ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ምዕባለታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን ስክፍታኦም ይገልጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ኣብ እተኻየደ ናይ ሲኖዶስ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ዘለወን “ሻቕሎተን” ንምግላጽ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፋን ቅዱሰንቶም እውን ብወገኖም ድሕሪ እቲ ዝተረከብዎ “ናይ ሻቕሎት መልእኽቲ” ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፥ “ብዛዕባ መብዛሕቲኦም ኣባላት እዛ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ሓባራዊ መገዲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ርሒቖም ከም ዝኸዱ ዘስግኣሉ ሓያሎ ጭቡጥ ስጉምትታት” ከም ዘተሓሳሰቦም ኣፍሊጦ ይህቡ።
ጳጳሳዊ መልሲ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ዕለት 10 ሕዳር ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ድሮ ኣብ ዝሓለፈ ኣጋጣሚታት ዝተገልጸ ስግኣቶም ብጽሑፍ የቐምጡ። እቲ ናይ ቅዱስነቶም መልሲ ናብተን ሻቕሎተን ዝገለጻሎም ንናይ ግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ ሊቅ ካተሪና ወስተርሆርስትማን ንናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ማሪነ ሾልሰርን ናይ ፍልስፍና ሊቅ ሃና ባርባራ ገርል ፋልኮቪትዝ ከምኡ እውን ደራሲት ዶሮተኣ ሽሚድት ዝተላእከ ኮይኑ፡ እተን ኣርባዕተ ሊቃውንቲ ዕለት 6 ሕዳር ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝተዛዘመ ናይ ጀርመን ሲኖዳዊ መገዲ መሰረት ጥርጣረታትን ስግኣትን ዝገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን ከም ዝነበራ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
እዚ መስርሕ እዚ፥ ጳጳሳት ካህናት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮም ዓለማውያን ምእመናን ዝርክበዎም 230 ልኡካን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ኣብ ብጉጅለ ተወዳዲብካ ኣብ ዝካየድ ዕዮ ተኸፋፊሎም ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፥ ኣብ ምብራኽ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም መጻምድቲ፡ ለውጢ ጾታዊ ስነ ምግባር፡ ንጽሕና ክህነት፡ ስልጣን ክህነት፡ ምቅላስ ክፍኣት ግህሰት፡ ተራ ደቂ ኣስትዮ፡ ብፍላይ ማዕርገ ድቁና ንደቂ ኣስንትዮን ተኽእሎታት ክህነት ንደቂ ኣንስትዮ ኣቃልቦ ምሃብ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ኣተኩይሮም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ከም እተመያየጡን ቅዱስነቶም በዚ መሰረት እተን ኣርባዕተ ሊቃውንቲ ዘመሓላለፋሎም ናይ ሻቕሎትን ስግኣትን መልእኽተን ዓቢ ኣቃልቦ ብምሃብ ዕለት 10 ሕዳር ዝለኣኹለን ናይ መልሲ ደብዳቤ፥ ድሮ ኣብ ዝሓለፉ ኣጋጣሚታት ዝተገልጸ ስግኣቶም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሲኖዳዊ ሽማግለ ምቛም
እተን ኣርባዕተ ተጋባእያን ኣብ ናይ ሲኖዳዊ መስርሕ ብፍላይ “መራሕነትን ውሳነ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎ ባይቶ (ቤት ምኽሪ)” ንምትእትታው ዝዓለመ ሽማግለ ምቛም ዝብል ሓሳብ ከም ዘተሓሳሰበን ይገልጻ።
ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፈዎ ናይ መልሲ መልእኽቲ ነዚ ብምግላጽ፥ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካል “ከምቲ ኣብቲ ምሱኡ ዝተሓሓዝ ጽሑፍ ናይቲ ውሳኔ ተገሊጹ ዘሎ ምስ ቅዱስ ምስጢራዊ ቅርጺ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክሰማማዕ ከም ዘይክል” ኣጉሊሖም፥ ኣስዒቦም እውን እቲ ሲኖዳዊ ሽማግለ ምቛም ዝብል ውሳነ “ዕለት 16 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. እተመሓላለፈ ብፍላይ ብኣይ ዝተደገፈን ዝተኸተመን ቅድስቲ መንበር ኩልኩል እዩ ዝብል ውሳኔ ከም ዝሃበትሉ” እውን የዘኻኽሩ።
