ድለ

ኣብ ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ር..ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ሰላም ይጽልዩ!

ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ድሕሪ ቐትሪ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም። ኣብቲ ባዚልካ ኣብ ዝርከብ ጥንታዊ ቅዱስ ኵስሚ “ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን፥ ፊት ተረኺቦም ንኽብራ ወርቃዊ ጽጌረዳ ኣወፍዮም ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዝፈጸሙን ድሕሪኡ ኣብ ማእከላይ ሮማ ናብ ዝርከብ ቅርዓት ስፓይና ብምኻድ ኣብ ፊት ቅዱስ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ጸሎት ኣዕሪጎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከምቲ ልሙድ ጳጳስ ሮማ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ናብቲ ሮማ ናብ ዝርከብ ኣደባባይ ስፓይና ዘሎ ጥንታዊ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ብምኻድ ኣብኡ ድማ ኣብ ዓለም ብፍላይ ኣብ ዩክሬንን ኣብ ቅድስቲ መሬትን ምእንቲ ህያብ ሰላም በማላድነታ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ ሮማዊ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ንጥንታዊት ሮማዊት ኵስሚ 'ማርያ ሳሉስ ፖፑሊ ሮማኒ - ማርያም ድሕነት ሮማውያን' ሰለስተ ወርቃዊ ጽጌረዳ ለጊኦም ምስ ኣብቅዑ ናብቲ ኣብ ኣደባባይ ስፓይናን ኣደባባይ ሚኛነሊ መንጎ ናብ ዝርከብ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ንኽብራ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲክን ሓቢሩ።

ወርቃዊ ጽጌረዳ ህያብ ቅዱስነቶ ምቅድስቲ ማርያም ድሕነት ሮማውያን

ፍራንቸስኮ ጥንታውን ኣዝዩ ምሳሌያውን ምልክት ገይሮም ወርቃዊ ጽገሬዳ ህያብ ዘቕረቡ ሳልሳይ ር.ሊ.ጳ. ከም ዝኾኑን ናይ መወዳእታ ቅድሚ 400 ዓመት ከምዚ ዓይነት ህያብ ዘቕረቡ ኣብ 1613 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሓምሻይ ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ትውፊት ናይዚ ህያብ እዚ ኣብነት ናይ ጳጳሳዊ ቡራኬ ኮይኑ ካብ ማእከላይ ዘመን ዝጅምር እዩ። እቲ ምልክት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስ ወላዲተ እግዚኣብሔር ዘለዎም ዓሚቝ ምትእስሳር መግለጺ እውን እዩ።

ኣብ ኣደባባይ ስፓይና፥ ሓወልቲ ጽሰታ ለማርያም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ን'ማርያ ሳሉስ ፖፑሊ ሮማኒ - ድሕነት ሮማውያን' ድሕሪ ምኽባር፡ ኣብ ቅድሚ ሓወልቲ ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ጽንሰታ ለማርያም ዘርኢ ሓወልቲ ናብ ዝቖመሉ ስፍራ ከምቲ በቢ ዓመቱ ጳጳስ ሮሜ ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብቲ በዓል ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ከተማ ሮማን ዞባ ላዚዮን ላዕለዎት ኣባይቲ ምሕደራን ዝውክሉ ከም እተረኽቡን ኣብኡ ድማ ኣብ እግሪ እቲ 39 ስድሪ ቁመት ዘለዎ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ቁኑን ዕንበባ ጽጌረዳ ህያብ ኣቕሪቦም፡ ንህያብ ሰላም ኣብ ዓለም በማላድነታ ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማርያም ብጥንቃቐን ቀጻሊ ምህላዋ ምጽንናዕን ተስፋን ይህበና።

