ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ምሩጽ ርእሰ ብሔር ኣርጀንቲና ብስልኪ ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ምሩጽ ርእሰ ብሔር ኣርጀንቲና ብስልኪ ተራኺቦም  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ምሩጽ ርእሰ ብሔር ኣርጀንቲና ብስልኪ ተራኺቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 19 ሕዳር ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ዝተዓወቱ ምስ ሕሩይ ርእሰ ብሔር ኻቪየር ሚለይ ብስልኪ ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 21 ሕዳር ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ምስ ናይ ኣርጀንቲና ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኻቪየር ሚለይ ብስልኪ ከም እተራኸቡን እቲ ቅድም ቢሉ ብናይ ኣርጀንቲና ናይ ዜና ማዕከናት ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ሓቂ ምዃኑ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣረጋጊጾም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ስንበት ዕለት 19 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ክፋል ህዝባዊ ምርጫ ሚለይ 56 ሚእታዊ ሕጹይ ተመራጺ ሰርጆ ማሲ ድማ 44 ሚእታዊ ድምጺ ከም ዝረኸቡ ክሕበር እንከሎ ብሩኒ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 21 ሕዳር ምስ ምሩጽ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ሚለይ ብስልኪ ከም እተራከቡ ኣፍሊጦም።

22 Nov 2023, 15:39