓቢ ውን።" ብምባል መሲልዎ ኣሎ። (ማር 4፡26-27) መንፈስ ቅዱስ ቀንዲ ቀላሲ ናይ ስብከተ ወንጌል እዩ፣ ወትሩ ቀቅድሚ ልኡኻት ወንጌል እዩ ዚኸይድ፣ ነቲ ዘርኢ ወንጌል ድማ የብቍሎ ። እዚ ሓቂ እዚ ብዙሕ እዩ ዜጸናንዓና። እዚ ኸኣ ከምቲ ኢየሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝበላ(ዮሓ 4፡10 ርአ)፣ ቤተ-ክርስትያን በቲ ዘለዋ ሓዋርያዊ ቅንኣት፣ ገዛእ ርእሳ ዘይኮት እትእውጅ የግዳስ ጸጋን ውህበትን ኢያ እትሰብኽ፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብልክዕ ውህበት ኣምላኽ ከም ምዃኑ ንኽንርዳእ ይሕግዘና።

ይኹን እምበር እዚ ቀዳምነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ናብ ስንፍና ክመርሓና የብሉን ። ርእሰ ምትእምማንና ድማ መመኽነይታ ናይ ስንፍናና ክኸውን የብሉን ። እቲ ህያው ዝኾነ ባህሪ ናይቲ ዘርኢ ብገዛእ ርእሱ ዚበቍል ምዃኑን እቶም ሓረስቶት ነቲ ግራት ዕሽሽ ኪብልዎ ኣየፍቅደሎምን ኢዩ ። ኢየሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ናይ መወዳእታ ለበዋኡ ኺህብ ከሎ "መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዝወርድ ግና ኃይሊ ክትቅበሉ ኢኹም፣. . . ክሳብ ወሰንብ ምድሪ ከአ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም " (ግብሪ ሓዋርያት 1፡8)።

ጐይታ ነዚ ተልእኾ እዚ ዘነቓቕሖ ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ እምበር፣ ስነ-መለኮታዊ ስርዓታት ወይ መምርሒ ሓዋርያዊ ጕስነት ኣይሓደገልናን። እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ዘስርጸልና ትብዓት ዝመልኦ ተበግሶ ኸኣ ነቲ ወትሩ ኽልተ ባህርያት ዘለዎ ኣገባብ ናይ ጐይታ “መሓዝነትን ገርሀይናነትን” ንኽንመስሎ ይድርኸና ።

መሃዝነት ማለት፣ ንኢየሱስ ብሓጐስ ንዅሉ ሰብ አብዚ ዘመን እዚ ምስባኽ ማለት ኢዩ ። ኣብዚ ብዛዕባ ህይወት ሃይማኖታዊ ርድኢት ክህልወና ዘይሕግዝ ዘመና፣ አብዚ ስብከተ ወንጌል ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዝያዳ ኣጸጋምን ኣድካምን ፍረ ዘይብሉን ኰይኑሉ አብ ዘሎ፣ ካብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ጕስነት ናይ ምርሓቕ ፈተና ክገጥመና ዝከአል እዩ ። ምናልባት ውን ገለ ገለ ሰባት አብቲ ኩሉ ግዜ ዝገብርዎም ልማዳውያን ዝኾኑ ነገራት አብ ምድግጋም ብምሕባእ ወይ ውን ኣብቲ ናይ ማሕርሮ ዝመስል መንፈሳውነት ብምጥሓል፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣገዳስነት ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ ብጌጋ ምርዳእ አብ ዘለዎም ውሑስ ቦታ ክዕቆቡ ይደልዩ ይኾኑ ። ገዛእ ርእሶም ንትውፊታት እሙናት ከም ዝዀኑ ገይሮም ዘምስሉ ሰባት፣ ይኹን እምበር መብዛሕትኡ ግዜ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ክንዲ ምላሽ ዝህቡ፣ ንግላዊ  ዕጋበቶም ኢዮም ምላሽ ዝህቡ ። ኣብ ክንዳኡስ ጕስነታዊ ተበላሓትነት፣ ብመንፈስ ተባዕ ብምዃኑን፣ ኣብ ሓዊ ወንጌላዊ ተልእኾ ብትግሃት ምስታፍን ንጐይታ እሙን ምዃንካ ዜርኢ መርትዖ እዩ ። ስለዚ ኢየ እምበአር ከምዚ ክብል ዝጸሓፍኩ ፦ "ኢየሱስ ነቲ ንሕና እነልብሶ ዘሰልኪ አተሓሳስባ እውን ከይተረፈ ኬቋርጾ ይኽእል እዩ ፣ በቲ መለኮታዊ መሃዝነቱ ኸኣ ብቐጻሊ የደንቐና እዩ ። ናብቲ ምንጪ ንምምላስን ነቲ ናይ መጀመርታ ጽሩይ ወንጌል ንምምላስን ጻዕሪ አብ እንገብረሉ ከአ ሓድስቲ መገድታት ይኽፈት ፣ ብእተፈላለየ ዓይነት መግለጺታትን ዝያዳ ብሉጻት ምልክታትን ቃላትን ነዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ሓድሽ ትርጕም ዘለዎ ሓድሽ መገድታት መሃዝነት ይኽፈት ።" (ናይ ወንጌል ሃሴት 11)