ር.ሊ.ጳ. ንድንግል ስለቲ "ምጽንናዕን ተስፋን ዚህበና መስተውዓልን ቀጻልን ህላወኣ ምስና" ብምምስጋን ጸሎትም ጀሚሮም፡ “ሰብኣውነትክን ህላወኼን ክፍኣት ቀዳማይ ይኹን ናይ መወዳእታ ቃል ከም ዘይኮነ የዘኻኽረና፤ ዕጫና ሞት ዘይኮነስ ህይወት፡ ጽልኢ ዘይኮነስ ሕውነት፡ ግጭት ዘይኮነስ ስኒት፡ ውግእ ዘይኮነስ ሰላም ምዃኑ የረጋግጸልና” ቢሎም፥

ንማርያም ህዝብታት ዩክሬን ፍልስጤምን እስራኤልን ብሓላፍነት ምሃብ

ቀጺሎም “ብኢፍትሓውነትን ድኽነትን ዝተዓመጹን ዝዕመጹን ዘለዉ ኩሎም ህዝብታት፡ ከምኡ’ውን ብኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ” ንምሕረታ ኣሕሊፎም ብምሃብ፣ ብፍላይ ነቲ “ዝተሳቐየ ዘሎ ህዝቢ ዩክሬን” ከምኡ’ውን ነቶም “ናብ ዓመጽ ተመሊሶም ዝሸመሙ” ህዝብታት ፍልስጤምን እስራኤልን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ብውግእ ንዝሳቐያ ኣህገራት ብምዝካር ክኸውን እንከሎ፥ ኣስዒቦም ሓሳቦም ናብተን ከም ማርያም ብኲናትን ግብረሽበራን ዝተቐትሉ ደቀን ብምስኣን ኣብ መሪር ሓዘን ወይ ድማ ተስፋ ዝቖረጸ ኣዴታት ኣብ ጉዕዞ ተስፋ ክኸዳ ዝረኣያ፡ ወይ ደቃተን ካብ ወልፊ ዝተፈላለ ዕጸ ፋርስን ካብ ካልእ ዝተፈላለዩ ጸረ ሕይወት ካብ ዝኾኑ ሓደጋታት ከድሕና ዝጽዕራ ብዙሓት ኣዴታት፡ ከምኡ’ውን... እቶም ኣብ ነዊሕን ከቢድን ሕማም ንዝርከቡ ደቃተን ዝናብያን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕድሪ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምእንቲ ሓዘንተይናታት ኣዴታትን ግዳያት ጾታዊ ዓመጻን ምጽላይ

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዅለን ግዳያት ዓመጻ ዝዀና ደቂኣስንትዮ ማለት ንብዓተንን ንብዓት ናይቶም ዜፍቅርወን ኣባላት ስድራ ቤተንን ካልኦትን ሰባትን ክትሕብሶ” ሓደራ ቢሎም፡ ነታ እተባረኸት ድንግል "ብዘይ ይቕረታ ሰላም ከም ዘየለ ብዘይ ንስሓ ኸኣ ምሕረት ኸም ዘየለ ዘመልከት መገዲ ምልዋጥ ከተርየና ክንልምና” ተማሕጺኖም፥

"ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እንተ ተቐይሩ ዓለም ትቕየር፣ ኵሉ ሰብ ድማ ካብ ናተይ ልቢ ጀሚሩ ኺብል ኣለዎ። ግናኸ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ንልቢ ሰብ ብጸጋኡ ኪቕይሮ ዚኽእል፣ እዚ ኸኣ ንስኺ ማርያም ካብ ቀዳመይቲ ህሞት ኣትሒዝኪ ዝኾንክዮ እዩ። እቲ ብስጋ ዘምጻእክዮ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስአን ኵሉ ሳዕ እትሕብረናን ጸጋ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ንዓለምን ድሕነት እዩ ። ጐይታና የሱስ ንዓ! ናይ ፍቕርን ፍትሕን ሰላምን መንግስትኻ ትምጻእ! ኣሜን።"

ብዝብል ጸሎት ዘካየድዎ መንፈሳዊ ንግደት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Dec 2023, 16:00