ናብ ሕዝበ ኣግዚኣብሔር ጀርመን 2019 ዓ.ም. ዝተመሓላለፈ መልእኽቶም
ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ መልሲ ደብዳቤ ቅዱስነቶ ዕለት 29 ሰነ 2019 ዓ.ም. ናብ ህዝበ እግዚኣብሔር ጀርመን ዝተላእከ ኣብ 14 ነጥብታት ዝተኸፋፈለ ዓሰርተ ገጻት ዝሓዘ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ዘኪሮም፡ ኣብኡ ድማ ጳጳስ ሮማ ኣብ ጀርመን ንዝርከቡ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ጸዊዖም ኣብ ተግባራዊ ምዝንባል ወይ ናብ ስነ ህልዮኣውነት ከይጎደልካ በቲ ቅኑዕ መገዲ ማለት ብናይ ወንጌል መገዲ ምጉዓዝ” የድሊ ይብሉ።
እታ ደብዳቤ ኣብቲ ኣብ ዕለት 21 ሓምለ 2021 ዓ.ም. እተኣወጀ ድንጋገ ቅደስቲ መንበር፥ ሲኖዳዊ መስርሕ ገባሬ ሰረተ እምነት (ዓንቀጸ እምነት) ክኸውን ከም ዘይክል ዘነጽር ምዃኑ ድማ የዘኻኽሩ።
"ንጳጳሳትን ምእመናንን ናይ ምግዳድ ስልጣን" "ሓድሽ መልክዕ ምሕደራን ሓድሽ ዓንቀጸ እምነታውን ግብረ ገባውን ኣቀራርባን" ከምዘይብሉ እቲ ጽሑፍ ብምግላጽ፡ እማመታት መገዲ ጀርመን ናብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት መገዲ ውሁድ ክኸውን ተስፋ እገብር” ዝብል ኣብ ናይ 2019 ዓ.ም. መልእኽቶም ዘስፈርዎ ሓሳብ ይጠቕሱ።
ጸሎት ንስሓ ናብ ካልኦት ምብጻሕ
ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ኣገዳሲ ሰነድ ብምዝካር፡ ነተን ኣርባዕተ ደቂ ኣስትዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ “ጎይታ መገዱ ከርየና እዩ” ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ኣረጋጊጾም፥ “ኣብ ክንዲ ኣብ ኩሉ ግዜ ሓድሽ ሽማግለ ምቛምን ገለ ገለ ርእሰ ትውካሰን ኣድላይነት ጸሎትን ንስሓን ኣምልኾን ከጉልሕ እደሊ።” ከምኡ እውን ንኣሕዋትና ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ኣፍደገ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ጎደናታት ኣብ ኣብያተ ማሕቡስን ኣባይቲ ሕክምናን ቅርዓትን ከተማታትን ተደርብዮም ዘለዉ ክንትንክፍን ክንራኸቦምን ክንወጽን እዕድም” ቢሎም ነተን ሊቃውንት ንዌስትርሆርስትማን ሽሎሰር ገርል ፋልኮቪትዝን ሽሚድትዝን ስለ ዝገብርኦ ቲዮሎግያውን ፍልስፍናውን ዕዮታተንን ስለ ምስርክነት እምነተን ብምምስጋን ዛዚሞም፡ “ሓደራኽን ምእንታይን ንድሕነት ሓባራዊ ሓልዮትናን ብዘይምቁራጽ ጸልያ” እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣኼባታት ጳጳሳት ጀርመንን ኩርያ ሮማናን
ብዛዕባ መገዲ ሲኖዶስ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ዕለት 26 ሓምለ ኣብ ቫቲካን ኣብ መንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ሓያሎ ሓለፍቲ ኮርያ ሮማናን ወከልቲ ጳጳሳት ጀርመንን ኣኼባ ተኻይዱ ከም ዝነበረን ዘዘካኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ኣኼብ ናይቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዓ.ም. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓምሻይ ዓመት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ር.ሊ.ጳ. ንምርኻብ ናብ ሃዋርያዊ መንበር ብዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መደብ መሰረት ዝተጀመረ ዘተ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ መገድን መስርሕን ሲኖዳውነት ዝለዓሉ ቲዮሎጊያውን ስርዓታውን ዝምልከቱ ጉዳያት ዘተ ተኻይድሎም ከም ዝነበረ የመላኽት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ሮማ ኣብ ዝርከብ ግዳማዊ ግዝኣት ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣጎስጢኒያኑም ተቝዋም ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኣቡነ ባታዚንግ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ . . . ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት እፎይታ ከም እተረኸበን ጳጳሳት ጀርመን ናይ ምፍንጫል ሓሳብ ከም ዘይብሎም ሓቢሮም - ካቶሊካውያን ኢና ከምኡ ክንቅጽል ድማ ኢና እንደሊ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።