ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ማድሊን ደልብሮል ሓጐስ እምነት ተመሓላልፈልና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ክብርቲ ንኣገልጋሊት እግዚአብሔር ማድሊን ደልብሮል ብምጥቃስ ከም ሓንቲ ኣብነት ናይ ሓዋርያዊ ቅንኣት ገይሮም አቕሪቦምዋ፣ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ዝነበሩ ምእመና ከኣ አብነታ ተኸቲሎም፣ ነቲ ናይ እምነት ሓጐስ ንኻልኦት ዘካፍሉሉ ካብአ ክመሃሩ ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ ምብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ክብርቲ አገልጋሊት እግዚአብሔር ማድሊን ደልብሮል ነቲ ኣብ ወንጌል እንረኽቦ ሓጐስ ምስካልኦት ንምክፋል ዘሎና ናይ ጥምቀትና መጸዋዕታ ብኸመይ ክነብሮ ከም ዘሎና ኣብነት ትኾነና አላ እንክብሉ ቅዱስነቶም አስተምሂሮም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንምስታፍ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ንዝነበሩ ምእመና አብ ዘስምዕዎ አስተምህሮ፣ ነቲ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ቅንአት ብተኸታታሊ ዝገብርዎ ዘልዉ ትምህርትታት ብምቕጻል፣ ብዛዕባ ክብርቲ አገልጋሊት እግዚአብሔር ማድሊን ደልብሮል አስተምህሮ ለጊሶም።

ምልእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለግስዎ አስተምህሮ ነቕርበልኩም።

 

ንወንጌላውነት ዘለዋ ፍቕሪ፦ እቲ ኣማኒ ዝነበሮ ሓዋርያዊ ቅንኣት

25. አ/እ ማድሊን ደልብሮል ። ኣብ መንጎ ዘይኣመንቲ ዚርከብ ሓጐስ እምነት

 

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም!

ካብቶም ንስብከተ ወንጌል ሓያል ባህጊ ዝነበሮም ብዙሓት መሰኻኽር ንሎሚ ሓንቲ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዝነበረት ብኽብሪ እንዝክራ አገልጋሊት እግዚአብሔር ማድሊን ደልብሮል ክንርኢ ኢና። ብ1904 ተወልደት ብ1964 ከአ ምድራዊ ጕዕዞአ ወዲኣ ናብ ሰማያዊ ቤት ገዓዘት፣ ንሳ አብ ማሕበራዊ ጉዳያት እትነጥፍ ዝነበረት፣ ደራሲትን ብሰቂለ ሕልና ራኢ እትርኢ ዝነበረት ኮይና ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ካብ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከም አካል ደርቢ ሰራሕተኛታት ኣብ ወሰናስን ከተማ ፓሪስ ትነብር ዝነበረት ። በቲ ካብ ጐይታ ዝረኸበቶ ፍሉይ ግልጸት ተደጒሓ ከምዚ ክትብል ጸሓፈት ፦ "ንቃል ኣምላኽ ሓንሳእ ምስ ፈለጥናዮ ንኸይንቕበሎ መሰል የብልናን ፣ ሓንሳእ ምስ ተቐበልናዮ ኣባና ሥጋ ኸይለብስ ክንክልክሎ መሰል የብልናን፣ ሓንሳእ ኣባና ሥጋ ምስ ለበሰ ንባዕልና ጥራይ ክንዓጽዎ መሰል የብልናን - ካብታ ህሞት እቲኣ ኣትሒዝና ክፍሊ ናይቶም ዝጸባበይዎ ኢና እንኸውን።" (ቅድስና ናይ ተራ ምእመናን ፣ ሚላኖ 2020, 71) ። ሠናይ ሓሳብ፦ ብሓቂ ድንቂ ዝኾነ ሓሳብ ኢያ ጽሒፋ።

አብ ግኖስጢስነት ማለት - አምላኽ ክፍለጥ አይከአልን ኢዩ አብ ዝብል ስነ-ሓሳብ ዝጠሓለ ዘመን ጉብዝናአ ድሕሪ ምሕላፍ፣ ማድሊን ኣብ መበል ዕስራ ዓመት ዕድሚኣ ብምስትክርነት ገለ ካብ አመንቲ ዝነበሩ ብጾታ ተተንኪፋ ንጐይታ ረኸበቶ። በዚ ከምዚ ድማ ንኣምላኽ ክትደሊ ተበገሰት፣ ነቲ ኣብ ውሽጣ እተሰምዓ ዓሚቝ ጽምኢ ጽን ብምባልን፣ ካብቲ "አብ ውሽጣ ዝርብሻ ዝነበረ በዶነት" ተበጊሳ ነቲ ዝፈጠራ አምላኽ ሃሰስ ክትብል ጀመረት (ብአምላኽ ዝተደጕሐት፣ መልእኽትታት 1910-1941፣ ሚላን 2007, 96) ። በቲ ካብ እምነት ዝረኸበቶ ሓጐስ ተተባቢዓ ኣብ ልቢ ቤተ-ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ህይወታ ንኣምላኽ ከተወፊ ምርጫአ ገበረት፣ ከምኡውን ኣብ ልቢ ዓለም ብገርህነት ንህይወታ ምስቶም ናይ “ጐዳና ሰባት” ክትከፋሎ ወሰነት። ስለዚ ንኢየሱስ ብመልክዕ ግጥሚ ከምዚ ቢላ ክትዛረቦ ከአለት "ትህኪትና ክንጸንሕ እኳ እንተ ለመነና፣ ንዓኻ አብ መገድኻ ምእንቲ ክንስዕበካ ክንወጽእ ክንከይድ ግድን ኢዩ። ሚዛና ሓሊና ትኽ ኢልና ክንጕዓዝ መሪጽካና ኢኻ ፣ እዚ ሚዛን እዚ ኸኣ አብ ምጕዓዝና ጥራይ ኢና ኪዕቅቦ እንኽል ። ልክዕ ከም ሓንቲ ብሽክሌታ እንተ ዘይተንቀሳቐሰት ሚዛና ሓልያ ደው ክትብል ከም ዘይትኽእል ። ... ንቕድሚት ምስጓም ንቕድሚት ብምግስጋስ ከምኡ ውን ኣብ ግብረ-ሰናይ እና ዓበና ብምኻድ ጥራይ ኢና ቀኒዕና ደው ክንብል እንኽእል"። ነዚ ድማ ማደሊና "መንፈሳውነት እታ ብሽክለታ" ኢላ ትጽውዖ ነበረ (ዋዛ አብ ፍቕሪ፣ አስተንትኖን ግጥምን፣  ሚላኖ 2011, 56)። አብ ጕዕዞ ወይ አብ ምንቅስቓስ እንተ ሃሊና ጥራይ ዲና ናይ እምነት ሚዛንና ክንሕሉ እንኽእል፣ እንተዀነ ግን ልክዕ ከም ብሽክለታ ማለት ኢዩ ። ጕዕዞ ወይ ምንቅስቓስ እንተ ኣቋሪጽና ንወድቕ ማለት ኢዩ።

