ድለ

2022.11.05. Viaggio Apostolico nel Regno del Bahrein - Incontro Giovani 2022.11.05. Viaggio Apostolico nel Regno del Bahrein - Incontro Giovani  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ስነ-ትምህርቲ 'ኣእምሮን ልብን ኣእዳውን' ከወሃህድ ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ማኒላ ዝተኻየደ ዋዕላ ብዘዕባ ትምህርቲ ስነ-አገልግሎት ንምድፋዕ 4ይ ዓለም ለኻዊ ምርኢት ዩኒሰርቪታተ መልእኽቲ አመሓላሊፎም። ስነ-ትምህርቲ ኣብ መንጎ ስምዒታትን ኣገልግሎትን ውህደት ንኸስርጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ርእሲ ኸተማ ማኒላ ፊሊፒንስ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣሓው ላሳላውያን ካብ 8-9 ሕዳር ኣህጉራዊ ዋዕላ ተካይዱ፣ አብቲ ዝተኻየድ መርሓ ግብር ክኢላታትን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲን ከኣ ንእተፈላለየ መዳያት ትምህርቲ ስነ-ኣገልግሎት ሓባራዊ ዘተ አካይዶም።

እዚ ራብዓይ ዓለም ለኻዊ ምርኢት ዩኒሰርቪታተ ምስ ካቶሊካዊ መበረ ጥበብ ኣውስትራልያ ብምትሕብባር እዩ ተኻይዱ፣ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንራንቸስኮ ዘበገስዎ መንፈስ ዓለምለኻዊ ውዕል ትምህርቲ ድማ ተመሪሑ ።

ቅዱስነቶም ከአ ናይ ምትብባዕን ምስጋንን መልእኽቲ ናብቲ ዋዕላ አመሓላልፉ፣ በዚ ኸምዚ ድማ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ትማሊ ሓሙስ አብ ዝነበረ መርሓግብር ተነቢቡ ።

ትምህርቲ ስነ-ኣገልግሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም እዚ ዓውደ-መጽናዕቲ ንአሕሉቕን መምህራንን ከምኡውን ንተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣውዲ ትምህርቲ ስነ-አገልግሎት ንተመክሮታቶምን መጽናዕታቶም ዳህዳሶምን ንኻልኦት ንምክፋል ዓላማ ዝገረ ዋዕላ ምዃኑ ገሊጾም።

እዚ መርሓ-ግብር እዚ ንመንእሰያት "ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ 'ቋንቋታት' ኣእምሮን ልብን ኣእዳውን ዘሎ ርክብ ዝያዳ ንቕሓት ከም ዘሕድሩ" ክገብር ምዃኑ ተስፋኦም ገለጹ።

"በዚ ኸምዚ ኵሎም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝስምዖምን ዝገብርዎን ብውህደት ንኽሓስቡ ምእንትን ክስልጥኑ፣ ምስቲ ዝሓስብዎን ዝገብርዎን ድማ ስኒት ክስምዖምን ከምኡ ውን ነቲ ዝገብርዎ ብስኒት ምስ ስምዒቶምን ሓሳባቶምን ምእንቲ ክገብርዎ መምህራን ነቶም ብሕድሪ እተዋህቦም ህነጽዎም ደአ እምበር መኽዘን ፍልጠት ጥራይ ክገርዎም የብሎምን" ክብሉ ቅዱስነቶም ምሕጽንታኦም አቕረቡሎም።

ዘይንጻጸል ትምህርትን መንፈሳውነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መንእሰያት ንዓለምለኻዊ ሕብረተሰብና ዝሓሸ መጻኢ ኣብ ምህናጽ መራሕቲ ምእንቲ ክዀኑ አብ ንትምህርቲ ኩለንተናዊ መቓርብ ክህሉ አጽኒኦም የመልክቱ ።

ኣብ መልእኽቶም ቅዱስ አቦና ስነ-ትምህርቲ መንፈሳዊ ገጽታ ክህልዎ ከም ዝግባእ እውን የዘኻኽሩ ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ዕዮ ናይዚ ዓውደ - መጽናዕቲ ነቲ ከም ልኡኻን ደቀ መዛሙርቲ መጠን ንሓባራዊ ረብሓ ንምግልጋል ዘለዎም ቅንኣት ከም ዘደንፍዖ እምነት አሎኒ፣ እዚ ድማ ነቲ ለዋጢ ዝኾነ ሓቂን ጽባቐን ሓጐስን ወንጌል ንዅሎም ደቅሰብ ዘካፍል እንክኸውን በዚ ኸምዚ ድማ ነታ ናይ ሕውነትን ሓድነትን ፍትሕን ሰላምን መግሥቲ ኣምላኽ ከም እትሰፍሕ ዝገብር ኢዩ ። "

ኣብ መደምደምታ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ ዓውደ- መጽናዕቲ እተሳተፉ አብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም ብምርግጋጽ፣  ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ሂቦም ነቲ ኣብ  ስነ-ትምህርቲ ዚገብርዎ ዘለው ከይደኸሙ ንኽቕጽልዎ አተባብዖም።

10 Nov 2023, 17:07