ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕጻናት ብሓጎሶምን ንጽሕናኦምን ንዓለም ክሃንጹ ይዕድሙ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ካብ ህጻናት ንመሃር” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ህጻናት ዘሳተፈ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ከም እተካየደን። ቅዱስነቶም ነቶም ህጻናት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ነቶም ነቲ መደብ ዝመርሑን ነቶም ህጻናት ዘሰነዩን ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሰ ቶለንቲኖን ነቲ መደብ ክኡል ክኸውን ዝገበሩ ኣባ ኤንዞ ፎርቱናቶን ብተወሳኺ ካልኦት እዚ ፍጻመ ንኽካየድ ብዝተፈላለየ መዳይ ኣበርክቶኦም ኣገዳሲ ዝኾነ ንኹሎም ኣባይቲ ስድራ እቶም ህጻናትን ዝተፈላለያ ንናይ ህጻናት ጉዳይ ዝሓልያ ትካላትን ምስጋና ብምቕራብ ኣበጊሶም፡
ካብ ህጻናት ምምሃር
ነቲ ናይቲ ርክብ ፍልዩ መርሕ ቃል “ካብ ህጻናት ምምሃር” ዝብል ቃል ጠቒሶም ካብ ህጻናት ዝመሃሩ ህጻናት ዘይኮኑስ ዓለምን እቲ በጽሕን ወለዶ እዩ እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣስሚሮም፡ ነቶም ህጻናት ንዓለም ክቡር ትምህርቲ ስለ ዘቕርቡ ካብኣቶም ምምሃር ኣግዳሲ ምዃኑ ድማ ኣጒሊሖም፡ ህጻናት ንጽባቐ ህይወት ብዘይ ምትሕልላኻቱን ብሓንሳብ ናይ ምዃን ሓጎስን ከመይ ከም ዘቃልሑ ገሊጾም፡ እዚ እውን ክብሩ ዝኾነ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ውህበት እዩ። “ካባኻትኩም ክንመሃር ኣሎና” ቢሎም “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ሓድሽ ነገር ስለ እትምህሩኒ ምሳኹም ክራኸብ ከለኹ ጉሉ ግዜ ሓጎስ ይስምዓኒ - ህይወት ህያብ እያ! እግዚኣብሔር ድማ የፍቅረና ኩላትና ድማ ኣሕዋት ኢና!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምትእኽኻብ ስድራ ቤት
ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም፥ እዚ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ ህጻናት ምትእኽኻብ እዚ፡ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ዘቕረቦ “ዓቢ ቤት” ኣሕዋት ዳግማይ ምትእኽኻብ ምዃኑን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓቛፊት ኩሉ ምዃና ዘመልክት እዩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም። ቆልዑ ካበይ ይመጹን መንን ብዘየገድስ ኩሉ ግዜ ተቐባልነትን ዝተፈትዉን ምዃኖም ክስምዖን ዝገብር ሃዋህው ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ንነፍሲ ወከፍ ህጻን ብውልቅን ብሓባርን በቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ብዝተረኽቡ ህጻናት ኣቢሎም ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ህጻናት ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ ብድሕሪ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብሰንኪ ውግን ጥምየትን ሕማምን ሓደጋታት ከባቢ ኣየርን ድኽነትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ህጻናት ዘለዎም ርህራሄ ኣካፊሎም።
ንኹሎም ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንዝተረኽቡ 7,500 ሕጻናት ሓደ ብሓደ ሰላም ክብሉ ድሌት እኳ እንተነበሮም ብስነኪ ብዝሒ ንኹሎም በረኸቶም ኣብጺሖም በቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ዝተረኽቡ ህጻናት ኣቢሎም ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ህጻናት ቡራኬኤም ከም ዝበጽሕ ርግጸይና እየ ቢሎም፡ ንመንስያት ህይወት ጽቡቕ ህያብ ኣምላኽ ምዃና ኣዚዩ ከም ዘፍቅሮምን ብሓበር ምዃንን ምዝታይን ምክፋልን ልግስን ዘደንቕን ምዃኑ ወትሩ ክዝክሩ ኣተባቢዖም፡ ናብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክጽልዩ ድማ ተላብዮም፥ “ንሳ ክትሕግዘና እያ” ኩሉ ግዜ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጸልዩ!” ምስ በሉ ንህጻናት ናይ ገዛእ ርእሶም ሕቶታት ንኸቕርቡ ድማ ዓዲሞም ምስቶም ህጻናት ብዝተ መልክዕ ከም ዘዘራረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።