ጉጅለ ትሽዓተ ካርዲናላት ብዛዕባ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ዓለምለኸ ቅልውላውን ዘትዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ምልኣተ ጉባኤ ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብዚ ሰሙን እዚ አብቲ አብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ እተሰምየ መዕረፊ አጋይሽ ተረኺቦም ብቐዳምነት ብዛዕባ "ተራ ደቂ ኣንስትዮ አብ ቤተክርስቲያን" ዘተኰረ ዋዕላ አካዪዶም።
ኣብቲ ዘካየድዎ ዘተ ካብቲ ክብርቲ እናቴ ሊንዳ ፖቸር፡ ዶ/ር ሉቺያ ቫንቲኒ ከምኡውን ክቡር ኣባ ሉካ ካስቲልዮኒ ዝበሃሉ ሊቃውንቲ ስነ-መለኮትን ኣብ ናይ ኢጣልያ ተቕዋማት ላዕለዋይ ትምህርቲ መምህራን ኮይኖም ዘገልገልግሉ ዘለዉ ንዘቕረብዎ ስነ-መለኮታዊ እማመታት ተጠቂሞም ዘተ አካዪዶም ።
ኣብ መደምደምታ እቲ ዓውደ ጉባኤ "እቲ ናይ ቤተክርስቲያን መስርሕ ምስትንታንን ውሳኔ ምሃብን ካብቲ መተካእታ ዘይብሉ ኣበርክቶ ደቂ ኣንስትዮ ምእንቲ ክኸስብ እዚ ቤት ምኽሪ ካርዲናላት እዚ ልዕሊ ዅሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣከባቢያዊ ቤተክርስቲያን ነቲ ተንስታዊ መዳይ ቤተ-ክርስትያን ጽን ክብል ከም ዘለዎ ተሰማምዑ።"
እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ እዞም ኣማኽርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እተፈላለየ ዞባታት ዘሎ ህልው ኩነታት አተኩሮ ብምሃብ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው አብ ምምርማር ግዜ ወሲዶም፣ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ "ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ግጭትን ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ዘሎ ኸቢድ ኵነታትን" ከምኡውን ኣብዚ ቀረባ እዋን እዚ ኣብ ዱባይ ዚካየድ ዘሎ ዕዮ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ አከባቢያዊ ኩነታት አየር ውን ኣተኩሮ ብምግባር ዘትዮም ።
ኣቦ መንበር ሽማግሌ ምክልኻል ትሕቲ ዕድም ህጻናት ዀይኖም ዘገልግሉ ዝለዉ ብፁዕ ካርዲናል ሾን ኦማለይ አባል እዚ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ እቲ ኣባላት እዚ ዋዕላ ተስዓቱ ካርዲናላት መኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተመያየጡሉን ዝገምገምዎን ብዛዕባ ኣወዳድባ ቤት ምኽቲ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳትን ካልእ እተፈላለየ ዝዘተይሉ ጽንሰ - ሓሳባትን አመልኪቶም መግለጺ ኣቕሪቦም ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን እተዋህበ መግለጺ፣ እዞም ካርዲናላት ፍሉያት መማኽቲ ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ ክፋል ስሩዕ መበለ 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳስት ከም እተመያየጡ "ከምኡውን ብዛዕባ ምትግባረን መንፈስን ስርዓታትን መለክዒታትን ሓዋርያዊ ቅዋም “ወንጌል ስበኹ” ኣብ ከባቢያዊ ሰበኻታት ብዝምልከት ከም እተመያየቱ አመልኪቱ።
ቀጻሊ ጉባኤ ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመጽእ ለካቲት 2024 ክካየድ ትጽቢይ ይግበረሉ ።