ማድሊን ወትሩ ንካልኦት ክፉት ዝኾነ ልቢ ስለ ዝነበራ፣ እቲ ኣውያት ድኻታት አብ ህይወታ ዓቢ ብድሆ ኮና ። እቲ ህያው ናይ ወንጌል ኣምላኽ ንስሙ ናብቶም ገና ዘይረኸብዎ ኽሳዕ እነብጽሖ ኣብ ውሽጥና የቀጻጽለና ከም ምዃኑ ተሰምዓ ። ማድሊን በዚ መንፈስ እዚ ተደሪኻ ናብ ዓለምን ናብቲ አውያት ናይቶም ድኻታትን ተተኵር ስለ ዝነበረት "ካብ ዘይቲ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኽሳዕ መጺጽ ሓሞት ናይ ቀራንዮ ብፍቕሪ ናይ ኢየሱስን መልእኽቱን ምሉእ ብምሉእ ብምንባርን፣ ንዓኡ ከአ ንፍቕሩ ናይ ፍቕሪ መልሲ ብምሃብ ትንብር ነበረት ... ምኽንያቱ ንኢየሱስ ብዘይ ዝኾነ ተዓቅቦ ብምፍቃር ብኣኡ ውን ምሉእ ብምሉእ ፍቁራት ብምዃን ኢየን እተን ክልተ ዓበይቲ ናይ ፍቕሪ ትእዛዛት ኣብ ህይወትና ሥጋ ብምልባስ ንሕና ምሳኡ ሓደ ንኸውን እንኽል " (ጸዋዕታ ፍቕሪ፣ 1፡ Œuvres complètes XIII, Bruyères-le-Châtel, 138-139)

ኣብ መወዳእታ ማድሊን ካልእ ተወሳኺ ነገር እውን ተስተምህረና ኢያ ፣ እዚ ኸኣ ሓደ ሰብ ሰባኺ ወንጌል እንተ ደአ ኮይኑ ንሱ ውን ብወንጌል ይልወጥ ኢዩ ፣ እዚ ኸኣ ወንጌላዊ ምዃን ማለት ኢዩ። ስለዚ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ቃላት ብምድጋም "ወንጌል እና ሰበኹ ንርእሰይ እንተ ደአ ዘይተለወጥኩ ወይለይ" ትብል ነበረት። ብሓቂ ድማ ሰባኺ ወንጌል ምዃን ብወንጌል ከም እትልወጥ ይገብረካ እዩ ። እዚ ኸኣ ሠናይ ዝኾነ ትምህርቲ ሰረተ-እምነት እዩ።

ነዚ ከምዚ ዝመሰለ ምስክርነት ወንጌል ክንዕዘቦ እንከሎና ኣብ ኵሉ ብሕታዊ ወይ ማሕበራዊ ዅነታትና ወይ ወቕትታት ህይወትና ጐይታ ምሳና ኸም ዘሎን ኣብ ግዜና ኽነብር ከም ዝደልና ንህይወትና ምስ ካልኦት ብምክፋል አብ ሓጐስን ጓህን ዓለም ክንዋሳእ ከም ዝጽውዓናን ንመሃር ኢና ። ብፍላይ አብቲ ዓለማዊ ዝኾነ ሃዋሁ እውን ከይተረፈ አብ እምነት ንምዕባይ ሓጋዚ ምዃኑ የስተምህረና ኢዩ፣ ከመይሲ ሓደ ኣማኒ ምስ ዘይኣመንቲ ርክብ ምግባር ነቲ እምነቱ አገዳሲ ብዝኾነ መንገዲ ብቐጻሊ ንኽእርምን እምነቱ እንደገና ንኸጽንዕን ዝድርኾ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ።

ማድሊን ደልብሮል ነታ ሒዝናያ ዘሎና እምነት "አብ ጕዕዞን ምንቅስቓስን" ኮይና ኽንነብረላ ከምዘሎና ተስተምህረና፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ናይ እምነት ተግባር ኣብ ስብከተ ወንጌል ናይ ፍቕሪ ተግባር ብምፍጻም ዘፍሪ እምነት ከም ዝህልወና ይገብር ።  እግዚአብሔር ይሃብለይ! ክብሉ አስተምህሮኦም ዛዚሞም።

08 Nov 2023, 16:57