ስለዚ መሃዝነት አድላዪ ኢዩ! ካብኡ ብምቅጻል ድማ ገርሀይናነት ፣ እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ናብቲ ምንጪ ማለት ናብቲ "ናይ ፈለማ ስብከተ ወንጌል" ስለ ዚወስደና እዩ። ብሓቂ ድማ "ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ... [ነቲ] ብሞቱን ብትንሳኤኡን ኣቢሉ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት ኣቦ ዝገልጸልናን፣ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም እንኣምን ዝገብረና።" (ናይ ወንጌል ሓሴት ቍ. 164)። እዚ ኣዋጅ እዚ ማለት "ማእከል ኵሉ ንጥፈታት ወንጌላውነትን ኣብ ምሕዳስ ቤተ ክርስትያን ዚግበር ኵሉ ጻዕርን" ኪኸውን ዘለዎ ናይ መጀመርታ ስብከተ ወንጌል፣ ሓደ ደጋጊመ ዝብሎ እንተሎ "ኢየሱስ ክርስቶስ የፍቅረካ እዩ፣ ኬድሕነካ ኢሉ ህይወቱ በጃ ሃበ፣ ሕጂ ኸኣ መዓልቲ መዓልቲ ምስትውዓል ንኽህበካን ንኸበርትዓካን ከምኡ ውን ሓራ ንምውጻእ ኣብ ጐድንኻ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ።”

ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብመንፈስ ንኸነስተውዕልን መዓልታዊ ንኽንልምኖን ፣ ምንጪ ህይወትናን ዕዮናን ንሱ ይኹን ፣ ምንጪ ዅሉ ንጥፈታትን ምርኻብናን ስብከትናን ንሱ ይኹን ። ንቤተ-ክርስትያን ህያው ዝገብራን ከም ብሓድሽ ዘሓድሳን ንሱ ኢዩ - ምስኡ ንኽንከውን ክንፈርህ የብልናን ከመይሲ እቲ ስኒትን ውህደትን ዘለዎ ወትሩ ናይ መሃዝነትን ገርሀይናን ምንጪ ኮይኑ ኢዩ ዝቕጽል፣ ሱታፌ የስርጽ ንተልእኾ ይሰድድ ንበበይኑ ዝዓይነቱ ኩተታት ክፉት ይኸውን፣ ናብ ሓድነት ከአ ይመርሕ ኢዩ። ንሱ ሓይልናን ትንፋስ ስብከትናን ምንጪ ናይ ሓዋርካዊ ቕንኣትና እዩ። ኦ መንፈስ ቅዱስ ንዓ!

06 Dec 2023, 14:20